ኢትዮጵያ፡ ዝለዓለ መጠን ምዉላድ ህጻናት ዝምዝገባ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት 40 ሽሕ ህጻናት ክዉለዱ'ዮም ኢሉ ትካል መድሕን ህጻናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ።
ፈንድ ህጻናት እቲ ዉድብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ሓድሽ ዝዉለዱ ህጻናት ዉሑሳት ክኾኑ ክሰርሓ ኣብ ዝጸዉዐሉ፡ ሎመዓንቲ እቲ ትካል ኣብ ዘዉጸኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ሓዱሽ ዓመት ጥራሕ 48 ሽሕ ዝጽግዑ ህጻናት ከምዝዉለዱ ገሊጹ።
ኣብ 2016፡ በብመዓልቱ ኣብ ዘለዋ 24 ሰዓታት ጥራሕ 2600 ዝጽግዑ ህጻናት ከምዝተወለዱ ይግመት። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ 136 ሽሕ ሓድሽ ዝተወለዱ ህጻናት፡ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ሞይቶም'ዮም።
ካብ ሞንጎ እዞም ህጻናት ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ህጻናት ኣብ እዋን ወሊድ ብዘጋጥም ረኽስን ካልኦት ምክልኻልን ምሕካምን ብዝከኣሉ ሕማማት ዝሞቱ'ዮም።
"ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ዩኒሴፍ፡ ኩሉ ህጻን ንሓደ ሰዓት፣ ልዕሊ ሓደ መዓልቲ፣ ወርሕን ልዕሊኡን ክሕብሐብ ኣለዎ ዝብል መትከል'ዩ ዘለዎ" ኢለን ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሌይላ ፓካላ።
"መንግስታትን መሓዙት ትካላትን ህይወት መላይን ህጻናት ከድሕኑ ሓቲትና ኢና" ይብላ።
ኣብ ናይ ሓዱሽ ዓመት መዓልቲ ብብርኪ ዓለም ካብ ዝዉለዱ 386 ሽሕ ህጻናት ኣብ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዝዉለዱ 12 ሚኢታዊት ይሕዙ።
58 ሚኢታዊት እዚ ምዉላድ ኣብዚ ዞባ ኣብ ዝርከባ 5 ሃገራት'ዩ። ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ዝለዓለ መጠን ምዉላድ ህጻናት ዝምዝገባ ሃገር እንትትኾን፡ ታንዛኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬኒያን ኣንጎላን ይስዕብኣ።
ካብ 2015 ክሳብ 2050፡ ኣብ ኣፍሪቃ 1.8 ሚሊዮን ህጻናት ክዉለዱ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







