ብሪጣንያ ክታበት ፒፋይዘር ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ሂባ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብሪጣንያ ብፒፋይዘር/ባዮኤንቴክ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብስፍሓት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል መረጋገጺ ፍቓድ ዝሃበት ፈላሚት ሃገር ኮይና።
ኤጀንሲ ቁጽጽር ኣፋውስን ናውቲ ሓለዋ ጥዕናን እታ ሃገር ከም ዘፍለጦ እቲ 95 ሚኢታዊት ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸል ዝኽእል ክታበት ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ብስፍሓት ናብ ረብሓ ክውዕል ውሑስ ምዃኑ ተረጋጊጹ'ሎ።
ኣብ ፈላሞት መዓልታት ድማ ነቶም ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምኽታብ ከም ዝጅርም ተገሊጹ።
ብሪጣንያ 40 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክፈርየላ ዝኣዘዘት ኮይና ብነብሲ ወከፍ ሰብ ከክልተ ክታበት ስለ ዝወስድ ድማ ን20 ሚልዮን ክበጽሕ እዩ።
ኣስታት 10 ሚልዮን ኣብ ቀረባ መዓልታት ፈርዩ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ናብታ ሃገር ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዓይነት ክታበት ኣብ ታሪክ እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ክልስ ሓሳብ ናብ ውጽኢታዊ ተግባር ዝተሰጋገረ ኮይኑ'ሎ።
ሚንስትር ጥዕና እታ ሃገር ማት ሃንኮክ ብትዊትር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ሰባት ሓገዝ ዝረኽቡሉ እዋን ከም ዝቐረበ ብምግላጽ "ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ክታበት ንምጅማር ድልው ኮይኑ'ሎ" ኢሉ።
ሰብ ሞያ ብወገኖም፡ ክታበት ምሃብ እንተተጀመረ ሰባት ግን ጥንቁቓት ክኾኑን ለብዒ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ንዝወጽኡ መምርሕታት ክዕቅቡን የተሓሳስቡ።
እዚ ማለት ከኣ ኣካላዊ ርሕቐት ምዕቃብ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም፣ ምልክታት ዝረኣዮም ሰባት ክምርመሩ ምግባርን ንነብሶም ክውሽቡ ምግባርን ይጠልብ።
እቲ ክታበት እንታይ እዩ?
ሓድሽ ዓይነት ክታበት ኮይኑ 'ኤምራን' [mRNA] ይበሃል።
ንሰብነት ሰባት ድማ ብኸመይ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክሃንጽን ንኮሮናቫይረስ ክቃለስን ከም ዘለዎ መልእኽቲ የሕልፍ።
እዚ ክታበት ቅድም ክብል ሰባት ክጥቀምሉ መረጋገጺ ኣይረኸበን ነይሩ።
ዝተመረጹ ሰባት ጥራይ ግን ኣብ ውሽጢ ማእከላት ምርምር ንፈተነ ክወስድዎ ተገይሩ።
ኣብ ውሽጢ 70 ዲግሪ ሰሊሽየስ [158 ዲግሪ ፋረንሃይት] ክዕቀብ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብፍሉይ ኣብ ዝተዳለወሉ ሳንዱቕ ጥራይ እዩ ክጓዓዓዝ ዝኽእል።
ካብቲ ዝብገሰሉ ቦታ ናብቲ ዝድለ ምስበጽሐ ድማ ክሳብ 5 መዓልታት ጥራይ ኣብ መዝሓሊ ክጸንሕ ምግባር ይከኣል።
ሰብ ሞያ ኣብዚ ጉዳይ ዝሕብረዎ ረቛሕታት ኣሎ።
እቶም ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብቐዳምነት ነቲ ክታበት ክወስዱ ከምዘለዎም ይሕብሩ።
ብቐዳምነት ዝሰርዕዎም ከኣ ኣብ ማእኸላት መሕብሐቢ ዝርከቡ ነበርትን ሰራሕተኛታትን ክኾኑ ከለዉ፡ ካብኦም ብምቕጻል ዕድሚኦም ልዕሊ 80 ዓመት ዝኾኑ ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ክኾኑ ኣለዎም ይብሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







