ኬንያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ክትዕድግ'ያ

ክታበታት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ናይ ምግዛእ ድልየት ከምዘለዋ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ክታበታት ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ንኽዕደግ ናብ ሚንስትሪ ጥዕና ሃገሩ መምርሒ ኣውሪዱ'ሎ።

ኬንያ ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐት ሃፋትም ሃገራት ምዕራብ ካብቲ ገና ዝምዕብል ዘሎ ክታበታት ኣስታት 3.8 ቢልዮን ንምዕዳግ ኣብ ዝኣዘዛሉ እዋን'ዩ።

"ኮሮናቫይረስ ብስፍሓት ተመሊሱ ዝመጽእ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታትና ድማ ወሰኽ ዘርእይ ዘሎ ይመስል።" ኢሉ ሚንስተር ጥዕና ሙታይ ካግዌ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ፡ ካብቲ ኣብ ሃገሩ ዝምዕብልን ዝፍተንን ዘሎ ክታበት ዕውታት ዝኾኑ ናብ ኣፍሪቃ ብዝነከየ ዋጋ ክበጽሑ ከምዝግበር ኣብ ወርሒ ግንቦት ቃል ኣትዩ ነይሩ።

እዚ መብጽዓ ድማ ነቲ ቻይና ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣጋ ኣብ ምግታእ ዘርኣየቶ ድኽመት ዘኸተሎ ቁጠዐን ነቐፌታን ከዛሓሕሎ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ኣብዚ ሕዚ እቲ ኣብ ብኦክስፎርድ - ኣስትራዛኔካ ዝፈረየ ዓይነት ክታበት ኣብ ኬንያ'ውን ፈተነ እናገበረሉ እዩ።

ኣብቲ ናይ ክታበት ፈተነ ካብ ሞንጎ ዝሳተፋ ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራት፤ ግብጽን ሞሮኮን ኣብ ቻይና ካብ ዝፈረዩ ክታበታት እቲ ሓደ ፈተነ ይካየደለን'ዩ ዘሎ።

ማእኸል ቁጽጽርን ምክልኻልን ሕማማት ቻይና ከምዝበሎ ድማ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ዓይነታት ክታበት ናብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ በቒዖም'ዮም።

መንግስቲ ኬንያ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሩ ፈተነ ዝካየደሉ ዘሎ ዓይነት ክታበት ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ'ሎ።

ኣብ ኬንያ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ክረጋገጽ ከሎ፤ ልዕሊ 1 ሽሕን 400 ድማ ብሰንኪ እቲ ሕማም ሞይቶም።