ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ህዝቢ ኣብ ምብጻሕ ዝፈታተኑ 5 ብድሆታት

ሕክምናዊ መርፍእ እናተወግአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምኽንያት ሞት ልዕሊ 1.4 ሚሊየን ሰባት ዝኾነ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሕጂ'ውን ዝርግሕኡ ከይተገትአ ሓደ ዓመት መሊኡዎ ኣሎ።

እዚ ካብ ቻይና ዝተበገሰ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ልዕሊ 63 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዙ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን ንለብዒ እቲ ቫይረስ ኣብ ምግታእ ተስፋ ዝተገበረሎም ብዙሓት ዓይነታት ክታበት ኣብ ዕውት መስርሕ ፈተነታት ይርከቡ።

ብዙሓት ኩብንያታት ምርምር ዘፍረይዎም ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ሰብ መዚ ቁጽጽር ኣፋውስ መረጋገጺ ንምርካብ ይጽበዩ ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ክታበታት ንሰባት ክወሃቡ ብሰብሞያ ፍቓድ እንተረኸቡ'ኳ ነቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ብቢልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ክታበት ንምብጻሕ ግን 5 ቀንዲ ብድሆታት ኣለዉ።

ብድሆ 1፡ ሰባት ምእማን

ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ክታበት ቅድሚ ምውሳዱ፤ ውሕስና እቲ ዓይነት ክታበት ብዝምልከት ክኣምን ኣለዎ።

ብተወሳኺ'ውን ነቲ ክታበት ንምውሳድ ዝውስኖ ውሳነ ትኽክለኛ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ።

እዚ ንምግባር ግን ሓደ ዓብዪ ፈተና ከም ዝኸውን ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ብድሆ 2፡ ነቲ ክታበት ኣብ ዝድለ መጠን ዛሕሊ ክጸንሕ ምግባር

እቶም ዛጊድ ዕውትነቶም ዝዝረበሎም ዘለዉ ዓይነታት ክታበት መጠን ዛሕሉ ካብ 0 ክሳብ 80 ሲንቲግሬድ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክዕቀቡ ከም ዘለዎም ይግለጽ።

ኣብቲ ዝድለ መጠን ዛሕሊ ክዕቀቡ እንተዘይኪኢሎም ድማ ከም ዝበላሹ ይዝረብ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝብሎ ግን፡ ካብተን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 28 ሚኢታዊት ጥራይ እየን ዘተኣማመን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝረኽባ።

እዚ ከኣ መዝሓሊ ዝኸውን ከም ፍሪጅ ዝበለ ኣቁሑን ቀረብ ሓይሊን ብእኹል መጠን ናብ ዘይብለን ሃገራት ነቲ ክታበት ምጓዓዝን ምዕቃብን ከቢድ ፈተና ከም ዝኸውን ገሊጹ'ሎ።

ብድሆ 3፡ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ

7.7 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክታበት ክረክብ እንተኾይኑ፤ ነዚ ዘፈጽም ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።

ገለ ካብቶም ዓይነታት ክታበት ብቐሊሉ ብዝኾነ በዓል ሞያ ጥዕና ክወሃቡ ዝኽእሉ እንተኾኑ'ኳ፡ ገሊኦም ግን ዝተፈለየ ስልጠና ምርካብ ዘድልዮም'ዮም።

ብድሆ 4፡ ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና ክመጽኡ ምግባር

ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበላ ሃገራት ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና ንክበጽሑ ንነዊሕ ሰዓታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ክገብሩ ዝግደዱሉ ኩነታት ኣሎ።

እቲ ጸገም ግን ንሰዓታት ዝግበር ጉዕዞ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ መዓልታዊ ብዝሰርሖ ስራሕ ኣታዊ እናረኸበ ናብርኡ ዝደፍእ ክፋል ሕብረተሰብ ነቲ ክታበት ክረክብ ናብ ትካላት ጥዕና ነዊሕ ሰዓታት ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ነታ መዓልታዊ መግቡ'ውን ክስእን'ዩ።

ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ከኣ ሰባት ነቲ ክታበት ክረኽቡ ናብ ዝኽእሉሉ ትካል ጥዕና ናይ ምምጽእ ድልየት ዘይክህልዎም ይኽእል።

ብድሆ 5፡ ድኻ ሃገራት ነቲ ክታበት ብዛዕባ ምርካበን

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ብሪጣንያ፣ ኣወስትራልያን ሕብረት ኣውሮጳን ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ብልቃጣት ክታበት ንምዕዳግ ምስ ኣፍረይቲ ስምምዕ እናፈጸማ እየን።

እዚ ናይ ሃብታም ሃገራት ምጉያይ ድማ ድኻ ሃገራት ነቲ ክታበት ዝረኽባሉ ዕድል ዝቐልጠፈ ከይኸውን ከም ዝፈታተኖ ይፍለጥ።

ዋላ'ኳ ገለ ካብተን ሃብታም ሃገራት 20 ሚኢታዊት ንዝኸውን ህዝቢ ዓለም ክታበት ክረክብ ንምግባር ኣብ ስምምዕ እንተበጽሓ፡ ኣብ ድኻ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ግን ነቲ ክታበት ንምርካብ ክሳብ ሓደ ዓመት ክጽበዩ ግድን ይኸውን።

ኮሮና