ኮሮናቫይረስ፡ ‘ብርቂ ዝኾነ ርኽበት’ ዝተበሃለሉ መድሃኒት ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, BBC Panorama
መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ካብ ዝግበሩ ዘለዉ ፈተነታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገበረ ናይ መጀመርታ ኣፈናዊ ፈተነ፡ እቲ መድሃኒት ናብ ጽዑቕ ክንክን ክኣትዉ ዝግብኦም ተኣለይቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከጉድል ከምዝኸኣለ ነቲ መድሃኒት ዘማዕብል ዘሎ ትካል ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ሳውዝሃምተን ዝመደብሩ 'ሳይነርጅን' ዝተባሃለ ትካል መፍረ መድሃኒት ዘማዕብሎ ዘሎ መድሃኒት ‘ኢንተርፌሮን ቤታ’ ዝባሃል ዓይነት ፕሮቲን ብምጥቃም እዩ ነቲ መድሃኒት ዘማዕብሎ ዘሎ፡ ‘ኢንተርፌሮን ቤታ’ ኣካላትና ረኽሲ ቫይረስ ምስ ኣጋጠሞ ዝፍጠር ዓይነት ፕሮቲን’ዩ።
እቲ ፕሮቲን ናብ ሳንቡእ እቶም ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ብቀጥታ ዝኣቱ ኮይኑ ናይቶም ሕሙማት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ብምዕባይ እዩ ንኮቪድ-19 ክፍውስ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ።
እቲ ፈተነ ዝተገበረሉ መድሃኒት፡ ንብዝሒ ናብ ጽኑዕ ምክትታትል ክኣትዉ ትጽቢት ተገይርሎም ዝነበረ ሕሙማት ከጉድሎ እንከሎ ነቶም ሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ (ቬንቲሌተር) ዘድልዮም ዝነበረ ድማ ብ79 ሚእታዊት ኣጉዲልዎም ኣሎ።
እዚ መድሃኒት እዚ ዝተወሃቦም ሕሙማት ናይ ምሕዋይ ተኽእልኦም ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ትካል ብተወሳኺ፡ እቲ ፈተነ ኣብቶም ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዝነበሮም ተሓከምቲ’ውን ‘ኣዝዩ ዓብይ’ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዘርኣየ ሓቢሩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, BBC Panorama
ካብዚ ብተወሳኺ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ተሓካሚ ኣብ ሆስፒታል ክጸንሓሉ ዝግብኦ ግዜ ብሓደ ሲሶ ከምዘጉደሎ ብምሕባር እዚ መድሃኒት ዝወሰዱ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ትሽዓተ መዓልታት ክጸንሑ ዝግበኦም [ትጽቢት ዝግበረሎም] ዝነበረ ኣብ ሽዱሽተ መዓልታት ካብ ሆስፒታል ከምዝተፋነዉ ተገሊጹ።
እዚ ፈተነ ኣብ ትሽዓት ሆስፒታል ዝርከቡ 101 ወለንተኛታት ተሓከምቲ ኮቪድ-19 እዩ ተኻይዱ።
ዘይተረጋገጹ ውጽኢታት
እዚ ውጽኢት፡ ከምዚ ዓይነት ኣፈናዊ ምርምራት ዘዳሉ ሳይነርጅን ዝብሃል እዩ ኣውጺእዎ።
እንተኾነ እቲ ተባሂሉ ዘሎ ውጽኢት ኣብ ዝኾነ ካልእ ኣይተሓተመን ዘሎ ከምኡ’ውን ምሉእ ጸብጻብ ናይቲ ተኻይዱ ዝብሃል ዘሎ ፈተነ ኣይተዘርገሐን ስለዚ ቢቢሲ ነዚ ተባሂሉ ዘሎ ውጽኢት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
እንተኾነ እቲ ውጽኢት ልክዕ ከምቲ እቲ ትካል ኢልዎ ዘሎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ምእላሽ መድሃኒት ኮቪድ 19 ዓቢ ዝላ ንቅድሚት ገይርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ።
ነቲ ምርምር ዝመርሐ ተመራማሪ ቶም ዊልክሶን “እዚ ውጽኢት ኣብ ብዙሓት ሰባት ተፈቲኑ ተመሳሳሊ ውጽኢት እንድሕር ኣምጺኡ ኣብዚ ቃልሲ ነጥበ መቐይሮ እዩ ኽኸውን” ይብል።
ንሱ ብምስዓብ “እቲ ዝተገበረ ፈተነ ብተዛማዲ ክርአ እንከሎ ውሑድ ቁጽሪ እዩ፡ ኣብቶም ተሓከምቲ ዘምጽኦ ለውጢ ግን ልዕሊ ትጽቢት እዩ ነይሩ” ይብል።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሳይነርጅን ሪቻርድ ማርስደን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝግበሮ ቃለ መሕተት “ልዕሊ እዚ ውጽኢት እዚ’ሞ እንታይ ኢና ክንጽበ?” ብምባል’ዩ መሊሱ።
ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ኣመልኪቱ ድማ “ኣብቲ ምድሃኒት ኮቪድ 19 ክግብር ዝጸነሐ ምርምራት ብርቂ ዝኾነ ርኽብት’ዩ” ኢልዎ
ድሕሪ እዚኸ?
ላዕለዋይ ሓላፊ ሳይነርጅን ሪቻርድ ማርስደን እቲ ትካል ነቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናብ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ትካላት ኣጽደቕቲ መድሃኒት ከምዝሰድድዎ ብምሕባር ነቲ መድሃኒት ብወግዒ ንኽጅመር እንታይ ከማልኡ ከምዘለዎም ንዝውሃቦም ርኢቶ ከምዝጽበዩ ሓቢሩ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ መድሃኒትን ክታበትን ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ኣብ ጻዕርን ኣብ ምትብባዕን እኳ እንተሃለወ፡ እቲ መስርሕ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽል እዩ ዝንገር።
ከምቲ መድሃኒት ርምደሲቪር ኣብ ወርሒ ግንቦት ከም መድሃኒት ንህጹጽ ግዜ ተባሂሉ ዝጸደቀሉ እዚ መድሃኒት እዚ’ውን ብህጹጽ ክጸድቐሉ ከምዝኽእል’ውን ተስፋታት ኣሎ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሳይነርጅን ሪቻርድ ማርስደን ኣብ ወርሒ ክሳብ 100 ሽሕ ዝኸውን ዓቐን ፈውሲ ከፍርዩ ከምዝኽሉ ሓቢሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







