ሲኖቫክ፡ ቻይና ብዛዕባ ዘማዕበለቶ ክታበት ኮሮናቫይረስ እንታይ ንፈልጥ?

ሲኖቫክ፡ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ኩባኒያ ፋርማሲ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሲኖቫክ፡ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ኩባኒያ ፋርማሲ'ዩ

ከም ኣመሪካ፣ ብሪጣኒያ፣ ሩሲያን ቻይናን ዝበላ ሃገራት፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣቐዲመን ንምፍራይ ኣብ ውድድር እየን ዝርከባ።

ቻይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሲኖቫክ ዘዳለዎ ክታበት ድሮ ናብ ኤውሮጳ ልኢኻ ኣላ፤ ብሪጣኒያ'ውን ፒፋይዘር ኣብ ረብሓ ክውዕል ኣጽዲቓ።

እዚ ኩባኒያ ሲኖቫክ ዘማዕበሎ ክታበት ኮቪድ-19 ኮሮናቫክ ናብ ኢንዶኔዥያ ዝተለኣእኸ ኮይኑ ክታበት ክወሃብ ምድላው ይግበር ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ድማ 1.8 ሚሊዮን ክታበት ከፍሪ ትልሚ ኣለዎ።

እንተኾነ፡ እቲ ክታበት ናይ መወዳእታ ብርኪ ፈተነ ክሓልፍ ዝግብኦ ስለ ዝኾነ፡ 'ብዛዕባ እዚ ክታበት እንታይ ኢና ንፈልጥ?' ዝብል ሕቶ ከልዕል ግድን ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ሲኖቫክን ካልኦት ክታበታትን ዘሎ ኣፈላላይ

ኮሮናቫክ፡ ካብ ቑርጽራጽ ዝሞተ ቫይራል (ኣርኤንኤን ዲኤንኤን ዘለዎ ብፕሮቲን ዝተኸበበ ዝሞተ ቫይረስ) ብምጥቃም ዝተሰርሐ ኮይኑ ናይ ሰብነት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ነቲ ቫይረስ ክቃላዕ ይገብር፤ እዚ ግን ከቢድ ሕማም ዘኸትል ኣይኮነን።

ፒፋይዘርን ሞዴርናን፡ ኤምኣርኤን ክታበታት ኮይኖም፤ እዚ ማለት ገለ ክፋል ዘርኢ ኮሮናቫይረስ ናብ ሰብነትና ብምውጋእ፡ ፕሮቲን ከመንጩ ዝገብሩ'ዮም።

ኮሮናቫክ፡ ካብ 2 ክሳብ 8 ዲግሪ ሴንቲ ግሬት ኣብ ዘሎ ዛሕሊ ክጸንሕ ይኽእል።

ክታበት ሞዴርና ግን፡ 20 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዝጠልብ ኮይኑ፡ ፒፋይዘር ከኣ 70 ዲግሪ ሴንትግሬት ይጠልብ።

እዚ ማለት፡ ሲኖቫክን ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕበሎ ክታበት ኣስትራዜኔካን ድኻ ሃገራት ብብዝሒ ክጠልብኦ ተኽእሎ ኣሎ።

ሰብ መዚ ሳኦ ፖሎ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ነቲ ክታበት ሒዞም ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዚ ሳኦ ፖሎ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ነቲ ክታበት ሒዞም ተራእዮም

ኣብ ዓመት ክንደይ ከፍሪ ይኽእል?

ሲኖቫክ፡ ኣብ ዓመት 300 ሚሊየን ብልቃጥ ክታበት ከፍሪ ከም ዝኽእል ኣቦ መንበር እቲ ትካል ንማዕኸናት ዜና ቻይና ገሊጹ።

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ክታበታት፡ ሲኖቫክ'ውን ብኽልተ ዓቐን ዝወሃብ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዓመት 150 ሚሊየን ሰባት ተጠቀምቲ ክኾኑ'ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ክታበት ናብ ኢንዶኖዢያ ዝተላእኸ ኮይኑ፡ ቱርኪ፣ ብራዚልን ቺሊን'ውን ንሲኖቫክ ጠለብ ኣቕሪበናሉ ኣለዋ።

ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ምስ ክታበት ብዝተሓሓዝ ንኣፍሪቃ ክልተ ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ክህብ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ንሃገራት ካሪቢያን ድማ ክታበት ንምዕዳግ ሓደ ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ከም ዝህበን ገሊጹ።

በዚ ልክዕ ካብተን ልቓሕ ዝወስዳ ሃገራት ትጽቢት ዝግበር መብጽዓ እንታይ ምዃኑ ዝተገልጸ የለን።

ተንታኒ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ቻይና ሜርካቶር ጃኮብ ማርዴል ንኤቢሲ ኒውስ ከም ዝበሎ "ቻይና፡ እዚ መድሕን ህይወት ዝኾነ ቴክኖሎጂ ንግዳውን ዲፕሎማሲያውን ከስቢ ንምርካብ ክትጥቀመሉ እያ"።

ዋጋ እዚ ክታበት ክንደይ ምዃኑ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ቢቢሲ ብመሰረት ቅድም ክብል ኣብ ቻይና ከተማ ዪው ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣስታት 400 የን (60 ዶላር) ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኩባኒያ ኢንዶኔዥያ ባዮ ፋርማ፡ እቲ ክታበት 200 ሽሕ ሩፊያህ (13.60 ዶላር) ከም ዝኸውን ይገልጽ።

ክታበት ኦክስፎርድ ዘፍረዮ ኣስትራዜኔካ ዋጋ ሓደ ዓቐን ክታበት 4 ዶላር ኮይኑ፡ ክታበት ሞዴርና ድማ 33 ዶላር'ዩ።

ሞዴርና፡ ኣብ 2021፡ 500 ሚሊየን ክታበት ከም ዘፍሪ እንትገልጽ፡ ኣስትራዜኒካ ድማ ኣብ መወዳእታ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2021፡ 700 ሚልየን ክታበት ከፍሪ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቻይና ካልእ ክታበት ኣለዋ'ዶ?

ቻይና፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ምምዕባል ዝበጽሑ ካልኦት ኣርባዕተ ክታበታት ኣለውዋ።

እቲ ሓደ፡ ሲኖፋርም ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንኣስታት ሓደ ሚሊየን ሰባት ክባጻሕ ተገይሩ'ዩ።

እዚ ክታበት፡ ዝርዝር ብዛዕባ ዝሓለፎም ሰለስተ ምዕራፋት ፈተነ ጌና ከቕርብ እዩ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፑር ዳሌ ፊሸር ንሲቼንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እዚ ክታበት ብዘይ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ መዓላ ክውዕል ምግባር "ዘይንቡር" ከምኡ'ውን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ድማ "ተቐባልነት" ዘይብሉ እዩ ኢሉ።

ቻይና፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ክትቆጻጸሮ ዝኸኣለት ኮይና፡ ቐስ ብቐስ ህይወት ናብ "ሓድሽ ንቡር" ይምለስ ኣሎ።

ሲኖፋርም፡ ብ9 ታሕሳስ 2020 ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ካብቲ ብሓምለ ኣትሒዙ ዝነበረ ክሊኒካዊ ፈተነ 86 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ መረዳእታ ኣለና ኢሎም።

እቲ ክታበት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ረብሓ ክውዕል ድዩ ንዝብል ግን ዝሃቡዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኮሮና