ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ-19 በየናይ መገዲ እያ ክትረክብ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ሒደት ኣዋርሕ ን20 ምኢታዊት ዝኸውን ህዝባ ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ዓሊማ ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ዶ/ር ሊያ ታደሰ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ገሊጻ።
ኢትዮጵያ ናይቲ ሃገራት ክታበት ንኽረኽባ ዘተሓባብር ዘሎ ኮቫክስ ዝተብሃለ ሕብረት ኣባል ስለዝኾነት ከም ካልኦት ሃገራት እቲ ክታበት ከምዝበጽሓ ዝሓበረት ዶ/ር ሊያ ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ካብ ለገስቲ ትካላት’ውን ክታበት ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢራ።
ኢትዮጵያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ናብ ኮቫክስ ሕቶ ከምዘቐርበትን እቲ ክታበት ምስተረኸበ ድማ ፈለማ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ንዘለዎም ዜጋታት ከምዝወሃብ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተገበሩ ምርምራትን ፈተናታትን ተስፋ ዝህቡ ዓይነት ክታበታት ተረኺቦም ኣለዉ። እቲ ክታበት ዛጊድ ንኮቪድ ኣመና ንዝተቓልዑ ሰባትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ክወሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
ብዕድመ ንዝደፍኡን ካልኦት ተወሰኸቲ ሕማማት ንዘለዎም ሰባትን ቀዳምነት ይወሃቦም’ሎ። ሃብታማት ሃገራት ቀዳሞት ተጠቀምቲ ክታበት ኮቪድ ክኾና እንከለዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ እቲ ክታበት ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
“ዕላምኦም ፍትሓዊ ክፍፍል ክህልው’ዩ”
ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ክረኽባ ዝኽእላ ብኮቫክስ ኣቢለን ከምዝኾና ኣብ ሽወደን ዓለም ለኸ ትካል ጥዕና ማላርጋላን መምህርን ተመራማሪ ሕብረተሰብ ጥዕና ዝኾነ በንቲ ገለታ ገሊጹ።
ኣብ ሕብረት ኮቫክስ ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊስካ ኣብ ምርምር ክታበት ኣተኵሩ ዝሰርሕ ጋቪን ኣብ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት ዝሰርሑ ትካላትን ከምዘለውዎ ይፍለጥ።
“ቀመር ክፍፍል ክታበት ኮቪድ ብውድብ ጥዕና ዓለም’ዩ ክምራሕ” ዝበለ ኣቶ በንቲ ዕድመን በዝሒ ሰብ ሞያ ጥዕናን ከኣ ቀንዲ ረቛሕታት ከምዝኾኑ ጠቒሱ።
ድኻታት ሃገራት ካብ ተጠቓምነት እቲ ዕድል ከይጓነያ ዓቕምታት ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ ከምዝውገን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ስራሕቲ ምርምር እቲ ክታበት 172 ሃገራት ከምዝተሳተፋን ውድብ ጥዕና ዓለም ዓቕሚ ዘለወን ሃገራት ኣብ ቀረብ እቲ ክታበት ንኽሕግዛ ከምዝገብር ኣቶ በንቲ ገለታ ሓቢሩ።
እቲ ክታበት ናይ እዛ ሃገር’ዩ ዝበሃል ስለዘይኮነ ብፍትሓውነት ናብ ኩሉ ንኽባጻሕ ብኮቫክስ ኣቢልካ ከምዝስራሕ ካብ ኣቶ በንቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካን ቻይናን ቁጽሪ ልኹፋት ኮቪድ 19 ሪፖርት ኣብ ምግባር ንሕንሕ ከምዝነበረ ኣቶ በንቲ “እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓለም እቲ ክታበት ብፍትሓውነት ንኸይከፋፈል ክጸልዎ ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ። እንተኾነ ግን ብፍትሓውነት ከምዝከፋፈል እምነት ኣለኒ” ይብል።
ብኻልእ ወገን ክታበት ተረኺቡ’ዩ ብዝብል ሕብረተሰብ ክዘናጋዕ ከምዘይብሉ’ዩ ዝመክር።
ክሳብ መወዳእታ እቲ ዝቕጽል ዓመት ኣስታት ክልተ ቢልዮን ክታበት ኮቪድ ንምክፍፋል ከም ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣብዚ ፍሉይ ጠመተ ዝወሃቦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ጸጋ ዕድመ፣ ንኻልኦት ሕማማት ዝተቓልዑን ሰብ ሞያ ሕክምናን እዩ።
ኢትዮጵያ ናይ መናእሰይ ሃገር ስለዝኾነትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ውሑዳት ብምዃኖምን ንኢትዮጵያ ዝምደበላ ቁጽሪ ክታበት ከጉድሎ ይኽእል’ዩ ዝብል ገምጋም ዘለዎ ኣቶ በንቲ ሰብ ክታበት ተረኺቡ’ዩ ብዝብል ክዘናጋዕ ከምዘይብሉ’ዩ ዝምዕድ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







