ድሕሪ ጸላም ብርሃን: ድሕሪ ጸበባ መስተርሆት ዘይተርፍ እዩ!

ኣብ ጽምብል በዓል ልደት ንምስታፍ ማስክ ዝገበረት ጓለንስተይቲ: ኮልካታ ህንዲ ታሕሳስ 25, 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጽምብል በዓል ልደት ንምስታፍ ማስክ ዝገበረት ጓለንስተይቲ

ከም ንቡር፡ እዚ ቕነ’ዚ እቲ ዝኸበረን ተፈታውን ወቕቲ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ። እንተኾነ እቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተኣታተወ ራብዓይ ደረጃ ጥንቃቐ ኮቪድ፡ ኣብ እዋን ልደት ንዝግበር ምብጽጻሕ ስድራ-ቤትን ፈተውትን ስለዝዓንቀፎ ንተስፋ ልደት 2020 ኣጸልሚቱዎ ይርከብ።

ዋላ እውን እቲ ምትእኽኻብ እንተጎደለ፡ መንፈስ በዓል ልደት ከም ዝሓለፈ በዓላት ዒድ ብዘይ ሆይሆይታ ዓው ዓውን ክኽበር ይከኣል እዩ።

ሬድዮ - ሓደ ቢቢሲ፡ ኣብ እዋን ዕጽዋን ብሕትውናን ብኸመይ ሕጉስ በዓል ልደት ከተሕልፍ ከምእትኽእል ንሓደ ሓደ ሰባት ኣዘራሪባ ነይራ።

ኣብ ባህልታትካ ምጽናዕ

ሮማና ሻህ፡ ንዒድን ሮሞዳንን ምስ በዓለ ልደት ክርስትያን እያ ተዛምዶ። ምስ ማሕበረ ሰብካ ተኣኻኺብካ፡ ሞይቕካን ማሚቚካን ዓመታዊ በዓል ምጽንባል ዝዓበየ ትርጉም እያ ትህቦ።

እንተኾነ ለብዘበን ብሰንኪ እገዳ ምንቅስቓስን ምትእኽኻብን ኮቪድ፡ በዓለ ልደት ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይኮነን።

ሮማና ሻህ

ምንጪ ስእሊ, Romana Shah

እታ ጓል 28 ዓመት ተቐማጢት ሸፊልድ ንበዓለ ልደት ከምቲ ብትስፍው መንፈስ ዘሕለፈቶ ዒድን ሮሞዳንን ክበዓል ምኽራ ትልግስ።

“ዋላ እውን ኣብዚ ውጥር እዋን፡ ከም ዝኾነ ዓመታዊ ህዝባዊ በዓላት፡ ባህላዊ ልብሰይ ለቢሰ መንፈስ እቲ በዓል ተላቢሰ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ተሓጒሰን ተፈሲሀን እየ ዘሕልፎ’ሞ ከማይ የማስልኩም” ትብል ሮማና ሻህ።

መግቢ እውን ኣካል ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላትና ስለዝኾነ ለብዘበን እውን ንበዓላትና ዘማዕርግ ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ካሪን ቢርያኒን ኣይተፈልየናን ከኣ ትብል።

በታ ዝርካቡ ትሕዝቶን ኩነታትን ንበዓል ልደት ብሓጎስን ፍሸኽታን ምጽምባላ ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ።

ዘበን ዘምጽኦ ሓደጋን ዕድልን ዓለምና ከም ኣብዚ እዋን ገይራ ብፍኑው ለበዳ ኣይተጨናነቐትን።

ማዕሪኡ ከኣ ከም ሎሚ ገይራ፡ ነዚ ሓደገኛናን ናይ ሓባር ጸላእን ንምግጣም ዓቕማን ሓይላን ኣየወሃሃደትን።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ እዋን’ዚ እቶም ኣብ ምዕራብ ዓለም እንርከብ፡ ዳርጋ ብነጻ እንግልገለሉ ዝተፈላለየ ዓይነት መተገባበሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለዘሎ ምስ እንፈትዎም ስድራን መቕርብን ፈተውትን አዕሩኽን ገጽ ንገጽ እናተረኣኣኻ በዓልና ከነማዕርግ ጸገም የብልናን ይብል ሓጎስ ብርሃነ ካብ ፊኒሽ።

ስለዚ በቲ ግዜ ዘምጽኦ ሓደጋ ጥራሕ ከይተማረርና በቲ ግዜ ዝፈጠረልና ቴክኖሎጂን ዕድልን ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ብደሆታት ክንገጥሞ ይግባእ ይብል።

ኣማል ዓልን ሩት ዮውሃንስን ኣብ ዝኾነ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ተፈላልየን ዘይፈልጣ ዳርጋ ሓውሲ ማናቱ አሕዋት እየን።

ካብ መባእታ ክሳብ ማስተርስ ብሓደ ተማሂረን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓደ ገዛ ነቢረን ብሓባር ተመሪቐን ክሳብ ሕጂ ዕለታዊ እናተደዋወላ ጽኑዕ ሕውነተን ዝቕጽላ ዘለዋ አዕሩኽ እየን።

ካብ ምሒር ምቅርራብ ዝተላዕለ ንሃይማኖታዊ በዓላት ክልቲኡ እምነታት እፈልጠኦ እየን።

ኣብዚ ለንደን ብጽኑዕ ዕጽዋ (ታየር ፎር) እተሕልፎ ዘላ በዓለ ልደት ከኣ ዋላ እውን ብኣካል ብሓባር ክውዕላን ከብዕላን እንተዘይከኣላ ብፈይስ ታይም ግን ብሓደ የብዕለኦ ኣለዋ።

ሃና ረድሊ

ምንጪ ስእሊ, Hannah Radley

ሃና ኣይሁዳዊት እያ። ኣብዚ ዓመት እዚ ብዘይካ ሓዲሽ ዓመት ኣይሁድ ዮም-ቶራን፡ በዓል ፋሲካ፡ ደቂ እስራኤል ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብጺ ንዝወጽኡሉ ንሰሙን ምሉእ ዝበዓል በዓል ካልእ ኣየብዓለትን።

በዓላት ንሕብረተሰብ ዘራኽቡን ንመጻእቲ ወለዶ ዘላግብን እዩ ዝብል እምነት ዘለዋ ሃና፡ “ዋላ እውን ዕጽዋን ክልከላን ኮቪድ ንምትእኽኻብ እንተገትኦ ብዘለካ ምብዓሉን ምኽባሩን” ኣገዳሲ ባህላዊ ክብሪ’ዩ ትብል።

ኣብ በዓል ትንሳኤ ኢዮሩሳሌም ለብዘበን ከምቲ ባህሊ ዝእዝዞ ንመላእ ቤትና ሰላሊምናዮ ተፈሲህና ኢና አሕሊፍናዮ። ዋላ’ካ ኣዝማድናን ፈተውትናን ምሳና እንተዘየብዓሉዎ ብመንፈስ ግን ምሳና እዮም ነይሮም ትብል ሃና።

ሩት እውን ኣብዚ እዋን ልደት ብተመሳሳሊ መገዲ ንፈተውትናን ኣዝማድናን ብሓሳብን መንፈስን ኣብ በዓልና ክንጽንብሮም ተዘኻኽር።

ጸበባ ብጽንዓትን ተስፋን ይስገር እዩ እቲ ቀንዲ ነገር፡ ኣብዚ ናይ ዕጽዋ እዋን ብኹሉ እትኽእሎ ከመይ ጌርካ ፍሱህን ሕጉስን በዓል ተሕልፍ እዩ እቲ ኣገዳሲ።

ሮማና “ነገራት ብጸወታን ምዝንጋዕን ከተፋኹሶ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ጥራሕ እዩ ዘዋጽእ፞” ትብል።

እንታይ ዓይነት ናይ ምዝንጋዕ መደባት ትጥቀምን ትሓስብን ከኣ ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ሓሳባት ከመንጩ ዝኽእል ነገራት ስለዘሎ ኣብኡ ክንውከስ ከምእንኽእል ተዘኻኽር።

ኣብ ናይ ጭንቂ እዋን ሰሓቕን ጸወታን እንተዘይሓዊስካሉ ክኸብድ ይኽእል እዩ።

ጸቢቡ ዘይርሁ፡ ጸልሚቱ ዘይወግሕ ስለዘየሎ እዚ ናይ ኮቪድ እዋን እውን በዚ ድሮ ኣንፈት ሂቡ ዘሎ ክታበትን ኣብ መስርሕ ዘሎ ምርምር ዘሎ መድሃኒትን ጽባሕ ንግሆ ምዝላቑ ስለዘይተርፎ ክሳብ ሽዑ ብተሰፋ ኢደይ ኢድካ ኢልና ክንተሓጋገዝ ሩታን ኣማልን ይመኽራ።

ዕድመ ንቴክኖሎጂን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ርሑቕ ምስ ዘለው ፈተውትን አሕዋትን ብስእልን ድምጽን ክትራኸብ ስለዝለከኣል ክብደት ዕጽዋን ደረት ምንቅስቓስን ተጸሚምና ከነሕልፎን ክንከታተሎን ከምዝግባእ ሊቃውንቲ ቫይሮሎጂ ይሕብሩን ይመኽሩን።