በዓል ልደት ለብዘበን ከመይ ኮን ክኸውን እዩ?

በዓለ ልደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዓለ ልደት፡ ከም ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት በብዓውደ ኣዋርሑ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብድምቀት ይበዓል።

ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ 25 ታሕሳስ፡ ግእዛዊ ካላንደር ኣብ ዝጥቀማ ሃገራት ከኣ ብ 07 ጥሪ ይኽበር።

ካህናት ዋዜማ ቆይሞም ንክብሪ ልደት ብከበሮን ጸናጽልን ይሽብሽቡ። ምእመናን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ተጋቢኦም፡ “ተወልደ መድሃኔ ኣለም” እናበሉ ንልደተ ክርስቶስ ብምምጓስ ይዝምሩን ይውድሱን።

ነብሲ ወከፍ ስድራ ከኣ በብዓቕማን ክእለታን ብሕሩድን ሺሻይን መኣዲ ፍቕሪ ትቋደስ።

ኣብ በዓላት ልደት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተረሓሒቖም ዝጸንሑ ኣባላት ስድራ፡ ፈላልዩዎም ካብ ዝጸንሐ ስራሕን ትምህርትን፡ መገሻን ውልቃዊ ዋኒንን ስድራን ቤተሰብን ብምቕዳም ከካብ ዝነብሩሉን ዝዓዩሉን ናብ ቤቶም ቤት ስድራን ዓድን ይገሹ።

በዓል ልደት አዕሩኽን መቕርብን ዝራኸቡሉን ዝተሓቛቖፉሉን እዋን ስለዝኾነ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝኾነ መገዲ ዝተጸገመ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ናብ ስድርኡን መቕርቡን እዩ ዝገይሽ። ለብዘበን ግን ኮቪድ ዝበሃል ሕማም መጺኡ ንመንፍስ በዓለ ልደት ይፈታትኖ ኣሎ።

“ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ መገሻን ምትእኽኻብን ስለዝተኸልከለ ኣኣብ ዘለናዮ ብፍቕርን ተስፋን ከነሕልፎ ኢና” ትብል ገነት ኣቤል ካብ ዓባይ ብሪጣንያ።

በዓለ ልደት ኣብ ሃገራት ምዕራብኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝነብሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ንእምነትን ባህልን እቲ ዝነብርሉ ሃገራት ብምኽታል በዓለ ልደት የብዕሉ።

እቶም ብኣካልን ኣብ ሓደ ቤትን ክራኸቡ ዘይክእሉ ኣባላት ስድራ፡ አዕሩኽን ፈተውትን ብካርድን ብቴሌፎንን ደሃይ ሕድሕድ ይፋለጡን ህያብ ይለኣኣኹን።

ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ተረሓሒቖም ዝጸንሑ፡ አሕዋትን አዕሩኽን ንበዓለ ልደት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዕርቅን መሐደሲ ርክብን ተጠቒሞም ፍቕሮምን ርክቦምን የመሓይሹ።

ኣብ ድራር ልደት፡ ኣብ መኣዲ ከቢቦም ክሳብ እታ ዕለት ብጥዕና ንዘጽንሖም ፈጣሪኦም እናመስገኑ፡ ደሃይ ሕድሕድ ይለዋወጡ።

ንዓመታ እቲ እዋን ብደሓነ ሰላም ንከጽንሖም ብምትስፋው ከኣ ንዝመጽእ ዓመት ውጥን ልደትን መደባት ህይወትን ይሰርዑ።

ለብዘበን ግን ብሰንኪ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ ምንቅስቓስ ሰባትን ምትእኽኻብን ስለዝተኣገደ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ቤት በዓለ ልደት ከም ቀደሙ ኣይክኽውንን እዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ግዜን መጻእን ክመጽእ ይምነዩ።

ኣስመረት ሞጎስ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ “ ነዚ ሕማም ዘምጽአ ፈጣሪ ባዕሉ ብምሕረቱ ይተዓረቐና!” ብምባል፡ እዚ ንዓለምና ኣጨኒቑዋ ዘሎ ሕማም በዚ ተስፋ ሂቡ ዘሎ ክታበት ተገቲኡ ህይወት ናብቲ ቅድሚ ኮቪድ ዝነበሮ ንቡር እዋን ክምለስን ደቂ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን እገዳ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱን ክመላለሱን ብምምናይ “ንዘጋጠመና ብደሆ ብተስፋን ፍሽኽታን ክንገጥሞ ኣሎና” ትብል።

በዓለ ልደት

ምንጪ ስእሊ, GREAT GROTTOS

ገጽና ብፍሽኽታን ተስፋን ክዅላዕ ኣለዎ

ሰላም ብርሃነ እውን “ጸገምን ሽግርን መናብርቲ ደቂ ሰባት ስለዝኾኑ ኣብዚ ንንቡር ህይወትና ዘራሪጉዎ ዘሎ ናይ ኮቪድ እዋን እውን ንበዓለ ልደት በብቲ እንኽእሎን ዕድላት ዘፍቅደልናን ብኽብሪ ከነሕልፎ ኣሎና - ብጸገም ክንስነፍ የብልናን” ትብል።

እዚ ርእይቶ ግን ናይ ሰላም ጥራሕ ኣይኮነን ገነትን ኣስመረትን እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ እዩ ዘለወን። ግን ከኣ ናትና ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ማሕበረ ሰብ ዓለም ርእይቶን ሓሳብን ክኸውን ይኽእል እዩ ይብላ።

ሕብረተሰብ ዓለም፡ ከም ኣብ ሕማም ኮቪድ ገይሩ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ኣየርኣየን ይብል መጎስ።

ከም ኣብዚ እዋን እዚ ገይሩ “ኣጆኹም ኣጆኹም ኣይተበሃሃለን”። ምኽንያቱ ኮቪድ ዶብን ዓሌትን ዘይፈሊ፡ ንኹሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም አሕቢሩ ዘጥቅዕ ሓደገኛ ቫይረስ ብምዃኑ፡ ሓባራዊ ዕዮን ፍልጠትን ዜጋታት ዓለም ኣገዳሲ እዩ - ይረአ ከኣ እነሀ ብምባል ሓሳቡ ይድርዕ።

ስለዝኾነ ከኣ ሕብረተሰብ ዓለም ብጸገም ከይደነነ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ነዚ ሓደገኛ ለበዳ ክገጥሞን ክምክቶን ከምዘለዎ ሕጂ ኣብዚ ምትእኽኻብ ዘየፍቅድ በዓለ ልደት እንተኾነ እውን ብሞራል ክቕጽል ኣለዎ ይብል።

በዓለ ልደት ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ድሙቕ እዩ። ለብዘበን ግን ለበዳ ኮቪድ ብዝሰዓቦ ተዓጾ - ተዓጾን ተነጸልን ግለልን፡ ነቲ ድሙቕ በዓል መቐረት ነፊጉዎ ኣሎ።

እንተኾነ ኣብዚ ውጡር እዋን እውን ይኹን ተስፋን ብርሃንን ሃሰስ ምባል ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ድሮ እውን ክታበት ተረኺቡስ ጀማሚሩ ስለዘሎ ንበዓል ለብዘበን ብተስፋ ክንጽንብላ ይግባእ ክትብል ገነት ኣቤል ርእይቶኣ ኣቕሪባ።

ኣስመረት መጎስ እውን “ ወጥሪ ኮቪድ ብዘየገድስ በዓለ ልደት ብተስፋ ክበዓል ኣለዎ” ትብል።ስልማት በዓል ልደትኣብ ቅንያት ልደት ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ኣባይቲ ኤውሮጳ፡ ይዓብን ይንእስን እምበር ብዝተፈላለየ ሕብራዊ መብራህቲ ዘጌጸን ብዝተፈላለየ ስልማት ዝወቀበን ጽሕዲ ልደት ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ብዙሕ ኣይኹን እምበር ብፍላይ ኣብ ከተማታትስ ተመሳሳሊ ምልክት ካብ ዝተኣታቶ ሓያሎ ኮይኑ ኣሎ።

ለበዳ ኮቪድ ነቲ ዝጸንሐ ልምዲ በዓለ ልደት እኳ እንተዓናቐፎ፡ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ቦታታት ምዕራብ ብስልማት ዝወቀበ ጽሕዲ ልደት ዘይብሉ ህዝባዊ ማእከላት የሎን።

ዳርጋ ነብሲ ወከፍ ቤት ፍሉይ ዝኽሪ በዓላት ልደት ኣለዋ።

በዓለ ልደት

ምንጪ ስእሊ, GREAT GROTTOS

እቲ ቕነ ብመግብን መስተን፡ ዕላልን ጸወታን እዩ ዝምቅር። ብፍላይ ኣብ በዓላት ልደት፡ ብስራሕን ትምህርትን፡ ብመገሻን ውልቃዊ ዋኒንን ንነዊሕ እዋን ተረሓሒቖም ዝጸንሑ ኣባላት ስድራ አዕሩኽን መቕርብን ዝራኸቡሉን ዝተሓቛቖፉሉን እዋን እዩ።

ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክታበት ኮቪድ ተረኺቡን ተፈቲኑን እናተባህለ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ስለዝተረኸበ፡ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ክድረት፡ ኣብ በዓል ልደት ዝግበር ልሙድ ምትእኽኻብ ስድራ ደው ክብል ዝገትእ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ።

እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ጥዕናን ድሕነትን ስለዝኾነ ንበዓለ ልደት ምእንቲ ድሕነትን ጥዕናን ክንብሎ ዝምልከቶም ሊቃውንቲ ጥዕና ዝህቡና ምኽርን ሓበሬታን ክንትግብር ኣገዳሲ እዩ ትብል ገነት ኣቤል፡ “ ልዕሊ ኩሉ ጥዕና እዩ!” ብማለት።

መልእኽቲ በዓለ ልደትከም ልሙድ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ በዓለ ልደት ዘመሓላልፉዎ ሃይማኖታዊ መልእኽቲ ኣሎ።

እቲ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዝስበኽ መንፈሳዊ መልእኽቲ “ተፋቐሩን ተኸባበሩን” ዝብል ምዃኑ ዝገልጽ መጎስ፡ ዓበይቲ ኣቦታትን ኣጋዕዝ ኣዴታትን፡ ስሙያት ስነ-ጥበበኛታትን ሓላፍነታውያን ምሁራትን፡ ኮታ ኩሉ ሕልናዊ ሓላፍነት ዝስከም ዘበለ፡ “ነዚ ሕማቕ እዋን ተሓባቢርና ንስገሮ፡ ንሓድሕድና ንደጋገፍ፡ ዘይስገር ጸገምን ብደሆን የሎን” ከምዝብሉ ብምዝኽኻር፡ “ ከምቲ እንምከሮ ክንገብር ንፈትን” ብማለት ነቲ መልእኽቲ የራጉዶ።

ኩሎም እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚ ርእይተኦም ዘካፈሉ ከኣ “ልደት 2020፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን፡ ዓመተ ድሕነትን ሕውየትን፡ ዓመተ ፍቕርን ሕውነትን” ክገብረልና፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩናትን ቅልውላውን ክሃድእ፡ ብኵናትን ተሰዲዱን ተመዛቢሉን ዘሎ ህዝቢ ናብ ቤቱን መረበቱን ክምለስ፡ ተቛሪጹ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሓይሊ መብራህትን ስልክን፡ ኣገልግሎት ሕክምናን ባንክን ብዝቐልጠፈ ክጅመርን ንፋስ ዕርቅን ሰላምን ክነፍስ” ዘለዎም ትምኒትን ሃንቀውታን ገሊጾም።

ንዓመታ እዚ እዋን ዝሓሸ ሰላምን ርግኣትን ክህሉ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮቶም ኣመሓላሊፎም።