ኣክባብራ በዓለ-ትንሳኤ ኣብ ሃገረ ስደት

ምንጪ ስእሊ, Nyata Eyeab
ብእምነት ክርስትና ፋሲካ ማለት ካብ እብራይስጥ ዝመጸ ቃል ኮይኑ፣ ተፈሰከ፣ ተሳዕረ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ህዝበ-ክርስትያን 55/40 መዓልታት ጸይሞም ድሕሪ ምጽናሕ፡ 'ኮነ ፍስሃ ወ-ሰላም" ብምባል ትንሳኤ ክርሰቶስ ዝጽንብሉሉን፣ ኩሉ ዓይነታት ጥሉል ምግብታት ዝምገቡሉን ዝሕጎሱሉን በዓል እዩ።
ጾመ-ኣርባዓ እንታይ እዩ? ኣብ ስደት ኸ እንታይ ፍሉይ ይገብሮ?
ናብ ኣብያተ-ክርስትያናት ናይሮቢ ተዛዋዊርና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣-
ኣምላኽ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ንምድምሳስ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት፡ ንሓደ ወዱ ካብ ድንግል ማርያም ከምዝውለድ ጌሩ። እዚ ካብ ዝኸውን ድማ 5 ሽሕን 500ን ዓመት ኮይኑ።
ክርስቶስ፣ 29 ታሕሳስ (ኣብዚ ሕጂ ልደት ተባሂሉ ዝበዓል መዓልቲ) ኣብ ቤተሊሄም ተወሊዱ፣ ኣብ ናዝሬት ዓብዩ። ናብ ኩሉ እናዘረ ድማ ጽቡቐ ተግባራት ንደቂ ሰባት ምሂሩን ረዲኡን።
እዚ ድማ ፍቐሪ፣ ምትሕልላይን ኣብ ክንዲ ካልኦት ምሕላፍን ክምህር ክብጆ ስለዝነበሮ፡ ን40 መዓልታት ጸይሙ።
ቅድሚ ስቕለቱ ኣብ ዝነበረት ሰንበት ድማ ኣህዛብ ኣብ ቤተሊሄም ብቖጽሊ ስየ ስለዝተቐበልዎ እዛ ሎሚ እነኽብራ ዘሎና ሆሳእና ተምሳሌታ እያ። ተምሳሌት ምክብባርን ሓልዮትን።

ምንጪ ስእሊ, Nyata Eyeab
ድሕሪኡ ሓሙስ መዓልቲ፣ ንደቂ መዛሙርቱ የእጋሮም ብምሕጻብ ድራር ኣዳልዩ ሕብስት ወይንን ባሪኹ ምስኦም ብምብላዕ፡ ፍቕሪ ሕድሕድን ምትሕግጋዝን ኣርእይዎም።
ሎሚ መዓልቲ ዓርቢ፡ እታ በጃ ዝሓለፈላ ዕለት ስለዝኾነት ስቕለት ተባሂላ። ንቶም ግቡዛትን ስሱዓትን ለውሃትን ተወፋይነትን ምሂሩላ።

ምንጪ ስእሊ, Nyata Eyeab
ሰንበት ብትንሳኤኡ፣ ንዝትዓገሰ ድሕሪ መሪር ስቓይ ተስፋን ዓወትን ከምዝሎ ክብሉ ሰበኽቲ-ኣብያተ-ክርስትያናት ኣስፊሖም ይገልጽዎ።
እዚ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ክቡር ታሪኽን ባህልን፣ ባህሊ ምክብባርን ፍቕርን፣ ምትሕልላይን ምትሕልላፍን ምብኣር ካብ እዚ እዩ ዝብገስ።
ብፍላይ ድማ ኣብ ምድረ-ስደት፣ እቲ ዝዓብየ ጸገም ካብ ቤተሰብን መቕርብን ምርሓቕ፣ ኣላይን ጠዋርን ዘይምህላው፣ ዘድልይካ ነገራት ዘይምርካብን ዝፈጥሮ ጭንቀት፡ ሻቕሎትን ሕማማትን ሓቢርካ ንምፍታሕን ንምትሕቑቃፍን እዩ እቲ ዕላማ ናይ ኣብያተ-ክርስትያናት።
ብዘይካ እዚ ንመንእሰያትና፡ ብምእላይን ምቕናዕን፣ ዝነጥፉ ክፋል ሕብረተ-ክርስትና ብወገኖም፡ ብሰንኪ ስእነት ናብ ዘይተድልየ መንገዲ ጥፍኣት ንከይጓዓዙ ዝተፈላለየ ምኽርን ሓበሬታን ይልግሳ።

ምንጪ ስእሊ, Nyata Eyeab
ከምኡ እውን ብሕማምን ካልእ ንያታዊ ነገራት ይሕግዛን ጽላል ይኾኖኦምን። ነገራት ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ምስዝኾኑ ድማ ናብ ዝምልከቶ ብምልኣኸ ይትሓባበራን ይሕግዛን።
ካብ ዘዘራረበናዮም ስደተኛታት መንእሰያት ሓደ " ናብ'ዚ ዓዲ ምስመጻእኩ፤ ዝፈልጦ ሰብ ሰለዘይነበረኒ ብጣዕሚ'የ ዝጭነቕ ኔረ፤ ድሓር ግን ብጎፍታ ምስዝተራኸበና ሓደ ሓወይ፡ ናብ'ዚ ቦታ ምስ ኣምጽኣኒ ብዙሓት ሰባት ክራኸብን ሓገዛት ክረክብን ክኢለ። እቲ ንነዊ እዋናት ዘሕመኒ ዝነበረ ሕማም ርእሰይ'ኳ በሪሩ ጽቡቕ ኣለኹ። "ኢሉና።
እምብኣር እዘን ኣብያተ-ክርስትያናት፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝህብኦ ሃይማኖትዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ይኣኻኽባ፣ የተሓቓቑፋ፣ ይምዕዳን ይመኽራን።
ንኹሎም ሓግዝ ዝደልዩ ድማ ማዕጾእን ክፉት ስለዝኾነ ሕትቱ። "ሰናይን ሰላምን ንኹልና"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







