ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ምስ ሰብ መዚ ብሪጣንያ ይዘራረብ ኣሎ

ውድብ ጥዕና ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪርጣንያ ተራእዩ ዝተባህለ ፍሉይ ዓይነት ኮቪድ 19 ኣመልኪቱ ምስ ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ ብቕርበት ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተራእዩ ዝተባህለ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ብቕልጡፍ ዝላባዕ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዓይነት ኮቪድ 19 ብምውድዳር ግን ቀታሊ ኣይኮነን ተባሂሉ ኣሎ።

ሎንደን እትርከቦ ዝበዝሐ ክፋል ደቡባዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ እንከሎ፡ ነዚ ብቕቅልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ንምግታእ ዝተረረ ዕጽዋ ክእወጅ ምኻኑ እዩ ዝንገር።

ሆላንድ ብወገና፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተራእዩ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር በረራታት ካብ ትማሊ ሰንበት ደው ኣቢላቶ ኣላ።

እቲ ሆላንድ ደው ኣቢላቶ ዘላ በረራ ካብ ትማሊ ሰንበት ተግባራዊ ኮይኑ ብውሕዱ ክሳብ 1 ጥሪ 2021 ከምዝቕጽል እውን መንግስቲ ሆላንድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ሆላንድ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ሓደ ካብቶም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዝመጽአ ዜጋኣ ካብቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝተራእየ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ተመሳሳሊ ዓይነት ኮቪድ 19 ስለዝተረኸቦ'ዩ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ንኸየስፋሕፍሕ ብሓባር ኮይነን ክሰርሓ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 እንታይ ዝተፈልለጠ ነገር ኣሎ?

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ትዊተሩ፡ ምስ ሰብ መዚ ብሪጣንያ ሓበሬታታት ይለዋወጥ ምህላዉ ብምግላጽ "ብዛዕባ ባህሪ እቲ ቫይረስ እኹል ሓበሬታ ምስ ሰነቕና ንኣባላት ሃገራት ከነፍልጥ ኢና" ክብል ብትዊተር ሓቢሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ምስቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዓይነት ኮቪድ 19 ብምንጽጻር 70 ሚእታዊት ቅልጣፈ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።

እንተኾነ፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ 19 ዝወሓደ መጠን ሞት ዘኸትል ምዃኳኑ እዩ ዝሕበር ዘሎ።

ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳኸ ከመይ ኣለዋ?

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዓባይ ብሪርጣንያ ንመዓልቲ ልደት ተባሂሉ ክፎኩስ ተሓሲቡ ዝነበረ ዕጽዋ፡ ኣትሪራቶ ኣላ።

ኣብ ኢንግላንድ፡ ስኮትላንድን ዌልሽስን ንመዓልቲ ልደት ተባሂሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ምፍኳስ እገዳታት ተሰሪዙ ኣሎ።

ጣልያን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምሉእ ዕጽዋ ኣዊጃ ኣላ።፡ ኣብ እዋን በብዓላት ምትእኽኻብ ስለዝህሉ እቲ ቫይረስ ብሰፊሑ ክላባዕ ስለዝኽእል፡ ኢጣልያናውያን ንልደትን ሓዲሽ ዓመትን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኮይኖም እዮም ከሕልፍዎ።

ሆላንድን ጀርመንን፡ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ዝጸንሕ ዕጽዋ ኣዊጀን ኣለዋ።፡ ጀርመን፡ ኣብ እዋን ልደት ፈረንጂ ኣብ ሓደ ገዛ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰባት ከይተኣኻኸቡ ዝድንግግ ሕጊ ኣውጺኣ ኣላ።

ኦስትርያ፡ ድሕሪ ልደት ፈረንጂ ካብ 26 ታሕሳስ ዝጅምር ዕጽዋ ኣዊጃ ኣላ።

ካብ ገዛ ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓስ እውን ኣይክህልዉ እዩ።

ስዊድን፡ ኣብ ህዝባውያን መጓዓዝያታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ዘገድድ ተሪር ሕጊ ኣጽዲቓ ኣላ።

ፈረንሳ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማንኤል ማክሮን: ኣብዚ እዋን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ዋላ እኳ እቲ ምልክታት እንተሃለዎ ጥዕንኡ ግን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ሓካይሙ ግን ናብ ስራሕ ክምለስ ኣይፈቐድሉን ዘለዉ።