ክታበት ከሮናቫይረስ ኣይንረክብ ኢለን ዝጭነቓ ዘለዋ ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ስእሊ ክታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዶም ታሕጓሶም ንመላእ ዓለም ዝገልጹ ዘለው ሰባት ብብዝሒ ይዝርጋሕ ኣሎ።
እዚ ንኸም ዙምባቡዌ፣ ሜክሲኮን ፓኪስታንን ዝበላ ሃገራት ግን ተስፋን ሓጎስን ዘይኮነ ሻቕሎት'ዩ ሒዙለን መጺኡ።
ሎይስ ቺንጋንዱ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰባት ክታበት ኮሮናቫይረስ እናወሰዱ ክትርኢ እንከላ ካብ ሞንጎ ዝተጨነቑ'ያ።
ኣነ ተኸቲበ ህይወተይ ናብ ንቡር ንክምለስ ክርኢ ድየ? ትብል። እንተኾነ፡ ተስፋ ከም ዘይብላ'ያ እትዛረብ።
ሃገራ ዙምባብዌ፡ እዚ ክታበት መዓስ ከም እትረኽቦ ንጹር ኣይኮነን።
"ሕጂ ክታበት ኣብ ዘመነ-ህይወተይ ይመጽእ ይኸውን ብዝብል ተስፋ ከፍ ኢልና እንጽበዮ ነገር'ዩ። ኮቪድ ሒዙኒ ክመውት'ዶ ይኸውን ብዝብል ስግኣት ተወጢረ'የ ዝነብር" ኢላ።
እዚ ዝተጋነነ ክመስለኩም ይኽእል፤ ግንከ ንሳ ብተመሳሳሊ ነገር ሰባት ክሞቱ ርእያ'ያ።
ወይዘሮ ቺንጋንዱ፡ ኣብ ማእከል ምቁጽጻር ሕማም ኤችኣይቪ እትሰርሕ ነባሪት ከተማ ሃራሬ'ያ።
ኣብዛ ከተማ፡ ሰባት መዓልታዊ ብምኽንያት ኤችኣይቪ እናሞቱ ርእያ።
ዋላ'ውን ነዚ ሕማም ዝከላኸል መድሃኒት እንተሎ፡ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም እንዘይኮይኑ ብዙሓት ስኡናት ሞይቶም እዮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ጥምረት ክታበት ሰባት ዝብል ጎስጓስ ኮይና፡ ከም ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካናዳን ዝበላ ሃብታማት ሃገራት መድሃኒት ከይዓቑራ ትጉስጉስ።
ሰብ ሞያ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ከም ዝሓበርዎ፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ኩባኒያታት ክታበትን መንግስታትን ዘሎ ስምምዕ፡ ሃብታማት ሃገራት ድሮ ንህዝበን ዘድልየን ጠለብ ክታበት ኣማሊአን እየን።
ንኣብነት ካናዳ፡ ንመላእ ህዝባ ሓሙሽተ ግዜ ክትኸትብ ዘኽእላ እኹል ክታበት ምርካብ ኣብ ዘኽእላ ደረጃ ትርከብ።
እዘን ሃገራት፡ እዞም ክታበታት ሙሉእ ንሙሉእ ውሑሳትን ውጽኢታውያንን ምዃኖም ከይተረጋገጸ እንከሎ'የን ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተክበ ክታበት ብብዝሒ ዝወስዳ ዘለዋ።
ወይዘሮ ቺንጋንዱን ካልኦት ጎስጎስቲ ክታበትን፡ እዚ መስርሕ ንህዝቦም ፍትሓዊ ከም ዘይኮነ ይኣምኑ።
ትርፊ ክታበት ዝሕዛ ዘለዋ ሃገራት ነተን ዘይብለን ከካፍላ ኣለወን ከኣ ይብሉ።
ክሳብ ሕጂ፡ 189 ሃገራት ብትካል ጥዕና ዓለምን ዓለማዊ ጉጅለታት ጎስጓስ ክታበትን ዝድገፍ ተበግሶ 'ኮቫኤክስ' ፈሪመን ኣለዋ።
ዕላማ እዚ ተበግሶ፡ ሃገራት ብሓባር ብምዃን ምስ ኩባኒያታት መድሃኒት ድርድር ንክገብራ ዓቕሚ ምፍጣር እዩ።
ካብዚአን እተን 92 ሃገራት ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ኮይነን፡ ንክታበት ዝኸውን ወጻኢታተን ብሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ወይ ሃገራት ዝኽፈለለን እየን።
ነዚ ብሪጣንያ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣወፊያ ኣላ። ኣመሪካን ሩሲያን ካብተን ዘየወፍያ ውሑዳት ሃገራት ይጥቀሳ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኮቫኤክሰ ሰለስተ ክታበታት ኮቪድ-19 ንምርካብ ዘኽእል ስምምዕ ገይሩ ኣሎ።
እንተኾነ፡ እዚ ስምምዕ ን20 ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ ሓንቲ ሃገራት ጥራሕ ዝኸውን ክታበት ምርካብ ዘኽእል እዩ።
ሜክሲኮ ሓንቲ ካብተን ነዚ ተበግሶ ዝድግፋ ኮይና፡ በዚ መገዲ ክታበት ካብ ሞንጎ ዝረኽባ'ውን እያ።
ግንከ ነዛ ሃገር ዝኸውን ክታበት ኣብ ምርካብ ድርድር እትገብር ዘላ ማርታ ዴልጋዶ 20 ሚእታዊት ክታበት ነቲ ኣብ ሃገራ ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝህልዎ ተራ እኹል ከም ዘይኮነ ትርዳእ።
ብኻልእ መገዲ ተወሳኺ ክታበት ንምርካብ ጻዕሪ ትገብር ዘላ ኮይና፡ ክታበት ኣብ ምውሓስ ዘጋጥም ምድንጓያት፡ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ዓቢ ተራ ኣለዎ።
ብዓርቢ፡ ትካል ምቁጽጻር መድሃኒት ሜክሲኮ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከጽድቕ እንከሎ፡ ኣብዚ ወርሒ ክዝርጋሕ ምዃኑ ሓቢሩ።
"እንተውሓደ ንሕና ክታበት ንምዕዳግ ገንዘብ ኣለና። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ግን ካልኦት ክታበት ክገዝኣ እኹል ገንዘብ ዘይብለን ሃገራት ኣለዋ'የን" ትብል ማርታ።
ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ኩባኒያ መድሃኒት ኣስትራዜኔካን ዘማዕበሉዎ ክታበት፡ ኣብ ምምዕባል ካብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝጠልብዎ ክታበት መኽሰብ ንምርካብ ከም ዘይሰርሑ ይገልጹ።
እዚ ንጎስጓስ 'ኮቫክኤክስ' ተስፋ ዝህብ'ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ዝሃቦ ኣካል ወይ ሃገር የለን።
ብቐንዱ'ውን ሓደ ኩባኒያ ክታበት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ን7.8 ቢልዮን ህዝቢ ዝኸውን ክታበት ከፍሪ ኣይክእልን።
ፓኪስታን'ውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ክታበት ክትዘራረብ ጸኒሓ።
"ምስ ሃብታማት ሃገራት ኢና ንዳፋእ ዘለና። ኹሉ ዝተወሰነ ቕጫ ክረክብ'ዩ ዝጓየ ዘሎ። እቲ ሕሩጭ ተዳልዩ ኣሎ፤ ኩሉ ኸኣ ሓንቲ ቑራስ ይደሊ። ኣብዚ ርኡይ ምድፍፋእ ክህሉ'ዩ" ይብል ፍሉይ ተሓጋጋዚ ጥዕና ቐዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ፋሲል ሱልጣን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርርባት ይቕጽሉ ዘለው ኮይኖም፡ መድሃኒት ጌና ኣይተረኽበን ዘሎ።
ፓኪስታን ከኣ፡ እቲ ክታበት ውጽኢታዊ ምዃኑ ከይተረጋገጸ እንከሎ መድሃኒት ንምዕዳግ ዘኽእል ዓቕሚ የብላን።
"ገንዘብ ዘለወን ሃገራት ጥራይ'የን ነዚ ክገብራ ዝኽእላ። ንሕና እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ጥራይ ኢና ክንዕድግ እንኽእል" ይብል ፋሲል።
ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲታት ፓኪስታን ብቻይናዊ ኩባኒያ ካንሲኖባዮ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ክሊኒካዊ ፈተነ ክታበት ተሳቲፈን'የን።
ይኹን'ምበር እዚ'ውን ክታበት ንምርካብ ዘኽእል ውዱእ መገዲ ኣይኮነን። ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዝብሃል ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣሎ።
"ሃገራት ኩባኒያታት'ውን ክህልውወን ይኽእሉ'ዮም። ነዘን ሃገራት ክተዛርበን ከለኻ ድማ፡ ፖለቲካን ክልትኣዊ ዝምድናን ዝብሉ ነገራት ናይ ባዕሎም ተራ ኣለዎም" ይብል እቲ ኣማኻሪ።
ወይዘሮ ቺንጋንዱ ሕጂ'ውን ዘለዋ ስግኣት ግን፡ ናይ ብሓቂ እዚ ክታበት ንድኻታት ሃገራት ክበጽሕ ድዩ ዝብል'ዩ።
"ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰባት ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ እንከለው፡ ኣባና ግን ብቐጻሊ ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ'ዮም" ብምባል ስግኣታ ትገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







