ኣመሪካ፡ ሞዴርና ዝተባህለ ካልኣይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣጽዲቓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሞዴርና ዝፈረየ ከም ካልኣይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኮይኑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዘጽደቖ ኣፍሊጡ።
እዚ ብኣመሪካዊ ኩባኒያ ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ብምምሕዳር መግብን መድሃኒትን እታ ሃገር ንምክልኻል ክውዕል ከጽድቕ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሮ ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ክታበት ፒፋይዘር/ባዮንቴክ ኣጽዲቑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣመሪካ፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ሞዴርና ክትዕድግ ተሰማሚዓ ከም ዘላን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ሽዱሽተ ሚልዮን ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ድልው ከምዘሎን ተፈሊጡ።
እታ ሃገር ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ዘለዋ ኮይና፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 313 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ ካልኦት ኣስታት 17.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
ኮሚሽነር ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ስቴፋን ሃን፡ ክታበት ሞዴርና ትማሊ ከም ዝጸደቐ ብምሕባር፡ "መዓልታዊ ኣብ ኣመሪካ ቑጽሪ ሕሙማትን ሞትን ክውስኽ ዝገብር ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ምቅላስ ወሳኒ ስጉሚ'ዩ" ኢሉ።
ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ክታበት ሞዴርና 94 ሚእታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነ ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ክታበት ኣብ ረብሓ ክውዕል ከም ዝጸደቐ ዝሕብር ወግዓዊ መግለጺ ከይተዋህበ እንከሎ፡ "እንቋዕ ደስ በለኩም፤ ሕጂ ክታበት ሞዴርና መጺኡ ኣሎ። ብቐጥታ ክጅምር'ዩ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ሰኑይ ነዚ ክታበት ክወስድ ተዳልዩ ዘሎ ተመራጺ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ፡ ክታበታት ሞዴርናን ፒፋይዘርን ፍቓድ ክረኽቡ ምኽኣሎም "ኣብ ቅድመና ብሩህ መዓልታት ከም ዘለው ዘረጋግጽ'ዩ። ይኹን'ምበር ዝርግሐ እቲ ለበዳ ንምቁጽጻር እንገብሮ ቓልሲ ኣየብቅዐን" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ "ንቕድሜና፡ ፍርያት ምዕባይን ናብ ኩሉ ምብጻሕን ከምኡ'ውን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመሪካውያን ምኽታብ ዝብሉ ሓዊሱ ብዙሓት ማሕለኻታት ኣለው'ዮም። ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኹሉ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ምህላው ከነረጋግጽ ይግባእ" ኢሉ።
ክታበት ሞዴርና ኣብ ዝጉዓዓዘሉ ኣብ 20 ዲግሪ ሴልሽየስ መዝሓሊ ክቕመጥ ኣለዎ።
ፒፋይዘርን ኩባኒያ ጀርመን ባዮንቴክን ዝመሃዙዎ ክታበት ድማ 75 ዲግሪ ሴልሽየስ የድልዮ።
ሞዴርና፡ ኣብ ኬምብሪጅ፣ ማስቻሴትስ ዝርከብ ኮይኑ "መብዛሕትኡ" እቲ ክታበት ኣብዚ ቦታ ክፈሪ'ዩ።
ፒፋይዘር/ባዮንቴክ ከኣ ኣብ ጀርመንን ቤልጅምን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝፈሪ'ዩ።
ኣመሪካ፡ ክሳብ ወርሒ ሚያዚያ 2021 ሓደ ሚልዮን ሰባት ክትኸትብ መደብ ኣለዋ።
ሓላፊ ሃገራዊ ማእኸል ተላገብትን ሕማማት ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ዝግመት ህዝቢ ኣመሪካ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቅሚ ንከማዕብል ግድን ክኽተብ ኣለዎ ይብል።
ክታበት ሞዴርና ክጥቀማ ዝሓተታ
ካናዳ፡ ብጠቕላላ 56 ሚልዮን ክታበት ዝኣዘዘት ኮይና፡ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ክልተ ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክትርከብ'ያ
ብሪጣንያ፡ ኣቐዲማ ሸውዓተ ሚልዮን ኣዚዛ
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝሓለፈ ወርሒ 80 ሚልዮን ክታበት ንምውሳድ ከም ዝተሰማምዐ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ክታበት ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ምስኣረጋገጸ ተወሳኺ 80 ሚልዮን ከም ዝወስድ ገሊጹ
ጃፓን፡ 50 ሚልዮን፣ ደቡብ ኮርያ 20 ሚልዮን፣ ስዊዘርላንድ 7.5 ሚልዮን ከም ዝኣዘዛ ማእኸል ምህዞ ዓለማዊ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ዱክ ዝኣከቦ ሓበሬታ የረደእ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







