'ፋይዘር' ዘማዕበሎ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ኩለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክጥቀማሉ ጸዲቑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣጄንሲ ምቁጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ብፋይዘር ባዮኤንቴክ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ 27 ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ መዓላ ክውዕል ፍቓድ ሂቡ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝውሃብ ዘሎ ክታበት፡ ን446 ሚልዮን ህዝቢ እዘን 27 ሃገራት ክውዕል ምሉእ ፍቓድ ሂብዎ ኣሎ።
ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን ነዚ ብኤጀንሲ ምቁጽጻር እቲ ሕብረት ምሉእ ፍቓድ ዝተውሃቦ መድሃኒት ወግዓዊ ፍቓድ ሂብዎ ኣሎ።
እቲ ክታበት ካብ ሰንበት ጀሚሩ፡ ናብ ኩለን ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምክፍፋል ክጅምር ከምዝኽእል'ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ 27 ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሳብ ሎሚ 311,000 ሰባት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰባት ንበዓል ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ክተኣኻኸቡ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ኣትዩ መጠን መልከፍቲ ክውስኽ ከምዝኽል ኸኣ ግምታት ኣሎ።
ከም ብዓል ሃገረ ጀርመንን ሆላንድን ኣብ እዋን ልደትን ሓዲሽ ዓመትን ከጋጥም ካብ ዝኽእል ወሰኽ መጠን መልከፍቲ ብምስጋእ ብኣግኡ ምሉእን ተሪርን ዕጽዋ ኣዊጀን ኣለዋ።
እቲ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ተራእዩ ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮቪድ-19 ኸኣ፡ እቲ ካልእ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ክስተት እዩ።
ትካል ምቁጽጻርመድሃኒትኣውሮጳዊሕብረትነቲክታበትእንታይዓይነትግምት'ዩሂብዎዘሎ?
እቲ ትካል፡ ብፋይዘር ባዩኤንቴክ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ 95 ምኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ካብ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ንዘለዉ ሰባት ክውሃብ ውሑስ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ ዘሎ።
ላዕለዋይ ዳይረክተር ኤጀንሲ ምቁጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኢመር ኩክ፡ እቲ ክታበት ኣብ መላእ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መዓላ ክውዕል ኣፍልጦ ከምዝተወሃቦ ንኸበስር ኣብ ዝተቐረበሉ "ኣብቲ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ሓደ ኣወንታዊ ዜና እዩ" ኢሉ።
ኢመር ኩክ ብምስዓብ "ሕጂ ንኹሎም ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ ክታበት፡ ብድሕነቱን ብቕዓቱን ኣተኣማማኒ ዝኾነ፡ ኩሉ መስፈሪታት ዘማልአ ክታበት ምዃኑ ክሕብር እፈቱ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮነ ለይን በትዊትር ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓበሬታ፡ እቲ ክታበት ብወግዒ ኣፍልጦ ከምዝውሃቦ ሓቢራ።
ሃገረ ጀርመን ብወገና ኣማኢት ማእከል መኽተቢ ኣዳልያ ከምዘላ ብምሕባር እቲ ቀዲሙ ዝመጽአ ብልቓጣት ክታበት ነቶም ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም ዜጋታታ ካብ 27 ታሕሳስ ጀሚራ ምኽታብ ከምእትጅምር ኣፍሊጣ ኣላ።
እቲ ብፋይዘር ባዩኤንተክ ዝፈረየ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብመልክዕ መርፍእ ዝውሃብ ኮይኑ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ናይ 21 መዓልታት ፍልልይ ክልተ ግዜ ይውሃቦ።
እቲ ክታበት ዝተውሃቦ ሰብ፡ ኣብ ቀዳማይ ክታበቱ ንሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ክብ ብምባል፡ ነታ ካልኣይቲ ብልቓጥ ምስ ተወገአ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ንሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከምዝበጽሕ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







