ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ካብ ሃገር ሃዲሙ፡ ጉጅለ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ ንታጂኪስታን ወይ ኡዝበኪስታን ድሕሪ ምህዳሙ ዕጡቓት ጣሊባን ናብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካቡል ኣትዮም።
ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሮም ኣንጻር ጣሊባን ክዋግኡ ዝጽንሑ ሰራዊት ኣመሪካ ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ምስ ወጽኡ፡ ዕጥቓት ጣሊባን ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮማ። ገለ ካብኣቶም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ካቡል ከምዝኣተው ዘርኢ ምስሊ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣፍጋናውያን ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ተዓቚቦም ኣለዉ። ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ ኣብታ ከተማ ናይ ስንባደን ፍርሕን ምልክትን ይርአ ከምዘሎን ንህይወቶም ዝሰግኡ ብዙሓት ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከቢድ ጽቕጥቅጥ ትራፊክ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ኣፈኛ ጣሊባን፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋናውያን ዝኾነ ይኹን"ሕነ ኣይኪፍደን'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምዕራባውያን ሃገራት ንዜጋታተን ካብታ ከተማ ከውጽኦኦም ይጓየያ ኣለዋ ። ኣመሪካ ንኣባላት ኤምባሲኣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ እተውጽኦም ሄሊኮፕተር ልኢኻ።
ይኹን እምበር፡ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ተዅሲ ከም እተሰምዐ ብምሕባር ንዜጋታቱ ክሳብ ኩነታት ጸጥታ ዝረጋጋእ ነብሶም ክዕቅቡ መኺሩ።
እቲ እስላማዊ ጕጅለ፡ ቅድሚ 20 ዓመት ብኣመሪካ ብዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ካብ ካቡል ድሕሪ ምእላዩ ሕጂ እዩ ተመሊሱ ዝኣቱ ዘሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ፡ "ኣመሪካውያን ኣብ መንጎ ሓድሕዳዊ ግጭት ካልእ ሃገር ንሓዋሩ ዝጸንሕሉ ምኽንያት የሎን " ብማለት ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝወጽእ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency via Getty Images
"ሰባት ይሃድሙን ይሕብኡን ኣለዉ"
ኣፈኛ ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ትማሊ ሰንበት ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊቶም ክሳብ ትእዛዝ ዝወሃቡ ኣብ ወሰናስን ከተማ ካቡል ንክጸንሑ ትእዛዝ ከምእተዋህቦም ሓቢሩ። ይኹን እምበር ሕጂ ሓይልታት ጸጥታ ካብታ ሃገር ስለዝወጽኡ ስርቅን ዕግርግር ንኸይፍጠር ነቲ ኩነታት ንኸረጋግኡ ክኣትው ከምዝኾኑ ገሊጹ።
ጣሊባን ንልዕሊ ፍርቂ ኣውራጃታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ከም አእትዩዎ ኣሎ።ፕረዚደንት ጋኒ ካብ ካቡል ድሕሪ ምህዳሙ ኣበይ ከም ዝኣተወ ዝርዝር ሓበሬታ የሎን።
ሚስተር ጋኒ ንዜጋታት ኣፍጋኒስታን ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብታ ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ ካቡል ምፍሳስ ደም ንኸየጋጥም ካብታ ሃገር ከምዝወጽአ ሓቢሩ።
ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኣፍጋኒስታን ግን ነቲ ስጉምቲ ነቒፎምዎ ኣለው።
ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ዓብዱላ ዓብደላህ፡ "ብኣምላኽ ክሕተት እዩ፣ ህዝቢ እውን ኽፈርድ እዩ" ኢሉ።
ጣሊባን ናብ ካቡል ይጽጋዕ ብምህላው ራዕዲ ዝተሰመዖም ነበርቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ይጎዩን መካይኖም ሓዲጎም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይፍትኑ ኣለው።ሓደ ወዲ 22 ዓመት
ቢቢሲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓት ብእግሩ ዝተጓዕዘ ተማሃራይ ኣዘራሪቡ።
"ኣእጋረይ ማይ ምዒጕ ንክንቀሳቐስ ተጸጊመ ኣለኹ። ሕጂ ብዛዕባ ስድራ ቤተይ ተሻቒለ ኣለኹ። ከምልጡ ዝኽእሉሉ መገዲ የብሎምን። ዝኾነ መጻኢ ኣይረኣየንን ኣሎ" ይብል ።
ሓደ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓዪ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ ጠረጴዛታቶም ስለዝሓደጉ እቶም ገያሾ ነቲ ባንኮታት ሰጎሮም ናብ ነፈርቲ ይጎዩ ስለዝነበሩ እቲ ኣዳራሽ "ናብ ዕግርግር" ከምዝተቐየረ ሓቢሩ።
ጸኒሑ ሓደ በዓል ስልጣን ኔቶ፡ ካብ ካቡል ዝብገስ ዝንበረ ኵሉ ንግዳዊ በረራታት ከም እተቛረጸ ሓቢሩ።
ዓቕሎም ዘጽበቡ ነበርቲ ካብ ካሽ ማሺን ገንዘብ ከውጽኡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ፡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ከም ዘይፈልጡ ሰባት ናብ መሕብኢ ኣባይቲ ኪጕዩን ይረኣዩ።
ኣፈኛ ጣሊባን ሱሃይል ሻሀን ኣብ ካቡል ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወቶምን ንብረቶምን ክሻቐሉ ከም ዘይብሎምን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰለማውያን ሰባት ንምድሓን ዘሎ ጉያ ጉያ
ኣመሪካ፡ ነቶም ኣብ ተልእኾኣ ዝሓገዙዋ ኣፍጋናውያን ሰራሕተኛታታ ንምውጻእ ኣስታት 5,000 ወተሃደራት ኣዋፊራ ኣላ። ብሰንበት ንሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዘመላልሳ ሄሊኮፕተራት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ክዝምብያ ይረኣያ ነይረን። ኣብ ቀጽሪ እቲ ኤምባሲ ኣገዳሲ ሰነዳት ይቃጸል ስለዝነበረ ብርቱዕ ትኪ ይረአ ነይሩ።
ኣስታት 600 ወተሃደራት ብሪጣንያ እውን ካብቲ ከባቢ ናይ ምውጻእ ተልእኾኦም ንምፍጻም ተዋፊሮም ኣለዉ ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን እውን፡ ንዜጋታት እንግሊዝ ቀዳምነት ዝህቦ እኳ እንተኾነ ንኣስታት "ን20 ዓመት ንጻዕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ክሕግዙ ዝጽንሑ ኣፍጋኒስታንውያን ብዝተኻእለና መጠን ቀልጢፎም ንከውጽኡዎም ይጽዕሩ ከምዘለው ገሊጹ።
ኩሎም ሓያላን ሓይልታት ሃገራት ብሓባር ኽዓዩን፡ ኩላቶም ከይተሰማምዑ ንዝኾነ ሓዲሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ክህቡ ከምዘይብሎም ጸዊዑ።
ካልኦት ሃገራት እውን ዜጋታተን ካብታ ሃገር የውጽኣን ኤምባሲታተን ይዓጽዋን ኣለዋ ።
ሩስያ ብዛዕባ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኵነታት ንምዝርራብ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ሓቲታ ኣላ።
ብጣሊባን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ስለዝተዋህባ ኤምባሲኣ ከምዘይትዓጽዎ እውን ገሊጻ ኣላ።
መራሕቲ ጣሊባን ዝኾነ ዓመጽ ከምዘይፍጽሙን ዝዀነ ይኹን ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝደሊ ሰብ ብደሓን ሰላም ንኪሓልፍ መገዲ ከምዝኸፍቱን ገሊጾም ነይሮም። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገልጽዎ፡ ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ገስጋሶም ከቢድ ተቓውሞ ከምዘየጋጠሞም ይሕብሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







