ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ኣትሌታትን ሳይንትስታትን ዝኾና ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ከነላልየኩም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወትሩ ፍርቂ ልበን ኣብ ስፖርታዊ ስልጠና፣ ፍርቂ ልበን ድማ ኣብ ቤተ ፈተነ እዩ።
ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ውድድራት ጂምናዚየም፣ ኣትሌቲክሳዊ ውድድራት፣ ትራካትን ካልኦትን ክሳተፋ ዝተሓረያ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት በዚ መስርሕ ክሓልፋ ግድን እዩ።
ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዘለወን ዕውትነትን ኣብ ውድድራተን ዘመዝግብኦ ክብረ ወሰን ንምሕላውን ከኣ ፍልይ ዝበለ ግድላት ይገጥመን'ዩ።
እምበኣርከስ፡ ኣብ ኣትሌቲክስን ሳይንስን ብልጫ ዘርኣያ ሸውዓተ ዕውታት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ከነላልየኩም።

1. ኣና ኬሴንሆፈር [ኣውስትሪያ]
![ኬሴንሆፈር [ኣብ ማእከል] ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ወርቂ ተዓዊታ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/13D8B/production/_119619218_gettyimages-1234174988.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 30 ዓመት ተወዳዳሪት ብስክሌት፡ ኣብቲ ኣብ ቶኪዮ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ደቂ ኣንስትዮ ተወዳደርቲ ኣይነበረትን።
ይኹን'ምበር፡ ዋላ'ውን ኣሰልጣኒ ወይ'ውን ሞያዊ ድጋፍ ዝገብረላ ክኢላ እንተዘይነበረ፡ ካብ ባዶ ተላዒላ ወርቂ ሜዳሊያ ክትዕወት ክኢላ።
እዛ ኣውስትሪያዊት፡ ንመነሓንሕታ ኔዘርላንዳዊት ቻምፒዮን ዓለም ዝኾነት ተወዳዳሪት ብስክሌት ኣኔሚክ ቫን ቭሌቴን በሊጻ'ያ ተዓዊታ።
ክኢላ ሒሳብ ቻምፒዮን ኦሎምፒክስ 2021 ኣና፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቬናን ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅን ብዲግሪ ተመሪቓ'ያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ስዊዘርላንድ ዩኒቨርሲቲ ሉዛን ክፍሊ ምምሃርን መጽናዕትን ትሰርሕ።
2. ሃዲያ ሆስኒ [ግብጺ]
![ሃዲያ [ጸጋም] ኣትሌት፣ ሳይንቲስትን ፖለቲከኛን እያ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/D566/production/_119803645_4.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቶኪዮ ኦሎምፒክ፡ ንሃዲያ ሆስኒ ናይ መወዳእታ ውድድራ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ንሳ፡ ካብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ድርብ ባድሜንተን ምስ ተኣለየት ጡሮታ ክትወጽእ ምዃና ኣአንፊታ።
"ናይ መወዳእታ ናይ ኦሎምፒክ ውድድረይ ከም ዝኸውን ዓብዪ ተኽእሎ ኣሎ። ናብ ኩሎም ቶርናመንታት ክትጉዓዝን ንርእስኻ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዓለማዊ ደረጃታት ክትዕቅብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ" ከም ዝበለት ድረ ገጽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ይሕብር።
እንተኾነ ሆስኒ ኣካዳሚያዊ ዕማማታ ክትቕጽለሎም'ያ። ኣብ ግብጺ ዩኒቨርሲቲ ብሪጣኒያ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር እያ።
ብባዮሜድስን ካልኣይ ዲግሪ ኣለዋ። ብስነ መድሃኒት ክኣ ሳልሳይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ተመሪቓ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዙርያ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝውዕል ጸረ ነድሪ ዝኾነ መድሃኒት ዴክሳሜታሶን ዘካየደቶም መጽናዕታትን ጽሑፋትን ኣሐቲማ'ያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባል ባይቶ ግብጺ ኮይና ፖለቲከኛ'ውን እያ።
3. ጋቢ ቶማስ [ኣመሪካ]
![ብውድድራት ሓጺር ርሕቐት እትፍለጥ ጋቢ ቶማስ [የማን] ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ዘሎ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ክተጽንዕ ትደሊ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/3926/production/_119803641_1.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, EPA
ጓል 24 ዓመት ኣመሪካዊት ጋብሬላ ቶማስ ፍልጥቲ ኣትሌት ውድድር ሓጺር ርሕቐት'ያ።
ኣብ ውድድር 200 ሜትሮ ሳልሰይቲ ፈጣን ጓል ኣንስተይቲ እያ። ጋቢ ብዝብል እትፍለጥ ኣትሌት፡ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ።
ኣብ ሞንጎ ውድድራትን ስልጠናታትን ግና፡ ቶማስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዓለምለኻዊ ጥዕናን ጥዕና ስነ ኣእምሮን ተጽንዕ ነይራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ኦስቲን ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ምምሕዳር ጥዕናን ስነ ተላባዕቲ ሕማማትን [ኤፒዲሞሎጂ]ተጽንዕ ኣላ።
ቐንዲ ትኹረት መጽናዕታ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ትካላት ጥዕና ዘሎ ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ክኸውን ትደሊ።
4. ካርሎቲ ሃይም [ፈረንሳ]

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጓል 12 ዓመት እናሃለወት ፈረንሳዊት ካርሎቴ ሃይም ኣብ ጥቓ ገዛውታ ምንቅስቓስ ምንሽርታት [skate] ብዝገብሩ ሰባት ተምሳጥ ይሓድራ ነይሩ።
"ኣዝዩ ደስ ዝብል ይመስል ኢለ ኣነ'ውን ክፍትኖ ደልየ" ትብል እዛ ጓል 28 ዓመት ሃይም።
ኮይኑ ድማ፤ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ብምንሽርታት [skateboarding] ክትወዳደር በቒዓ። እንተኾነ፡ ዶክተር ሃይም ኣብ መጻረዪ ውድድር ክትሓል ኣይክኣለትን።
ብተወሳኺ፡ ዶክተር ስነ ኣእምሮ ኮይና'ያ ናብ ቶኪዮ ተጓዒዛ።
ድምጺ ኣዴታት ኣብ ዕብየት ክእለት መትንታት ሓደሽቲ ዝተወልዱ ህጻናት ዘለዎ ጽልዋ እንታይ እዩ ዝብል ኣጽኒዓ።
5. ሉዊስ ሻናሃን [ኣየርላንድ]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 24 ዓመት ኣየርላንዳዊት ጎያይት፡ ኣብ 2024 ኣብ ፓሪስ ንዝእንገድ ኦሎምፒክ ክበቅዕ'የ ዝብል ትጽቢት ነይሩዋ።
ግን ድማ ነዚ ኣቐዲማ ከተዐውቶ ክኢላ፤ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክ ብ800 ሜትሮ ክትወዳደር ተመዝጊባ፤ ኣብ መጻረዪ ግን ክትሓልፍ ኣይክኣለትን።
እቲ ን2024 ዝሓዘቶ መደብ'ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ጎና ጎኒ ኣብ ሳይንስ ብቐንዱ ኣብ ኳንተም ፊዚክስ ትኹረት ገይራ ከኣ ትሰርሕ።
እዛ ምርቕቲ ዩኒቨርሲቲ ኮርክ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ሳልሳይ ዲግሪ ተጽንዕ ኣላ።
ቐንዲ ባህጋ ኣብ ሜዲካል ፊዚክስ ኮይኑ፡ ሕማም መንሽሮ ንምሕካምን ንምምርማርን ዘድልዩ ናውታት ተጽንዕን ትምህዝን።
"ክልተ ሞያ ዘለኒ ይመስለኒ፤ ኣብ ቤተ ፈተነ ክጽግመኒ እንከሎ ጎያይት ስለ ዝኾንኩ ጸገም የብሉን ኢለ ንነብሰይ የተባብዓ" ክትብል ንኢንዲፐንደንት ዝተባህለ ጋዜጣ ኬምብሪጅ ተዛሪባ።
"ሕጂ፡ ኣብ ኣትሌቲክስ ንፍዕቲ ኣይኮንኩን፤ ስቕ ኢለ ክኢላ ኳንተም ፊዚክስ ኮይነ ክቕጽል ኣለኒ" ኢላ።
6. ናዲን ኣፔት [ጀርመን]

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፔት፡ ብጉስጢት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኦሎምፒክ ንጀርመን ዝወከለት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።
እዛ ጓል 35 ዓመት ኣብ ኦሎምፒክ ውሑድ ተሞኩሮ እዩ ዘለዋ። ኣብዚ ውድድር ከኣ ብህንዳዊት ሎቭሊና ቦርጎሃይን ተሳዒራ።
ብሳይንስ ስነ ኣእምሮ ካልኣይ ዲግሪ ኣለዋ፤ ኣብ ቀጻሊ ከኣ ሳልሳይ ዲግሪ ክትመሃር መደብ ኣለዋ።
ኣፔት፡ ምንቕቓሕ ሓንጎል ታሂሉ ዝጽዋዕ ሜላ ተጽንዕ ኣላ፤ እዚ ኣብ ቀጻሊ ግዳያት ፓርኪንሰን [ስርዓት መትኒ ዘጥቅዕ ሕማም] ንምሕካም ክውዕል ይኽእል ተባሂሉ ይግመት።
"ንቶኪዮ ኦሎምፒክ ምድላው ብሓቂ ዘጨንቕ ነይሩ፤ ካብ ጃፓን ምስ ተመለስኩ ሚኢቲ ሚኢታዊት ኣብ መጽናዕተይ ትኹረት ክገብር እየ ዝደሊ" ክትብል ንድረ ገጽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክስ ገሊጻ።
7. ኣንድሪያ ሙሬዝ [እስራኤል]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ካሊፎርኒያ ዝተወለደት ጓል 29 ዓመት ኣንድሪያ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብባዮሎጂ [ስነ ህይወት] ተመሪቓ'ያ።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝዳሎ ውድድራት ሓመሳ ግን ክትሳተፍ ጸኒሓ።
ኣብዚ ጽቡቕ ውጽኢት ከተርኢ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጠቕሊላ ናብ እስራኤል ብምኻድ ንሃገራ ክትውክል ወሲና።
ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ፍጻሜታት ሓመሳ ተሳቲፋ፤ ብ50፣ 100ን 200ን ሜትሮ ከምኡ'ውን 4 x100 ተወዳዲራ።
እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ዘመዝገበትሉ ውድድር 4 x100 እዩ። ኣብዚ ጋንታ እስራኤል ኣብ ውድድር ፍጻመ ሻምናይ ኮይና ወዲኣ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







