ጋማን፡ ረብሓን ጉድኣትን ጃፓን እትፍለጠሉ ጥበብ ጽንዓት

ሓደ ሰብ ብስለት ኣለዎ ክብሃል እንተኾይኑ ዓቕልን ጽንዓትን ክህልዎ ከም ግዴትኡ ይዉሰድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋማን - ዓቕንል ጽንዓትን - ሓደ ሰብ ብስለት ኣለዎ ክብሃል እንተኾይኑ ዓቕልን ጽንዓትን ክህልዎ ከም ግዴትኡ ይዉሰድ

ኣብ ጃፓን ዕለታዊ ምንቅስቓስ በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ዝተጨናነቐ ዝተባህለ መገዲ ባቡር ዝህቦ ኣገልግሎት'ዩ ዝጅምር።

መዓልታዊ ኣብ ከተማ ቶክዮ ኣስታት 20 ሚሊየን ሰባት ባቡር ይጥቀሙ።

ብኹሉ ኣንፈት . . . . የማነ ጸጋም ሰብን መጓዓዝያን ክጻፋዕ ክትርኢ ከለኻ ግን ውቅዒት ልብኻ ብእንግዳዕኻ ከይተረፈ እዩ ዝስምዓካ።

ኩሉ ሰብ ግን ንኻልኦት ንከየተኣጓጉል ኣብ ኣፍደገ እተን ባቡራት ጸግዑ ሒዙ ተጸብዩ፤ ህድኣት ብዝተላበሰ ቕልጣፈ ናብታ ዝደልያ ይኸይድ።

እቶም ጽቕጥቕጥ ኢሎም ዝተሳፈሩ ሰባት ግን ፍሒት መበሊ ክረኽቡ እሞ ጋዶ'ዩ፤ ሓሓሊፉ እግሮም መሬት ዘይረግጸሉ ኣጋጣሚ እኳ ኣሎ።

ኣብዘን ክሳብ ዓንቀረን ሰብ ዝጽዓና ባቡራት ግን ሓደ ጎሊሑ ዝርኣይ ባህሪ ኣሎ። ስቕታ!

ካብዚ ብዝብገስ፡ እታ ኣብ ዓለምና ኣዝያ ዝተጨናነቐት ጃፓን ርግኣትን ስርዓት ዘለዎ ባህርን መግለጺኣ ኮይኑ ይርከብ።

በጻሕቲ ዓዲ፡ ንኣብነት ሰባት ብትዕግስቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክጽበዩ ክርእዩዎም እንከለው ይግረሙ፤ ኣፎም ይኸድኑ።

ጃፓናውያን፡ ድሕሪ'ቲ ዓለም ዘሰንበደ ራዕዲ መሬት ፉኩሺማን ሱናሚን ዝነበረ በዳሂ እዋን ሓገዝን ረድኤትን ንምርካብ እንከይተፈ ዓቕሊ ገይሮም'ዮም ተጸብዮም።

ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ እንዶ ይብሃል የለን፤ ኣብ ጃፓን ግን ዋጋ ተኸፊሉዎ'ዩ እዚ ባህሪ ክዓቢ ክኢሉ።

'ጋማን' [gaman ] ተባሂሉ ከኣ ይጽዋዕ።

'ጋማን' - ከም ብ2011 ዘጋጠመ ራዕዲ መሬትን ሱናምን ዝበሉ ቅልውላዋት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክህልወካ ምኽኣል ተገይሩ ይውሰድ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ጋማን' - ከም ብ2011 ዘጋጠመ ራዕዲ መሬትን ሱናምን ዝበሉ ቅልውላዋት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክህልወካ ምኽኣል ተገይሩ ይውሰድ'ዩ

ጽንዓት ኣብ በዳህቲ እዋናት

ብቐሊሉ፡ ውልቀሰባት ሃንደበታዊ ወይ በዳሂ ኩነታት ክገጥሞም እንከሎ እቲ ዝጸንሐ ልኡም ማሕበራዊ ርክባቶም ከይዘረጉ ትዕግስትን ጽንዓትን ከርእዩ ምኽኣል እዩ።

እዚ ማለት ብምኽንያት እቲ ዘጓነፈካ ጸገም ምስ ካልኦት ሰባት ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ክሳብ ስምዒትካ ገት ኣቢልካ ምሕላፍ ዝጽበ ስብእና ምውናን እዩ።

ከም ዜጋ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ትጽቢት ዝግበርን ምልክት ብስለትን ኮይኑ ይውሰድ።

ኣብ ቶክዮ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ባህልን ፕሮፌሰር ስነ ሰብን ዩኒቨርሲቲ ሶፊያ ዴቪድ ስላተር 'ጋማን' ካብ ቁጽጽርና ወጻእ ዝኾኑ ፍጻመታት ንምምካት ዝሕግዝ ስትራቴጂ'ዩ ብምባል ይገልጾ።

"ሰባት ካብ ትጽቢቶም ወጻእ ዝኾኑ ወይ ድማ በዳህቲ ኩነታት ንምሕላፍ ምስ ነብሶም መኺሮም ናይ ምጽዋር ዓቕምን ጽንዓትን የማዕብሉ'ዮም" ይብል።

እዚ ጃፓናውያን ብዙሕ ብዘይምዝራብን ኣሉታዊ ስምዒታት ናብ ካልኦት ብዘይምምሕልላፍን ወኒኖምዎ ዝርኣይ ፍሉይ ክብሪ'ዩ ትብል ፕሮፌሰር ክሊኒካዊ ስነ ልቦና ዓለምለኻዊ ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ኖሪክ ኦዳጊሪ።

"ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኽኣለ መጠን ጽንዓትን ዓቕልን ክንላበስ ንመሃር"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, "ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኽኣለ መጠን ጽንዓትን ዓቕልን ክንላበስ ንመሃር"

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ከም ንቡር ትምህርቲ ተወሲዱ ኩሉ ሰብ ብ'ጋማን' ካብ ቑልዕነቱ ተኾስዂሱ ይዓቢ።

ወለዲ ደቆም ናይ ምምሃር ሓላፍነት ኣለዎም። ብተወሳኺ ትዕግስትን ጽንዓትን ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ተኻቲቱ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚሩ ይውሃብ።

"ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተኽኣለ መጠን ትዕግስትን ጽንዓትን ዝተላበስና ክንኸውን ኢና ንመሃር" ትብል ኦዳጊሪ።

ብሱሩ ሕስብ ክተብሉዎ እንከለኹም፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ 'ጋማን' ንዘይትፈትዎ ስራሕ ወይ'ውን ባህሪ ኣዝዩ ዘሕርቐካ መሳርሕትኻ ጸይርካ ምኻድ፣ ኣብ ባቡር ወይ መኪና ድማ ልክዕ ሃለውለው እናበለ ሰላምኻ ዝኽለአካን ቆሎን ጥጥቖን እናተዛረበ ዘሰልችወካ ኣረጊትን ንኹሎም ክእል ኣቢልካ ምንባር እዩ ዝሓተካ።

ክንደየኖት ኢና ነዚኣ ንጻወራ?

ጓል 33 ዓመት ዮሺ ታካባያሺ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ቖልዑትን'ያ። ብዛዕባ ጋማን ክተውግዕ እንከላ ቖልዓ ድሕሪ ምውላዳ ንዝነበረ ግዜ'ያ ትዝክር።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ቖልዓን ስራሕን ተደራሪቡዋ ዘሕለፈቶ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወተይ ዝሓለፍኩዎ በዳሂ እዋን ክእሎ ዝኽእል'ዩ።

"ተመሊሱ እቲ ግዜ ንሱ ክዝክሮ እንከለኹ፡ ሓለቓይ ዋላ ሓደ ዝሕግዘኒ ነገር ኣይነበረን። ዝነበረኒ ኣማራጺ ስራሕ ጠጠው ምባል ነይሩ። ስድራ ቤተይን ካልኦት ኣብ ዙርያይ ዝነበሩ ሰባትን ግን የተባብዑኒ ነይሮም። ኣብ ውሽጠይ ክንደይ ዝኣክል ጋማን ከም ዝነበረ ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል።

እታ ኣብ ዓለምና ኣዝያ ዝተጨናነቐት ጃፓን ርግኣትን ስርዓት ዘለዎ ባህርን መግለጺኣ ኮይኑ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ኣብ ዓለምና ኣዝያ ዝተጨናነቐት ጃፓን ርግኣትን ስርዓት ዘለዎ ባህርን መግለጺኣ ኮይኑ ይርከብ

ጋማን፡ ካብ ትምህርቲ ቡድሂስት ዝነቅል ኮይኑ ንርእስኻ ንምቕራጽ እትገብሮ ጻዕሪ ስዒቡ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝምዕብል ጽንዓት ንምርካብ ውልቀሰባት ነዚ ክለማመድሉ ናብ ዝኽእሉ ጉጅለታት ይሕቆፉ።

ጃፓን፡ ድሕሪ ኲናት ቁጠብኣ ንምህናጽ ኣብ ዝተኸተሎ ስትራቴጂ ህንጸት ሃገር ስራሕ ዓብዪ ቦታ ዝነበሮ ኮይኑ ምስ ስድራኻ እተሕልፎ ግዜ ኣብ ስራሕ ቦታ ክውዕል ትገብር ነይራ።

ብዙሓት፡ እቲ በዚ ኣቢሉ ዝማዕበለ ባህሊ ጽንዓት ከኣ መግለጺ መጻኢት ጃፓን ከም ዝኾነ ገይሮም ይወስዱዎ።

"ጃፓናውያን በዚ'ዮም ዝግለጹ፤ ግን ድማ ሕማቕን ጽቡቕን ጎኒ ኣለዎ" ይብል ክኢላ መጽናዕቲ ገበን ዩኒቨርሲቲ ሪሾ ኖቡ ኮሚያ።

ኮሚያ ንዓርስኻ ምግናሕን ምስ ጋማን ብዝተኣሳሰር ሕብረሰተብ ካባይ ይጽበዮ'ዩ እትብሎ ስነ ምግባር ምህላውን ኣብታ ሃገር ትሑት መጠን ገበን ክህሉ ገይሩ'ዩ ኢሉ ይኣምን።

ሰራሕተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጃፓን፡ ድሕሪ ኲናት ቁጠብኣ ንምህናጽ ኣብ ዝተኸተሎ ስትራቴጂ ህንጸት ሃገር ስራሕ ዓብዪ ቦታ ዝነበሮ ኮይኑ ምስ ስድራኻ እተሕልፎ ግዜ ኣብ ስራሕ ቦታ ክውዕል ትገብር ነይራ

ሰባት ንሓድሕዶም ስለ ዝተሓላለውን ጎነጽ ስለ ዘወግዱን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ብዛዕባ ዘርእዮ ወይ ዝህቦ መልሲ ጥንቑቕ እዩ።

"ግን ድማ ረብሓ ጋማን ብደረጃ ቅልወሰብ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። እዚ ማለት ካብ ስራሕ ዘይክስጎጉ ወይ'ውን ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ይሕግዞም'ዩ።" ትብል ኮሚያ።

እንተኾነ፡ ጋማን ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ዘሕድሮ ጸቕጢ'ውን ኣሎ'ዩ።

"ጋማን ነመላኽዖ ኢና" ትብል ኦዳጊሪ።

ኣብ ጃፓን ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምዝራብ ካልኦት ብዛዕባ ስምዒቶም ኣንቢቦም ክርድኡዎም ትጽቢት ይገብሩ። እዚ ሓሓሊፉ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ኣሎ'ዩ።

"ብሱሩ'ውን ልዕሊ ዓቐን ጋማን [ትዕግስትን ጽንዓትን] ኣብ ጥዕና ኣእምሮና ጽልዋ ይፈጥር'ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ብዙሕ ኣሉታዊ ዝኾነ ነገር ኣብ ከብዶም ዝሕዙ እንተኾይኖም እቲ ጋማን ናብ ሕማም ጭንቀት ኣእምሮ [ሳይኮሶማቲክ] ክቕየር ይኽእል'ዩ" ትብል።

ወሲኻ ሰባት ዓርሶም ክገርሑ ትጽቢት ስለ ዝገበሮም ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ምሕታት ንርእሱ ከም ስንፍና ከም ዝቑጸር ትዛረብ።

ሓሓሊፉ ግን እዚ ናብ ቁጥዐ ተቐይሩ ዘቤታዊ ዓመጽን ኣብ ስራሕ ቦታ ጎነጽ ክፍጠርን ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ተረድእ።

ብኻልእ ወገን፡ ጋማን ኣብ ሓዳረን ሕጉሳት ዘይኮና ደቂ ኣንስትዮ ርእሰን ኣድኒነን ክነብራ ምኽንያት ከም ዝኸውን ይንገር።

"ሕብረሰተብና ጓል ኣንስተይቲ ትሕትና ዝተላበሰት ወይ ወረጃ ክትኸውን ትጽቢት ይገብር። ካብዚ ብዝብገስ ደቂ ኣንስትዮ ስምዒታተን ሓቢአን ይነብራ። ፍትሕ ክደልያ ከለዋ ከኣ መብዛሕትአን ንስለ ሓዳረን ስርሐን ወይ ካልእ ፋይናንሳዊ እቶት ዝረኽባሉ ነገር ጠጠው ስለ ዘብላ ይኸብደን" ብምባል ክኢላ ስነ ልቦና ኦዳጊሪ ተረድእ።

ክኢላ መጽናዕቲ ገበን ዩኒቨርሲቲ ሪሾ ኖቡ ኮሚያ ነዚ ምስቲ ሕጂ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ካብ ውልቃዊ ጠለብ ንላዕሊ ማሕበረሰባዊ ግዴታ ምቕዳም ብምትእስሳር "ጃፓናውያን ጋማን ሃገራዊ ብልጫና'ዩ ይብሉ። ሓቂ'ዩ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ'ዩ፤ ግን ድማ ሕጂ ሰባት እንተተዛሪቦም ተነጽሎ ክገጥመና'ዩ ክስምዖ ዝገብር ኮይኑ" ይብል።

ኣረጋውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕጂ እቲ ሕብረተሰብ ይልወጥ እዩ ዘሎ። ቅድሚ 30 ዓመት ስራሕ ክሳብ ሕልፈት ህይወት ነይሩ።

ብተለምዶ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ኩባኒያታት ተቖጺሮም ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑን ናይ ህይወት ዘመኖም ኣብኡ የሕልፉን።

ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ቖልዑ ንከዕብያ መታን ናይ ስራሕ ዕብየት ኣብ ዘይረኽባሉ ዕዮ ይዋፈራ ነይረን።

ሕጂ ግን ባት ሓዳር እናገበሩ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ስራሕ ክሰርሓ ስለ ዝጀመራን ትሑት መጠን ወሊድ ስለ ዘሎን እቲ ናይ ህይወት ዘመን ስራሕ ዝብል ስርዓት ይልወጥ ኣሎ።

ብዙሓት መናእሰይ ከኣ ግዝያዊ ወይ ኣብ ትርፊ ሰዓት ዝስራሕ ስራሕ'ዮም ዝመርጹ። ጋማን ሎሚ ኣይከም ቀደሙን።

"በቃ ስራሕ ትቑጸር ትስጎግ፤ ኮንትራት ትፍርም ብዝሰራሕካዮ ሰዓት ከኣ ትኽፈል" ይብል ስላተር።

ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት መናእሰይ ንድሕሪት እቲ ሕሉፍ ወለዶ ዝወስደና'ዩ ብምባል 'ጋማን' ንዘይምዃን ይመርጹ ኣለው።