ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሓሙኽሽቲ ሬስኡ ኣብ ባሕሪ ዝተበተነ ጃፓናዊ መራሒ

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ 1941 ኣብ ፐርል ሃርበር ንዝነበረ መዓስከር ኣመሪካ ክጥቃዕ መምርሒ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን፡ ብገበን ኵናት ምስ ተቐትለ፡ ጃፓናውያን ደገፍቱ ኣብ መቓብር ከም ጅግና ንኸይጭድሩ ብሓዊ ዝነደደ ሬስኡ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ከምዝተበተነ ሰነዳት ኣመሪካ ይሕብሩ።

ኣብ 1948 ንሱን ሽዱሽተ ካልኦትን ብናይ ውግእ ገበን ድሕሪ ምቕታሎም ሬስኦም ብሓዊ ነዲዱ፤ ብድሕሪኡ ብነፋሪት ኵናት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምዅሽቲ ሬስኦም ኣብ ውቅያኖስ ተበቲኑ። ።

ኣብ ኒሆን ዩኒቨርሲቲ ቶክዮ ዝምህር ጃፓናዊ ሂሮኣኪ ታካዛዋ፡ ነቲ ምስጢራዊ ሰነድ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መዛግብቲ ኣመሪካ ረኺቡዎ።

ኣብ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ማጆር ሉተር ፍሬርሰን፡ ኣብቲ ቶጆን ካልኦት ገበነኛታት ዝተባህሉ ብጾቱን እተፈርዱሉ እዋን ብ23 ታሕሳስ 1948፡ "ሬሳ ናይቶም ገበነኛታት ኵናት ተቐቢለን ተቖጻጺረን፡ መብራህቲ ካብ እተገጥመላ ነፋሪት ውግእ ካብ ሰማይ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ከም ዝበተንክዎ ምስክር እየ" ይብል እቲ ሰነድ ።

ኣብ ታሕቲ ከኣ ስም ናይ ሂድኪ ቶጆን ዝርከቦ ናይ ሸውዓተ ሰባት ኣስማት ሰፊሩ ኣሎ።

ማጆር ፍሬርሶን እቶም 'ገበነኛታት' ክቕተሉ እንከለዉ ከም ዝረኣየን፡ ነቲ ብሓዊ ዝነደደ ሓሙኽሽቲ ሬሳኦም፡ ኣብ ፍልይቲ ነፋሪት ጽዒኑ፡ ባዕሉ "ካብ ዮኮሃማ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ሰላማዊ ውቅያኖስ፡ ብገምጋም ኣስታት 48 ኪሎ ሜተር ኣብ ዝርሕቀቱ ሰፊሕ ባሕሪ በቲነዮ" ክብል ጽሒፉ።

ፍሪሰን ወሲኹ፡ እቲ ሬሰኦም ዝተቓጸለሉ እቶን እውን ዝኾነ ነገር ከይተረፈ ብምሉኡ ከምዝፈረሰን ከም ዝተጸርገን፡ ዝነኣሰ ነገር እኳ ንከይተርፍ ዕሽሽ ከምዘይበሉዎ ይገልጽ።

ነቲ ሰነድ ዝረኸበ መምህር ዩኒቨርሲቲ ጃፓናዊ ሚስተር ታካዛዋ ንማዕከናት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ንደገፍቲ ቶጆ ሓምዅሽቲ ሬሳኡ እወን ንከይረኽቡ ዝከኣሎም ከም ዝገበሩ ገሊጹ።

"ሰራዊት ኣመሪካ፡ [ገሊኦም ደገፍቲ] ነቲ ሬሳታት ከም ሓወልቲ ጅግንነት ከየድንቑዎ ናብ ክሊ ጃፓን ክመልሶ ኣይደለየን። ሬሳታቶም ንጃፓን ምምላስ ማለት ከም ናይ መወዳእታ ውርደት ገይሮም ከምዝረኣዩዎ እየ ዝሓስብ" ድማ ይብል።

ሂደኪ ቶጆ፡ ነቲ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኤውሮጳውያን ሓይልታትን እተካይዶ ዝነበረት መጥቃዕትን ምስፍሕፋሕን ብቓሉ ደጊፉዎ እዩ።

ይኹን እምበር ዋላ እውን ሬሳ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት እንተዘይተረኽበ [ዝኽሮም] ኣብቲ ኣብ ጃፓን ዝርከብ ያሱኩኒ ዝብሃል ኣካታዒ ቤተ መቕደስ ሰፊሩ ኣሎ።

ቤተ መቕደስ ሽንቶ፡ ነቶም ሃገረ ጃፓን ብ1866 ካብ እትምስረት ንነጀው ምእንቲ ሃገሮም ናይ ዝወደቑ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ነፍሳት ጃፓናውያን ሰብኡት፡ ኣንስትን ቖልዑን እንኮላይ ነቶም ከም ቀዳማይ ምኒስተር ቶጆ ዝኣመሰሉ ጕጅለ ገበነኛታት ኲናት ተባሂሎም እተፈርዱ እውን ተወፍዩ ኣሎ።

እቶም ማናውያን ፖለቲከኛታት ከም ምልክት ሃገራውነት ገይሮም እዮም ዝርእይዎ።

እቶም ኣብ ጸጋማውያን፡ ግዳያት ሃጸያዊ ወራራት ጃፓን፡ እንተላይ ኣብ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ዝርከቡ ሰባት ግና ነቲ ኣብ ጃፓን ዝነበረ ወተሃደራዊ ኵነታት ንምኽባር ተባሂሉ ከም ዝተገብረ እዮም ዝርእዩዎ።

ሂደኪ ቶጆ፡ ጸጋማይ፡ ኣብ 1947 ብገበን ውግእ እናተፈርደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህድኪ ቶጆ መን እዩ ነይሩ ?

ሂደኪ ቶጆ፡ ኣብ ሰራዊት ኢምፐርያል ጃፓን ዘገልገለ፡ ካብ 1941 ክሳዕ 1944 ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዝነበረ ጀነራል እዩ።

ንሱ ንምስፍሕፋሕን ዕቤትን ጃፓን ዝድግፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ገዛእቲ ኤውሮጳን ብቓላት ንኵናት ዝተዂቶኸ፡ ነቲ ብ7 ታሕሳስ 1941 ኣብ ልዕሊ ፐርል ሃርበር ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እተፈነወ መጥቃዕቲ ብሓላፍነት ዝመርሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን እዩ።

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሃርበር ከኣ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብወግዒ ተጸንቢራ።

ጃፓን ከኣ ኣብ ደቡብ ምብራቕ እስያን ኣብ ፓሲፊክን ዝነበራ ግዝኣት ስኢና።

እቲ ኵናት ኣንጻር ረብሓ ጃፓን ምስ ከደ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቶጆ ደገፍ ሃጸይ ሂሮሂቶ ስኢኑ ብ1944 ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገደደ።

ኣመሪካ ኣብ ከተማታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን ኣቶማዊ ቦምብ ብምድርባይ ከቢድ ዕንወት ምስ ፈጸመት ጃፓን ኣብ መስከረም 1945 ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኢዳ ሃበት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቶጆ ከኣ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዙርያ ቤቱ ምስ ቀረቡ ዘይዕውት ፈተነ ቕትለት ኣካይዱ ግን ተታሒዙ።

ቶጆ ብ1948 ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኵናት ብምውልዑን ኣብ ልዕሊ ምሩዃት ኲናት ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ስለ ዝገበረለን "ገበነኛ ኵናት" ተባሂሉ ብሞት ተፈሪዱ።

ኣብታ ወርሒ ሕዳር ናይታ ዓመት ክመውት ተፈሪዱዎ ኣብታ ዝሰዓበት ወርሒ ብማሕነቕቲ ሞይቱ።