ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ካብዛ ዓለም ንክስወሩ ዝሕግዛ ትካላት

Streets in Japan

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ ኣመሪካ ክሳብ ጀርመን፡ ካብ ዓባይ-ብሪጣንያ ክሳብ ስፔን፡ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ገዛእ ህይወቶም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣሰር፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይነፍጹ። ቤተሰቦምን መቕርቦምን "ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ" ብምባል ደሃይ ፍቱዋቶም ክፈልጡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።

ገሊኦም ፍርቂ ለይቲ ብድድ ኢሎም፡ ካብ ገዛውቶም፡ ስርሖምን ስድራ ቤቶምን ጠፊኦም ንድሕሪት ገጾም ከይጠመቱ ካልኣይ ህይወት ክጅምሩ መገዲ ይጸርጉ።

ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣብ ጃፓን "ጆሃትሱ" ተባሂሎም ይጽውዑ። እታ "ጆሃት" እትብል ቃል ከኣ ብቋንቋ ጃፓን "ምህፋፍ" ማለት እያ። ኪንኡ ከኣ እዛ ቃል፡ ነቶም ብዕላማ ካብ ከባቢኦም ተሰዊሮም ገሊኦም ንዓመታት፡ ካልኦት ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰቦም ተሰዊሮም ዝጠፍኡ እያ ትውክል።

"ምስ ሰባት ዝነበረኒ ዘይሕጉስ ርክብ ስለዘበሳጨወኒ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ባልጃይ ሒዘ ተሰዊረ ዳርጋ ህድማ እዩ" ይብል፡ ኣብዚ ታሪኽ'ዚ "ሱጕሞቶ" ብዝብል ስም ዝተጸውዐ ወዲ 42 ዓመት መንእሰይ።

እቲ መንእሰይ፡ ኣብታ ንእሽቶ ከተማኡ ፍሉጥን ንንግዳዊ ትካል ስድራ ቤቱ ክትክእ ይኽእል እዩ ዝብል ዝነበረ ትጽቢት ተጽዕኖ ስለዝፈጠረሉ፡ ንማንም ሰብ ከይነገረ ሃንደበት ካብ ቤቱ ወጺኡ ተሰዊሩ።

ከም ጃህዋቱ ዝኣመሰላ፡ መዋጽኦ ብዘይብሉ ዕዳን ፍቕሪ ኣልቦ መርዓን ክስወራ ዝመርጻ እውን ኣለዋ።

ዓይነት ምኽንያታቶም ብዘየገድስ፡ ኣብ ከውታ ለይታ ክስወሩ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ኣለው። ኩሎም ከኣ ናብቶም ንክስወሩ ዝሕግዘኦምን ምስጢራቶም ዓቂበን ዝሸርበኦምን ትካላት ይኸዱ።

እተን ትካላት ነቶም ክስወሩ ዝደልዩ ሰባት ዝሕብኡሉ ምስጢራዊ ቦታታት የዳልዋሎም።

ገሊኡ ልክዕ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከም ምእታው፡ ሓድሽ ስራሕ ምርካብ ወይ ሓዲሽ ሓዳር ከም ምምስራት፡ ዓይነት ኮይኑ ንኣዎንታዊ ነገር ዝግበር ምግዕዓዝ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ግን ከኣ ካልእ ዘሕዝን ገጽ ዘለዎ ንክትስወር ዝደፍእ ከም ልቓሕን ዕዳን ካብ ዩኒቨርሲቲ ምውዳቕ፡ ካብ ስራሕ ምውጻእን ምስንባትን ካብ ዘሳቕየካ ሰብ ምህዳምን ዝኣመሰለ ድርኺት እውን ከምዘሎ፡ ኣብ እዋን ቁጠባዊ ዝቕባበ ጃፓን ነዚ ናይ ምስዋር ትካል ዘቖመ ሾ ሃቶሪ ይዛረብ።

ኣብ ፈለማ፡ ሰባት ካብቲ ሽግር ዝመልኦ ቁጠባዊ ህይወቶም ንክሃድሙ ከም ዝደልዩ ጥራሕ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ዳሕራይ ግን፡ ሰባት "ብማሕበራዊ ምኽንያታት" እውን ክስወሩ ከምዝደልዩ ፈሊጠ፡ ካልእ ዕድልን ህይወትን ንክፍትኑ ክሕግዞም ጀሚረ ይብል።

ብዛዕባ እዚ ምስዋር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘጽነዐ ተመራማሪ ስነ- ማሕበረሰብ ሂሮኪ ናካሞሪ፡ እታ 'ጆሃቱ' እትብል ቃል፡ ነቶም ኣብ 60ታት ዝስወሩ ዝነበሩ ሰባት ንምምልካት ይጥቀሙላ ከምዝነበሩ ይገልጽ ።

ዕድል ንካልኣይ ህይወት

ኣብ ጃፓን ናይ ፍትሕ መጠን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ወግዓዊ መስርሕ ፍትሕ ክንዲ ዝኸዱዎ፡ ካብ መጻምድቶም ብቐሊሉ ክርሕቑን ክእለዩን ይኽእሉ።

"ኣብ ጃፓን ስቕ ኢልካ ክትስወር ትኽእል ኢኻ። ንሱ ከኣ ይቐልል" ይብል ናካሞሪ።

ኣብ ጃፓን "ስትረት" ሓያል ሓለዋ እዩ ዝግበረሉ። ዝተሰወሩ ሰባት ንማንም ወገን ከይተቓልዑ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ እታ ሃገር ካብ ባንክ ገንዘብ ከውጽኡ ይኽእሉ። ንገበን ዝምልከት ዝኾነ ሓደጋ እንተዘይሃልዩን፡ እቶም ዝስወሩ "ነብሰይ ክቐትል እየ" ዝብል ጽሑፍ እንተዘይገዲፎምን፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ሃለዋቶም ንከረጋግጹ ናይ ሲሲ-ቲቪ ምስሊ ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም። ትካላት ጸጥታ ኮነ ፖሊስ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ።

ስለዚ እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ንሓደ ናይ ብሕቲ መርማሪ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ስለዝግደዱ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ትም ኢሎም ክጽበዩ እዮም ዝመርጹ።

'ሰንቢደ'

እቲ ምስዋር ነቶም ብድሕሪት ዝተርፉ ፍቱዋትን፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ምስተሰወሩን ዘጋጠሞም ጸገም ገሊኡ ክጽወር ኣይክእልን እዩ።

Woman withdrawing money from an ATM

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓንቲ ስማ ክዕቀብ ዝመረጸት ወዲ 22 ዓመት ውላዳ ዝተሰወራን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ዘይረኸበትን ኣደ " እቲ ነገር ምስ ኮነ ከቢድ ስምባደ ሰምቢደ" ትብል። ክሳብ ሕጂ እውን ንውላዳ ኣይረኸበቶን።

"ክልተ ሳዕ ስርሑ ስለዘቋረጸ፡ ብሰንኪ ፍሽለቱ ተረቢሹ እዩ ዝኸውን" ብማለት ናብቲ ዝነብረሉ ቦታ ብመኪና ከይዳ ነቲ ቦታ ፈቲሻቶ። ብድሕሪኡ እውን ደሃይ እንተገበረ ብምባል ንመዓልታት ኣብ መኪናኣ እናደቀሰት ተጸብያቶ። ግን ኣይተመልሰን ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃዩ የብላን።

ንሳ ንፖሊስ እኳ እንተሓተተት ርእሰ-ቅትለት ክፍጸም ከም ዝኽእል እንተዘይጠርጢሮም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘየሎን ክትጽበ ጥራሕ ከምዘለዋን ሓቢሮምዋ።

" ብዛዕባ ምዕቃብ ሓበሬታ ኣዘራራቢ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተዲኡኒ ኣሎ። ብሰንኪ ምዕቃብ ምስጢር፡ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ኣደናገርትን ከምኡ እውን ኣባላት ስድራን ደሃይ ፍቱዋቶም ክረኽቡ ዘይክእልሉ ኣገባብ ኣይርድኣንን እዩ ትብል።

"በዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ መሰረት ብዘይ ገንዘብ፡ ደሃይ ውሉደይ ክረክብ ኣይክእልን እዩ። እታ ሓንቲ ክገብራ ዝኽእል ወደይ ሞይቱ ከይከውን ኣብ እንዳ መዕቆብ ሬሳታት ከይደ ቸክ ምግባር እዩ" ትብል።

እቶም ዝጠፍኡ

እቶም ዝጠፍኡ እውን ንባዕሎም ድሕሪ ቁሩብ ኣብ ከቢድ ጓህን ጣዕሳን እዮም ዝወድቁ።

እቲ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ደቁን ሓዳሩን ገዲፉ ዝተሰወረ ሱጊሙቶ ዝስሙ ነጋዳይ፡ ብዝገበርኩዎ ጌጋ ኩሉ ሳዕ እየ ዝሓዝን ይብል።

" ን[ደቀይ] ንዓመት ምሉእ ኣይረኣኹዎምን ። ብስራሕ ንግዲ ኣርሒቐ ከምዘለኹ እየ ነጊረዮም። "

ሓዲግዎም ብምኻዱ ኣዝዩ ይጠዓስ። ንሱ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ናይ መንበሪ ገዛ ተኻርዩ ይነብር ኣሎ ።

እቲ ንኽስወር ዝሓገዞ ካምፓኒ፡ ናይ ሓንቲ ሲታ ዝተባህለት፡ ቅድሚ 17 ዓመታት ንባዕላ ጠፊኣ ዝተሰወረት ቤት እዩ ኣካርዩዎ።

ንሳ፡ ኣብ ጾታዊ ዝምድናኣ ኣካላዊ ማህሰይቲ ምስ ኣጋጠማ ክሳብ ሕጂ ጠፊኣ ተሰዊራ ኣላ። "ሕጂ እውን ተሰዊረ እየ ዘለኹ። እተፈላለዩ ዓይነት ዓማዊል ኣለውኒ። ገሊኦም ኣብ ገዛ ካብ ዝፍጸም ከቢድ ዓመጽ ወይ ካብ ጾታዊ ግህሰትን ጾታዊ ርክብን ዝሃድሙ። ገሊኦም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝሓስቡ እውን ኣለው። ኣይፈርደሎን እየ ። 'ጕዳዮም ባዕሎም እዮም ዝፈልጡዎ። ኵሉ ሰብ ነናቱ ቃልሲ ኣለዎ" ትብል።

ኩባንያኣ፡ ንከም ሱጊሞቶ ዝኣመሰሉ ሰባት ጸገሞም ተቓሊሶም ንኽስዕሩዎን ክፈትሑዎን ሓጊዙዎም እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቶም ሰባት ዋላ እኳ እንተተሰወሩ፡ ታሪኾም ግን ብኡ ኣቢሉ ተረሲዑ ማለት ኣይኮነን። ሱጊሚቶ " እቲ ሓቂ ወዲ 13 ዓመት ወደይ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። እተን ክርስዐን ዘይክእል ቃላት፡ 'ኣቦይ ዝወሰኖ ነገር ንዕኡ ይምልከት ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን" ኢሉ። ካባይ ንላዕሊ ንሱ እዩ ብሱል። ኣይኮነን ድዩ?