ምንቁልቋል መጠን ወሊድ ዘሻቐላ ጃፓን መጻምድቲ ንዘራኽብ ኮምፒተራዊ ምህዞ ተተባብዕ

ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጃፓን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ምንቁልቋል መጠነ ወሊድ ንምብርባር፡ መንእሰያት ጃፓን መጻምድቲ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ኮምፒተራዊ ምህዞታት ንዘተኣታትዉ ገንዘባዊ ድጎም ከምእትገብር ገሊጻ።

ብመንገዲ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ መጻምድቲ ከራኸቡ ንዝጀመሩ ወይ ከኣ ክጅምሩ ዝሓስቡ ካብ ዝምጽእ ዓመት ኣትሒዙ ንምህዞኣዊ ስርሓቶም ገንዘባዊ ድጎማ ከምዝገብር’ዩ መንግስቲ ፓጃን ሓቢሩ ዘሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጃፓን ኣብ ሓደ ዓመት ናይ ዝተወለዱ ህጻናት ቁጽሮም ትሕቲ 865,000 ብምኳኑ ዝወሓደ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እታ ዝወሓደ መጠን ምርባሕ ከምዘለዋ ዝንገረላ ጃፓን፡ መጠን ወሊድ ንምውሳኽ መንገድታት ኣብ ምንዳይ እያ ጸኒሓ።

ብመንግዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መጻምድቲ ምርኻብ ከኣ ከም ሓደ ኣማሪጺ ገይራ ወሲዳቶ ኣላ።

ሰብ መዚ ጃፓን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንተመሳሳሊ ምህዞኣዊ ስርሓት ኣርተፉሻል ኢንተለጀንስ ዝውዕል 2 ቢልዮን የን (19 ሚልዮን ዶላር) ከምዝሰልዑ ኤኤፍፒ ገሊጹ።

ብዙሓት ጃፓናውያን፡ ኣብተን ኣቐዲምን መጻምድቲ ኣብ ምርኻብ ዝሰርሓ ዝነበራ ምህዞኣውያን ስርሓት ዝርዝራዊ ጠለባቶማ ኣስፊሮም ኣለዉ።

እተን ኣቀዲምን መጻምድቲ ከራኽባ ዝተሰረሓ ኮምፒተራዊ ስርሓት፡ ከም ወርሓዊ ወይ ዓመታዊ ኣታዊታን ዕድመን ዝፈልያ ስለዘይነበረ ሕጽረታት ከምዝነበረን እዩ ዝንገር።

ማዕከናት ዜና ጃፓን እዚ መንግስቲ ክድጎሞ ተመባጺዑ ዘሎ ምህዞ፡ ከም ባህርን ክብርታትን ናይ ውልቀ ሰባት’ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጸን።

ሓደ ካብ ካቢነ ጃፓን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ንሕና ነቶም ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተሞርዂሶም መጻምድቲ ንምርኻብ ዝሕግዝ ምህዞታት ዝሰርሑ ኢና ክንደድጉም፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣንቆልቊሉ ዘሎ መጠን ወሊድ ናይ ጃፓን ክብ ከብሎ ተስፋ ገይርና ኣለና” ኢሉ።

ኣብ 2017፡ 128 ሚልዮን ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ጃፖን ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘመን ብ53 ሚልዮን ክጎድል ከምዝኽልእ እዩ ግምታት ዘሎ።