ኣሜሪካ፡ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንውጥን ትራምፕ ኣብ ምቁጽጻር ወሊድ ዓጊቱ

ተቓወምቲ ምቁፅፃር ወሊድ ኣብ ዋሺንግተን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ መምርሒ ፕረዚደንት ትራምፕ ተቓውሞ ገጢምዎ

እቲ መምርሒ ኣስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንሹራንስን ምዕዳል መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ `ሃይማኖታዊ እምነታት` ወይ `ስነ-ምግባር` ዝጥሕስ ኮይኑ ምስ ዝረኽብዎ ምዕዳል ክኣብዩ የፍቅደሎም።

እቲ ሓድሽ መምርሒ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ተግባር ክውዕል ነይርዎ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዳኛ ናይ ፊላደልፊያ ብጠበቓታት ፐንሲልቬኒያን ኒው ጀርሲን ንዘቕረብሉ ናይ መኣገዲ ፍቓድ ሂቡ።

እቲ ዳኛ ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ፡ እቲ ሓዲሽ መምርሒ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነጻ መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ ንኸይረክኽባ ዘጸግምን ንግዝኣታት ኣሜሪካ ዘይግባእ ጾር ዘሰክምን እዩ ኢሉ።

እዚ ብይን፡ ብሓደ ካልእ ዳኛ ናይ ካሊፎርኒያ ዝተዋህበ ተመሳሳሊ ፍርዲ ስዒቡ`ዩ መጺኡ።

ሓምሳን ሓሙሽተን ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ካብ`ቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነት ባራክ ኦባማ ዝወጸ መምርሒ መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ ብነጻ ክዕድላ ዘገድድ ፈላማይ ሕጊ ተረባሕቲ ኮይነን`የን ጸኒሓን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ግና ነቲ መምርሒ ክኣልዮ ምዃኑ ተመባጺዑ ነይሩ።

ኣኽባር ሕጊ ካሊፎርኒያ ሃቪየር ቤቼራ ኣብ ዝሃቡ መግለጺ፡''ኣብ 2019 ኢና ዘለና፡ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ገና መሰል ደቀንስትዮ ንድሕሪት ክመልስ`ዩ ዝጽዕር ዘሎ'' ኢሉ።

`እቲ ሕጊ ካብ`ዚ ንላዕሊ ክንጽር ኣይክእልን`ዩ። ኣስራሕቲ ኣብ ጥዕናዊ ውሳነ ደቀንስትዮ ኢዶም ከእትው ስርሖም ኣይኮነን` ድማ ኢሉ።

ክኒና መቆፃፀሪ ወሊድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቤትፍርዲ ኣብ 13 ግዝኣታትን ዋሺንግተንን ዝትግበር ሓድሽ ሕጊ ዓጊቱ

እንተኾነ ግን፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ ሰነዳቱ ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ሓዲሽ መምርሒ `ንጸበብቲ ደርቢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሓቀኛ ሃይማኖትን ሞራልን` ዝጣበቕ`ዩ፡ `ምስ እምነቶም ዝገራጮ` ተግባራት ንኸይገብሩ ድማ ከልኪልዎም ኢሉ።

እቲ ናይ ትራምፕ መምርሒ፡ ግዝኣታት ኣሜሪካ ተወሳኺ መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ ክዕድላን ንዘይተደለዩ ጥንስታት ስዒቦም ንዝመጹ ወጻኢታት ክኸፍላን መገደደን ነይሩ ኢሉ ሚስተር ቤቸራ።

እቲ ዕደላ መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ ቀንዲ ኣካል ናይ`ቲ ብኦባማ ኬር ተባሂሉ ዝፍለጥ ንስርዓት ሽፋን ሕክምና ኣሜሪካ ንምትዕርራይ ብፕረሲደንት ኦባማ ዝተገብረ ጻዕሪ`ዩ።

ዋላ`ኳ እቲ መምርሒ ንሃይማኖታውያን ትካላት ንሰራሕተኛታተን መድሃኒት መቆጻጸሪ ወሊድ ክዕድላ ዘየገድድ ዓንቀጽ እንተሃለዎ፡ እቲ ናይ ትራምፕ መምርሒ ግን ብምኽንያት `ሞራላዊ እምነት` ብዝብል ሽፋን ንቑጽሪ`ቶም በቲ መምርሒ ዘይግደዱ ኣስራሕትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ኢንሹራንስን ኣዛይድዎ`ዩ።

ዓቃባውያንን ሃይማኖታዊ ጉጅለታትን ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ሓንጎፋይ`ሎም ክቕበልዎ እንከለዉ፡ ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላትን ጉጅለታት ወሃብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ግን ነቒፎሞ።