ፊንላንድ ንኣቦታት ማዕረ ኣዴታት ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክትህብ እያ

ህጻን ወዳ ዝሓቖፈት ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓድሽ መንግስቲ ፊንላንድ፡ ኣቦታት ልክዕ ናይ ኣዴታት ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክህብ ዘኽእሎ ትልሚ ዕላዊ ገይሩ።

እዚ ማዕርነት ጾታን ውሕስነትን ንምብትብባዕ ዝወሃብ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፤ ናይ ገንዘብ ክፍሊት'ውን ዝሓውስ እዩ ተባሂሉ።

ጎረቤታ ሃገረ ስዊድን፡ ንዝወለዱ ስብኣይን ሰበይትን ንሕድሕዶም 240 መዓልታት ዕረፍቲ ብምሃብ 'ለጋስ ሃገር' ተባሂላ እያ ትፍለጥ።

ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕናን ማሕበራዊ ጉዳይን ፊንላንድ፡ ኣይኖ-ካይሳ ፔኮነን፡ ርክብ ወለዲ ንምጥንኻር ካብ ዝስርሐሉ ጸኒሑ እዩ ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ሃገር ንኣዴታት ኣርባዕተ ወርሒ ንኣቦታት ድማ ክልተ ወርሒ ፍቓድ ዕረፍቲ እያ ትህብ።

ይኹን'ምበር ነቲ ዕረፍቲ ዝጠቀሙ ስብኡት ብማእኸላይ ካብ ኣርባዕተ ሓደ ጥራሕ እዩ።

ወለዲ ካብቲ ዝወሃቦም ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክሳብ 69 ዝኣክል ከመሓላልፉ ይኽእሉ ነይሮም።

ነፍሰጹራት ድማ ናይ ሓደ ወርሒ ደመወዝ ተወሳኺ ከም ዝወሃበን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪና ፡ ኣብ ሃገራ ማዕርነት ጾታ ንምርግጋጽ ብዙሕ ዝተርፍ ስራሕቲ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዛሪባ።

"ወለዲ ምስ ደቆም ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ሓቢሮም ዘሕልፍዎ ግዜ ብጣዕሚ ንኡስ እዩ" ክትብል ድማ ወቒሳ።

ፊንላንድ እትርከበን ኖርዲካ ተባሂለን ዝጽወዓ ሃገራት ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ብምሃብ ብቐዳምነት ዝጽዋዓ ኾይነን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀረባ እዋን ንወለዲ ኣርባዕተ ወርሒ ዕረፍቲ ንምሃብን፡ እቲ ክልተ ወርሒ ናብ'ቲ ስሩዕ ናይ ዓመት ዕረፍቲ ዘይዛወር ክኸውን ወሲና እያ።

ፖርቹጋል ጾታ ዘይፈሊ ስርዓት ዘለዋ ኾይና፡ ንስብኣይ ሰበይትን ሕድሕዶም ኣርባዕተ ወርሒ ዕረፍቲ ከምኡ'ውን እንተደልዮም ምስ 80 ሚኢታዊ ደመወዞም ተወሳኺ ሓደ ወርሒ ዕረፍቲ ክወጽኡ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ፊንላንድ ሕድሕዶም ብደቂኣንስትዩ ዝምርሑ ኣርባዕተ ውድባት ጥምረት እያ ትምራሕ።

እዚ ሕዚ ዝተገብረ ለውጢ፤ ነታ ሃገር 110 ሚልዮን ዶላር ክተውጽእ ከምዝሓታ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ስዊዲን፣ ኖርዌይ፣ አይስላንድ፣ ኢስቶኒያን ፖርቱጋልን ን ስድራ ዝስማማዕ ፖሊሲ ብምውጻእ ብዩኒሴፍ ኣፍልጦ ተዋሂቡወን እዩ።