ከም ፎጣ ተጠቕሊሉ ብነፋሪት ካብ ጃፓን ዘምለጠ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን

ካርሎስ ጎሰን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቢቢሲ ንሚስተር ካርሎስ ጎሰን ሓቲትዎ፤ ከም ኣቕሓ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺግኻ ምኻድ ኣይጨንቕን።

ካርሎስ መሊሱ። "ኣብ ህይወተይ እቲ ዝነውሐ ግዘ መዓስ ምዃኑ ትፈልጥ? ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺገ ናብ ውሺጢ ነፋሪት ድሕሪ ምእታወይ እዩ። እታ ነፋሪት ክሳብ ትለዓል ዝነበራ 30 ደቓይቕ ኣብ ህይወተይ እቲ ዝነወሐን ዘሻቕልን ግዘ እዩ። ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ሰዓት ኣሕሊፈ ኣይፈልጥን"

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2019 ፍርቂ ለይቲ ቅድሚ ምብፅሑ እዩ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሳንዱቕ ይዕሸግ ኔሩ።

እቲ ሳንዱቕ ኣብ ውሽጢ ካርጎ ዝፀዓን እዩ። ብፕላስተር ከረው ኢሉ ተኣሰረ። መብዛሕትኡ ግዘ እዚ ፀቢብ ሳንዱቕ መሳርሕታት ሙዚቃ ተፃዒኖም ዝውሰድሉ እዩ።

እዚ ሰብኣይ ብኸመይ ኣብዛ ፀባብ ሳንዱቕ ኩርምይ ኢሉ ክኣትው ከምዝኸኣለ፡ እንድዒ።

እታ ነፋሪት ካብ ጃፓን ቶክዮ ቁሩብ ውፅእ ኢሉ ካብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ሰዓት 5፡00 ናይ ምሸት እያ ትለዓል።

ኣብ ጃፓን ንካርሎስ ኩሉ እዩ ዝፈልጦ። ምናልባት ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቀፂሉ ዝፍለጥ ገፅ እንተሃለወ፡ ናህቱ እዩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኒሳን እዩ። ናይ ኒሳን ጥራሕ ኣይኮነን፡ ናይ ፈረንሳይ ፋብሪካ መኪና ዝኾነ ሬኖ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ኔሩ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ብሽርሒ ፖለቲካ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ዓመታዊ መሃያኻ ሓቢእኻ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

ኣብዚ እዋን ጥምረት ኒሳን፣ ሬኖን ሚስቲቡሺን ናይ ዝኾነ ትካል መኻይን ኣካያዲ ስራሕ ኔሩ።

ንሱ፡ መንግስቲ ጃፓን ብሽርሒ ፖለቲካ ክኣስረኒ ደልዩ ይብል። ነዚ ድማ እዩ፡ ካብታ ሃገር ዘምልጥ ዘሎ።

ሚስተር ካርሎስ ወፃኢ ብምንካይ፡ ንመኪና ኒሳን ኣትራፋይ ጌርዎ እዩ። ፈረንሳዊ ፋብሪካ መኪና ሬኖ፡ 45 ሚእታዊት ብፅሒት ኒሳን ክወስድ ኣኽኢሉ ኔሩ።

ሕዚ'ውን ሬኖ፡ ፍርቂ ብፅሒት ኒሳን ምስሓዘ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ ሚስተር ካርሎስ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ምብስባስ ክሃድም ደልዩ።

ብዜግነት ሊባኖሳዊ እዩ፤ ክሃድም ደልዩ ዘሎ'ውን ናብ ሊባኖስ እዩ።

ኣብ ሃገረ ጃፓን ኣዝዩ ዝተኸበረን ስሙይ ስም ዘለዎን ሚስተር ካርሎስ፡ ኣብ ሓንቲ ሳንዱቕ ውሽጢ ተጠቕሊሉ ኣትዩ ከምልጥ ኢሉ ዝሓሰበ መን ኔሩ?

ሓቂ እዩ፡ ቅድሚ እዚ ንሓደ ዓመት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩርን ብስሩዕ ማእሰርትን መከራ ርእዩ እዩ።

እንተኾነ እዚ ልዑል ክብሪ ዝተጎናፀፈ ሰብ፡ ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ክወፅእ ኢሉ፡ መን ሓሲብዎ?

ንሓደ ዓመት ዝተኣሰረ ሚስተር ካርሎስ፡ መዝገብ ክሱ ኣይተዓፀወን፤ ብዋሕስ እዩ ካብ ማእሰርቲ ወፂኡ።

ከይዲ መዝገብ ክሱ ንዓመታት ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣፍሪሕዎ። ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ን 15 ዓመታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክለምስ እዩ።

ኣብ ጃፓን ድማ ዝኾነ ተጠርጣሪ ገበነኛ ናይ ምብሃል ዕድሉ 99.4 ሚእታዊት እዩ።

ስለዚ ዝኾነ ድማ ካርሎስ ወሲኑ።

15 ዓመት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ዝብስብስ፡ ንምንታይ 15 ሰዓታት ናይ ሞትን ሕውየትን ኣይገብርን ኢሉ ቆሪፁ።

ግና 15 ሰዓታት ዝወስድ'ውን ኣይነበረን። ካብ ጃፓን ቶክዮ ክሳብ ሊባኖስ ናይ ክንደይ ሰዓት በረራ እዩ?

እቲ ዘሻቕል ነገር እኮ እቲ ጉዕዞ (በረራ) ኣይኮነን ይብል፡ ካርሎስ። እቲ ዘሻቕል፡ ቅድሚ እቲ በረራ ነፋሪት ዘሎ ተፍትሽ እዩ።

እቲ ዘጨንቕን ካብ 15 ዓመታት ህይወት ማእሰርቲ ዘይንእስ ዘሎ ራዕዲ፡ እታ ነፋሪት ክሳብ ትለዓል ዘሎ ግዘ እዩ።

ጎይታ መኻይን፡ ኣቦ ኒሳን ናይ ካርሎስ መወዳእታ ሰዓት

እቲ ስሙይ ካርሎስ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንከሎ ምስ ዝፈትዋ በዓልቲ እንድኡ ክራኽብ ከምዘይኽእል ተነጊርዎ።

ኣብዚ ግዘ እዩ እምበኣር፡ ብትኽክል ሓደ ጅግንነት ክፍፅም ከምዘለዎ ንባዕሉ ዘእመነ ።

እዚ መከረኛ ገፀይ እዩ፡ ፀገም ኮይኑኒ እዩ ዝብል ካርሎስ። ናይ ካርሎስ ጎሰን ገፅ ፍሉጥ እዩ። ዝኾነ ይኹን ጃፓናዊ እዩ ዝፈልዮ። ስሙይ ምዃን እዚ እዩ ፀገሙ።

እሞ ድኣ ነዚ ስሙይ ገፅ ሒዝካ ከመይ ሾሊኽካ ምምላጥ ይከኣል?

"ከምልጥ እንተደልየ ኣብ ውሽጢ ባልጃ ክቑለፍ እግባእ። ወይ ድማ ባልጃ ኣብ ዝመስል ሳንዱቕ ውሽጢ። ካልች ኣማራፂ ኣይነበረን"፡ ባልጃ ወይስ ሳንዱቕ እናበለ ከማርፅ ጀሚሩ። ሳንዱቕ ወይስ ሳንጣ፡ ሳንጣ ወይስ ሳንዱቕ?

ሳንዱቕ ይሕሽ። ንምንታይ?

"ምኽንያቱ፡ እቲ እዋን ኣብ ጃፓን ብዙሓት ምርኢታት ሙዚቃ ዝካየድሉ ግዘ እዩ ኔሩ። ብዙሓት ድምፃውያን ጊታሮም፣ ከበርኦምን ካልእን ዘቐምጥሉ ሳንዱቕ ኣሎ። እዚ ሳንዱቕ ንዓይ ጠቕሊሉ ከእቱ ዝኽእል እዩ። ንሱ ዝሐሸ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል ካርሎስ።

ቀፂሉ ዝመፀ ፈተና ድማ፡ ኣብ ናይ ገዛ መሓዩር ዝነበረ ሰብ ክሳብ መዕርፎ ነፈርቲ ብኸመይ ተሓቢኡ ምምላጥ ይኽእል ዝብል እዩ።

ሚስተር ካርሎስ፡ ዕድመ ልክዑ ብኽቡር ሱፍ እዩ ከብረቕርቕ ነቢሩ። ቀዳማይ፡ ሃፍታም እዩ፤ ካልኣይ ድማ ስሙይ እዩ። ኣይኮነን ኣብ ጃፓን ኣብ ካልእ ዓለም'ውን ዝኾነ እዩ ዝፈልጦ።

ስለዚ ክቕየር ግድን ኔሩ። ተራ ጅንስን ካናቲራን ተኸደነ። ልባስ ክዳን ካብ ዝሽየጠሉ ዕዳጋ፡ ጅንስን ካናቲራን ዓዲጉ ተኸደነ እሞ፡ ነቲ ዘይድፈር፡ ደፈረ።

ብድሕሪኡ፡ እቲ ዋና ተወሳኦ ተጀመረ።

ካብ መንበሪኡ ቶክዮ ተበጊሱ፡ ከም ንፋስ ብዝሕንበብ ባቡር፡ ናብ ሶሳካ ኸደ። ኣብ ኦሳካ መዕርፎ ነፈረቲ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ'ውን ሓንቲ ናይ ውልቀ ነፋሪት ትፅበዮ ኣላ።

ናብታ ነፋሪት ቅድሚ ምእታዉ ግና፡ ናብ ሓደ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ሆቴል ክኸድ ኣለዎ።

ኣብቲ ሆቴል እዩ፡ ናህቱ ሳንጣ (ባልጃ) ዘሎ። ኣብኡ እዩ ናህቱ ሳንዱቕ ዘሎ። ክዳን ዝሕዘሎ ግን ኣይኮነን። ሚስተር ካርሎስ ዝኣትወሉ ሳንጣ እምበር።

"ሓንሳእ ናብቲ ሳንጣ ተኾርሚኻ ምስ ኣተኻ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈን መፃእን ምሕሳብ ደው ተብል ኢኻ። ስለ እታ ፃት ንሳ ጥራሕ ኢኻ ትሓስብ" ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።

ሚስተር ካርሎስ ናብቲ ሆቴል ክኣቱ'ምበር ክወፅእ ኣይተርኣየን። ንሱ ካብ ዝኣተወሉ ሆቴል፡ ካልኦት ክልተ ሰባት (ኣቦን ወድን)` ሳንጣን ካልእ ናይ ሙዚቃ መሳርሕን ተሸኪሞም ክወፅኡ ግና ተራእዮም።

እዞም ኣቦን ወድን ማይክልን ቴለርን ይበሃሉ። ድምፃውያን ኢና ኢሎም እዮም፡ ናብታ ነፋሪት ክስቀሉ። ስሙያት ድምፃውያን ኢና ኢሎም እዮም፡ ናይ ውልቀ ነፋሪት (ጄት) ከብርሩ።

"ብጠቕላላ፡ ንኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ከምዝፀናሕኩ እየ ዝግምት። እንተኾነ ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝፀናሕኩ እዩ መሲሉኒ" ይብል ካርሎስ።

ዝኾነ ኮይኑ፡ እታ ናይ ውልቀ ነፋሪት (ጄት) ኣብ ሰዓታ ተበጊሳ ክትበርር ተፈቒዱላ። ሙሉእ ለይቲ በሪራ፤ ፈለማ ኣብ ቱርኪ ዓሪፋ። ብድሕሪኡ፡ እቲ ሳንዱቕ ብኻልእ ነፋሪት ናብ ሊባኖስ በሪሩ።

ንርእሶም ከም ድምፃውያን ኣምሲሎም፡ ንሚስተር ካርሎስ ከም ፎጣ ብሳንዱቕ ጠቕሊሎም ብውልቀ ነፋሪት ከምልጥ ዝገበሩ ኣቦን ወድን ማይክል ቴይለርን ወዱ ፒተር ቴይለርን፡ ብሃገሮም ኣሜሪካ ንጃፓን ተመሓላሊፎም ተዋሂቦም።

ገበነኛታት ኮይኖም ስለዝተረኸቡ ድማ፡ ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ይፅበዮም።

ጎይታ ኒሳን፣ ሬኖን ሚስቲቡሺን ካርሎስ ግና፡ ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ሊባኖስ ተኸቢሩ፡ ናብርኡ ቀፂሉ ኣሎ።

እታ ከም ፎጣ ተጠቕሊላ ዝመፀላን፡ ህይወቱ ዘድሓነትን ሳንዱቕ'ከ ኣበይ ትህሉ?