ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ጉዳይ ሞት ኣብ ዕደና ኮባልት ደሪ ኮንጎ ዝተዋፈሩ ሰባት ተኸሲሰን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ደቆም ኣብ ዕደና ዝተዋፈሩ ስድራቤታት ወኪሉ ዝቐረበ ክሲ፡ ኣፕል፡ ጉግል፡ ተስላን ማይክሮሶፍትን ዝርከብወን ዓበይቲ ትካላት ኣብ ሞትን መቑሰልትን ኣብ ዕደና ዝተዋፈሩ ህጻናት ተሓተትቲ ምዃነን ከሲሱ።
እቲ ክሲ ን14 ስድራቤታት ብዝወከለ ትካል ዓለምለኻዊ ተሓለቕቲ መሰላት እዩ ቀሪቡ።
እተን ኩባንያታት ኣብ ፍርያተን ዝጥቀማሉ ኮባልት ዝተባህለ ማዕድን ምስ ምውፋር ህጻናት ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ከም ዝፈልጣ እቲ ክሲ የመልክት።
ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 60% ጠለብ ኮባልት ዓለምና ተቕርብ።
እቲ ማዕድን ንናይ ኤለክትሪክ መካይን፡ ላፕቶፕን ስማርስፎንን ዝኸውን ሊትየም-ኣየን ዝተብሃለ ባትሪ ንምስራሕ የገልግል።
እንተኾነ ግና፡ እቲ መስርሕ ዕደና፡ ምስ ዘይሕጋዊ ዕደና፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብልሽውናን ከም ዝተኣሳሰር ይግለጽ እዩ።
እተን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ እቲ ዝጥቀማሉ ኮባልት ምስ ጉልበት ዕዮ ህጻናት ክተኣሳሰር ከም ዝኽእል "ንጹር ሓበሬታ" ከም ዝነበረን እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ የመልክት።
እተን ኩባንያታት ግና ነዚ ንምትዕርራይ ኣብ ክንዲ ዝሰርሓ፡ ካብቲ ምዝመዛ ጥራይ ክርበሓ ከም ዝጸንሓ እቲ ክሲ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ካልኦት ኣብቲ ክሲ ተጠቒሶም ዘለው ኩባንያ መፍረ ኮምፕዩተር ዴል፡ 'ዚጅያን ሃዮው ኮባልት' ከምኡውን እቲ ነቲ ደቂ እቶም 14 ስድራቤታት ኮንጎ ዝሰርሑሉ ናይ ዕደና ስፍራ ዝውንን ግለንኮር እዮም።
ግለንኮር ንጋዜጣ ቴለግራፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ዝኾነ ብኢደጥበብ ዝወጸ ማዕድን፡ ከም ዘይዕድግ፡ ከም ዘየመስርሕን ዘይሸይጥን" ሓቢሩ፤ ወሲኹ'ውን ዝኾነ ዓይነት ምውፋር ህጻናት ኣብ ዕዮን ግዱድ ዕዮን ከም ዘይጻወር ገሊጹ።
ቢቢሲ ካብ ጉግል፡ ኣፕል፡ ዴል፡ ተስላን 'ዚጅያን ሃዮው ኮባልትን' ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







