ቴክኖሎጂ፡ እዋናዊ ኩነታት ስምዒትካ ንሓለፊኻ ዝሕብር ኣብ ጉምቦ ኢድካ እትእሰር መሳርሒ

ምንጪ ስእሊ, Moodbeam
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ እትሰርሑሉ እዋን ትርግታ ልብኹም እትከታተል ሰዓት ኣብ ጉምቦ ኢድኩም ትኣስሩ ትኾኑ።
እታ ሰዓት ምስ ቴሌፎንኩም ብብሉቱዝ ብምርኻብ፡ ስጉምትኹም ብምፍቃድ ክንደይ ኪሎሜተር ከምዝተጓዓዝኩም ትሕብረኩም።
እዚ ሕጂ እነላልየኩም፡ ኣብ ጉምቦ ኢድኩም ዝእሰር ብፕላስቲክ እተሰርሐ ኣምባር ምስ ሞባይልኩም ኣብ ዝራኸብ መተግበሪ ንጥፈታት (ኣፕስ) ብምርኻብ መልእኽቲ የመሓላልፍ።
እቲ 'ሙድቢም' ዝተባህለ ኣምባር ፕላስቲክ ቴክኖሎጂ ግን ንኣካላዊ ጥዕናኹም ዝከታተል ኣይኮነን። የግዳስ ንሓለቓኹም (ወሃቢ ስራሕኩም) እዋናዊ ስምዒታትኩም፣ ሓጎስኩም፣ ሕርቃንኩም፣ ባህታኹምን ቀጨውጨውኩምን እዩ ዝሕብር።
እቲ መሳርሒ ቢጫን ሰማያውን ሕብሪ ዘለዎ ክልተ መላጉም ኣለዎ።
ስለዚ፡ ሕጉሳት ምህላውኩም ክትገልጹ እንተደሊኸዑም ነታ ቢጫ መልጎም ትጥውቑ። ሕጉሳት እንተዘይኮይንኩም ከኣ ነታ ሰማያዊ መልጎም ትጥውቑ።
ወሃብቲ ስራሕ ኩባንያታት ብኸምዚ ምኽንያት ጥዕና ናይቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ገገዝኦም ኮይኖም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቶም ክከታተሉ ይኽእሉ።
ከምኡ ዓይነት ሓበሬታ ንኽተሓላለፍ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ 'ሙድቢም' ዝተባህለ ፕላስቲክ ኣምባር ኣብ ጉምቦ ኢዶም ክኣስሩዎ ኣለዎም። ኣይፋል ክብሉ'ውን ይኽእሉ እዮም። እቶም ፍቓደኛታት ከኣ ኩነታቶም ክሕብሩ እንተደልዮም ንሓንቲ ካብተን መላጉም ይጥውቑ።
ብድሕሪኡ እቶም አሕሉቕ ሰራሕተኛታቶም ከመይከምዘለው ኣብ ኢንተርነት የንብቡ።

ምንጪ ስእሊ, Christina Colmer McHugh
በዚ መሰረት፡ 'ሙድቢም' ኣብ ሞንጎ እቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ብኣካል ክራኸቡ ዘይኽኣሉ ሰራሕተኛታት ሓለፍትን ንዘሎ ክፍተት ክመልእ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።
"ብዙሓት ትካላት ምስቶም ካብ ገዝኦም ኮይኖም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታቶም ክራኸቡ ይደልዩ። ቴሌፎን ከይደወሉ ከኣ በዚ ምህዞ'ዚ ድሕነት 500 ኣባላት ክፈልጡ ይኽእሉ" ትብል ተሓባባሪት መስራቲት ሙድቢም ክሪስቲና ኮልሜር።
ጓላ ብትምህርቲ ክትጽገም ዝረአየታ ክሪስቲና ኮልሜር፡ ውላዳ ኣብ በብእዋኑ ዝህልዋ ስምዒት ክትሕብራ እትኽእለሉ መገዲ ንኽትደሊ ክትብል እያ ነዚ ነገር እዚ ምሂዛቶ።
እዚ ኣብ ምናት ኢድ ዝእሰር ኣምባር መሐበሪ ኩነታት ስምዒት ብ2016'ዩ ናብ ዕዳጋ ዓለም ወሪዱ። እንተኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሓሳባት ኣይተቐበሉዎን ትብል ኮልሜር።
ብዙሓት ቖልዑትን ኮተቴን እኳ ነታ ኣብ ጉምቦ ኢድካ እትእሰር ኣምባር ጠዊቖም 'ከምዚ ንኸውን ኣለና ኢሎም' ንስድርኦም ንምሕባር ፍቓደኛታት ኣብ ዘይኮኑሉ ኩነታት፡ ሰራሕተኛታት ግዳ ክሳብ ክንደይ ድሉዋት ይኾኑ?
ኮልሜር፡ ነዚ ቴክኖሎጂ ናብ ተጠቀምቲ ከነተኣታትዎ ክንፍትን እንከለና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ "ሰባት ኩነታቶም ክፍለጡ ከም ዘይደልዩ ኢና ተረዲእና" ኢላ።
ኣብዚ እዋን፡ 'ቻሪቲ ብሬቭ ማይንድ' ዝተባህለ ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከብ ሓደ ትካል፡ ነዚ ቴክኖሎጂ ክጥቀም ጀሚሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰራሕተኛታት ብጭንቀትን ቃዝኖትን ብዝፍጠር ንዝህላል ከምቲ ዝግባእ ስለዘየፍርዩ፡ ኣብ ቁጠባ ዓለም ናይ ሓደ ትሪሊየን ዶላር ክሳራ ከምዝሰዓበ የረድእ።
ንነዊሕ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝህሉ ኩነታት ጥዕና ኣእምሮ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑ።
ለበዳ ኮቪድ-19ን ብድሕሪኡ ዝተኣታው ስጉምታት ዕጽዋን ካብ ገዛ ምስራሕን ዝኣመሰለ ሓድሽ ባህሊ ድማ ነቲ ኩነታት ኣጋዲዱዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 'ማይንድ' ዝተባህለ ትካል ገባሪ ሰናይ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር፡ ናይ መጀመርታ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ፡ ጥዕና ኣእምሮ 60 ሚኢታዊት ኣባጽሕ ከምዝተቓወሰ ይሕብር።
'ኢምፕሎይመት ሂሮ ሶፍትዌር' ዝተሰምየ መተገበሪ መሳርሒ ብዘካየዶ ዳህሳስ ከኣ፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ኣስታት ርብዒ ኣፍራይ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ናእሽቱን ማእከሎትን ትካላት ብሪጣኒያ ዚያዳ ሓገዝ ጥዕና ኣእምሮ ዝሓተትሉ እዋን እዩ ይብል።
ብምኽንያት እዚ ለበዳ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝምለሰሉ እዋን ገና እዩ።
ብርክት ዝበሉ ትካላት ቴክኖሎጂ፡ ኩባንያታት፡ ስምዒታት ጥዕና ሰራሕተኛታቶም ዝከታተልሉ መገዲ ከመቻችኡ ይጽዕሩ ኣለው።
ሰባት ካብ ገዝኦም ምስራሕ ዝቕጽሉ እንተኾይኖም ድማ፡ " ወሃብቲ ስራሕ ንጥዕና ኣእምሮ ሰራሕተኛታቶም ቐዳምነት ክህቡ ኣለዎም" ክብል ገባሪ ሰናይ ጥዕና ኣእምሮ 'ማይንድ' ይመክር።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







