ቴክኖሎጂ፡ ሳተላይት ኢንተርኔት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብደረጃ ትካላት ይኹን ውልቀሰባት ሳተላይት ኢንተርኔት ዝጥቀሙ ከምዘለዉ ሰሚዕና ክንኸውን ንኽእል ኢና። 'ብዘይኣፍልጦን ፍቓድን ትካል ቴሌኮም ሳተላይት ኢንተርኔት እናተጠቐሙ ስለዝተረኸቡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም' ዝብል ዜና እውን ብተመሳሳሊ። ንምዃኑ ሳተላይት ኢንተርኔት እንታይ እዩ?
ኣብዚ ዛዕባ ምስ ደራሲ መጽሓፍ "ግርምተ ሳይቴክ"ን ዋና ኣቕራቢ ፕሮግራም ቴሌቪዥን 'ቲክቶክ'ን ሰሎሞን ካሳ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝገበርናዮ ሓጺር ቃለ-መሕትት እነሆ፡
ቢቢሲ ፡ ሳተላይት ኢንተርኔት እንታይ እዩ?
ሰሎሞን፡ ሳተላይት ኢንተርኔት ቴክኖሎጂ ማለት ልክዕ ብዳያል ኣፕ፣ ብብሮድባንድ፣ ፋይበር ኦፕቲክስ ወይ ካልእ መገዲ እንረኽቦ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከቕርበልና ዝኽእል ኣማራጺ እዩ።
ብ'ላንድላይን' ማለት እቲ ብመስመር ወይ ገመድ ኣቢሉ ዝዝርጋሕ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርኔት መብዛሕቴና ንፈልጦን ንጥቀመሉን ኢና። ሳተላይት ኢንተርኔት ግን ኣጀማምርኡ ካብቲ ሎሚ ንጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት ኣዝዩ'ዩ ዝፍለ።
ኣማራጺታት ኣብ ዘይርከበሉ ኩነታትን ብፍላይ ነቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምርካብ ኣብ ዘይከኣለሉ ቦታን ኣገልግሎት ንኽህብ ዝተፈጠረ ቴክኖሎጂ'ዩ።
ኣብ ህዋ ['ስፔስ'] ምስ ዝርከቡ ሳተላይታት ብምንባብ ተጠቀምቲ ድማ ኣብ ገዝኦም ወይ ትካሎም ዲሽ ብምትካል ምስቶም ኣብ መሬት ዘለዉ 'ኔትወርክ ኦፕሬቲንግ ሴንተር' ከምኡ'ውን 'ቴሌፖርት' ዝባሃሉ ተዋዲዶም ነቲ ኣገልግሎት ይህቡ።
ብጥምረት እዞም ሰለስተ ነገራት ኣቢሉ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘብጽሕ ቴክኖሎጂ እዩ። እዚ 'ቪሳት' [VSAT: Very small aperture terminal] ይበሃል። ብኸምዚ'ዩ ሳተላይት ኢንተርኔት ዝሰርሕ።
ቢቢሲ፡ ብሮድባንድን ካልኦት ኣማራጽታትን ኣብ ዘለዉሉ ጊዜ ስለምንታይ ሳተላይት ኢንተርኔት ምጥቃም ኣድልዩ?
ሰሎሞን፡ ንኣብነት ኣነ ኣብ ገዛይ ጽቡቕ ዝኾነ ኣገልግሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ኣለኒ። ስለዚ ሳተላይት ኢንተርኔት ምጥቃም ኣየድልየንን። ምኽንያቱ ቀዳማይ ነገር ዋግኡ ክቡር'ዩ። ቅልጣፍኡ (ፍጥነቱ) ከኣ ካብ ብሮድባንድ ኮነ ካልኦት ዝተሓተ እዩ። ንኽትገጣጥሞ ዘድልዩ ናውቲ'ውን ኣብ ርእሲኡ ተወሲኾም ረብሕኡ ብዙሕ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ድልየትን ዕላማን እቲ ተጠቃሚ እዩ ዝድረኽ።
ቢቢሲ፡ ምናልባሽ ምስ መረዳእታን ድሕነትን ብዝተሓሓዝ ረብሓ'ዶ ይህልዎ?
ሰሎሞን፡ ሳተላይት ኢንተርኔት ምስ ድሕነት ሳይበር ('ሳይበር ሰኩሪቲ') ሓቢሩ ዝለዓል ነገር'ዩ። ብመንጽር ድሕነት መረዳእታ እንተሪኢናዮ ድማ ሳተላይት ኢንተርኔት ካብቲ ዋና ናይ ኢንተርኔት ትሕተ-ቕርጺ (መሰረተ ልምዓት) ዝወጸአን ነብሱ ዝኸኣለን ስለዝኾነ ምናልባት ምቁጽጻር ዝከኣለሉ ኩነታት ዝነኣሰ ክኸውን ከምዝኽእል ግምት ኣለኒ።
ቢቢሲ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ሳተላይት ኢንተርኔት ክጥቀም ስለዝደለየ ጥራይ ክጥቀመሉ'ዶ ይኽእል?
ሰሎሞን፡ እዚ ነገር ምስ ሕጊ ሃገራትን ኣጠቓቕማ ቴሌኮምን ዝተሓሓዝ'ዩ። [ውልቀሰባት ወይ ትካላት] ነዚ ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ግን መንግስቲ እታ ሃገር ክፈልጥ ኣለዎ። ምኽንያቱ ምስ ድሕነት ሃገርን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ዝተሓሓዝ ስለዝኾነ።
እቲ ስሩዕ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ዝቋረጸሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ ትካላት ናይ ስራሕን ፋይናንሳዊ ኩነታትን ጽልዋ ከሕድር ስለዝኽእል ግን ነዚ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ እንተደልዮም፡ ነታ ሃገር ምስዘመሓድር ኣካል ተዘራሪቦምን ፍቓድ ረኺቦምን ዝቕጽሉሉ ኩነታት ክህሉ ከምዝኽእል እሓስብ።
ነቲ ቴክኖሎጂ ስለዝሓዝካ ጥራሕ 'ኢንተርኔት ኣለኒ' እናበልካ ምጥቃም ዝበሃል ነገር የለን። ግድን ብስርዓት ፍቓድ ክሓልፍ ኣለዎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







