ኢንተርኔት ኣፍሪቃ፡ ኣየኖት ሃገራት ኣፍሪቃ እየን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዝዓጽዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምቁራጽ ማሕበራዊ መራኸብታት ፌስቡክ፣ ትዊተር ወይ ዋትሳፕ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኣፍሪቃ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።
እዚ ዝኸውን ከኣ መንግስታት እተን ሃገራት ኮነ ኢሎም ኣገልግሎት ኢንተርኔት ወይ ነቶም ማሕበራዊ መራኸብታት ብምዕጻዎም እዩ።
ሎሚ ሓሙስ 14 ጥሪ 2021 መረጻ ክተካይድ ዘላ ኡጋንዳ ኣብ ቀረባ ነቲ ተግባር ካብ ዝፈጸማ ሃገራት ኮይና ትጥቀስ።
ተጣበቕቲ መሰላት ዲጂታል ኣገልግሎታት እዚ ተግባር ምምያ ምዃኑ ይገልጽዎ። መንግስታት ግን ጸጥታ ንምውሓስ ዝውሰድ ስጉምቲ ይብልዎ።
እቲ ምዕጻው ብኸመይ ይፍጸም?
መንግስቲ ንኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ትእዛዝ ብምሃብ ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ክቋረጾም ወይ ክዕጸዎም ክገብር ይኽእል።
ዝበዝሕ እዋን ነቶም ብዙሓት ሰባት ዝጥቀሙሎም ማሕበራዊ መራኸብታት'ዮም ክዕጸዉ ዝገብሩ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለዓለ ውሳነ ክበጽሑ ከለዉ ድማ እቶም ኣቕረብቲ ንኣገልግሎት ኢንተርኔት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽውዎ ይእዝዝዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣየኖት ሃገራት እየን ነቲ ኣገልግሎት ዝዓጽዋ ኣለዋ?
ኣብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ልሙድ እናኾነን እናወሰኸን ይመጽእ ኣሎ።
ኡጋንዳ - ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንኹሎም ማሕበራዊ መራኸብታትን መልእኽቲ ንምጽሕሓፍ ዘገልግሉ መተግበርታትን ክዓጽዉ ከምዝኣዘዘት ይፍለጥ።
ቅድሚ ሎሚ'ውን እንተኾነ ተጠቀምቲ በቶም መተግበሪታትን ማሕበራዊ ገጻትን ክጥቀሙ ይጽገሙ ምንባሮም ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ታንዛንያ - ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዘካየደቶ መረጻ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓጽያ ነይራ።
ኢትዮጵያ - ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ምዕጻው ኢንተርኔት ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።
ዚምባብወ፣ ቶጎ፣ ቡሩንዲ፣ ቻድ፣ ማሊን ጊኒን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎታት ኢንተርኔትን መተግበሪታት ማሕበራዊ መራኸብታትን ክዕጾ ገይረን።
ኣብ 2019 ጥራይ ብኽፋል ወይ ምሉእ ምቁራጽ ኢንተርኔት 25 ጊዜ ተመዝጊቡ። ኣብ 2018 ን 20 ጊዜ ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ን 12 ጊዜ ምቁርራጽ ከምዝተመዝገበ ጸብጻብ 'ኣክሰስ ናው' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ጉጅለ የመልክት።
ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝብሎ፡ ቤኒን፣ ጋቦን፣ ኤርትራ፣ ላይበሪያ፣ ማላዊ፣ ሞሪታኒያን ዚምባብወን እውን በዚ ተግባር ከምዝግለጻ ሓቢሩ'ሎ።
እዚ ተግባር ኣብ ምሉእ ዓለም እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ጉጅለ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንገለ ከባቢ ወይ ጉጅለታት ዝዓለመ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እቲ ሃሰያ ግን ኣብ ምሉእ ሃገር ከምዝኸውን ኣረዲኡ።
ኣብ 2019 ካብ ዘጋጠሙ 25 ምዕጻው ኣገልግሎት እቶም 21 ንምሉእ ወይ ንዝበዝሕ ክፋል እተን ሃገራት ዝጸለዉ ነይሮም።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ጥራይ ንገለ ክፋል ዘነጻጸረ ምዕጻው ገይረን ምንባረን እቲ ጉጅለ ይሕብር።
"እዚ ከኣ እቶም ዘጋጥሙ ምዕጻው ኣገልግሎት ብቑጽሪ ጥራሕ ይውስኹ ኣለዉ ማለት ዘይኮነስ ብመጠን እናሰፍሑን ንብዙሕ ህዝቢ ኣፍሪቃ ይጸልዉን ከምዘለዉ የርኢ" ይብል ዘይመንግስታዊ ጉጅለ።
'ኣገልጋሊ ኣይተረኸበን [ሰርቨር ኖት ፋውንድ]'
ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከባ ወሃብቲ ኣገልግሎት ነዚ ዘቕርብኦ ኣገልግሎት ከቋርጻ መምርሒ ዝወሃበን ካብ መንግስታት ከምዝኾነ ይፍለጥ።።
እቲ ሓደ መዓጸዊ መገዲ ከኣ ን ዩኣርኤል [URL] መሰረት ዝገብር ምዕጻው'ዩ። እዚ መገዲ ሰባት ንገለ ዝተኣገዱ ገጻት ከይረኽብዎም ዘጻሪ እዩ።
ነዞም ገጻት ክረኽቡ ዝፍትኑ ሰባት 'ሰርቨር ኖት ፋውንድ' ["server not found"] ወይ ድማ 'እዚ ገጽ ብተቖጻጻሪ ኔትወርክ ተዓጽዩ'ሎ' ["this site has been blocked by the network administrator"] ዝብል መልእኽቲ ይበጽሖም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ካልእ መገዲ ከኣ 'ትሮትሊንግ' [throttling] ማለት ንዋሕዚ ምቁጽጻር ብዝብል ይፍለጥ።
እዚ ሜላ ናብቶም ሰባት ክበጽሕዎም ዘይተደለዩ ገጻት ዝህሉ ዋሕዚ ተጠቀምቲ ክንኪ ዝግበረሉ እዩ። ተጠቀምቲ ነቲ ገጽ ክኸፍቱ ከለዉ ቀልጢፉ ከይመጽእ ብምግባር ወይ ብምድኻም ከይጥቀምዎ ይገብር።
በዚ ምኽንያት ከኣ ሰባት፡ እቲ ገጽ ኢንተርኔት ስለዝደኸመ ድዩ ቀልጢፉ ዘይከፍተሎም ዘሎ ወይስ ኮነ ተባሂሉ ክዳኸም ስለዝተገበረ ንዝብል ክግንዘቡ ኣይክእሉን።
ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ከኣ እቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ምሉእ ንምሉእ ነዚ ዝህብዎ ኣገልግሎት ክዓጽውዎ ዝግበረሉ መገዲ እዩ።
ወሃብቲ ኣገልግሎትከ 'ኣይፋል' ክብሉ ይኽእሉ'ዶ?
መንግስታት ኣብ ኢንተርኔት ምምያ ንምክያድ ዝህልዎም ዕድል ምስቲ ነቶም ናይ ቴሌኮምዩኒኬሽን ኩባንያታት ንምቁጽጻር ዘለዎም ዓቕሚ ዝተሓሓዝ ይኸውን።
ትካላት ኣገልግሎት ኢንተርኔት ፍቓድ ስራሕ ዝወሃቦም ብመንግስታት ስለዝኾነ ቕጽዓትን ምፍራስ ውዕልን ከየጋጥሞም ክሰግኡ ግድን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኩባንያታት ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ'ኳ ዕድል እንተሃለዎም ነዚ ዝገብሩ ግን ውሑዳት እዮም።
ኣብ 2019 ቤት ፍርዲ ዚምባብወ መንግስቲ ኢንተርኔት ንኽዕጾ ዝሃቦ ትእዛዝ ውድቂ ብምግባር ናብ ኣገልግሎት ክምለስ ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።
ናይዚ ግብረመልሲ ድማ መንግስቲ ንኣግልግሎት ኢንተርኔት ምቁጽጻር ዘኽእሉ ሓድሽ መምርሒ ኣተኣታትዩ።
ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ እቲ ኣገልግሎት ዝደኸመ ምዃኑ ብምግላጽ ነቶም ኩባንያታት ክዓጽዉ ዝደልዩ መንግስታት ይረኣዩ።
ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ቴሌኮምዩኒኬሽን ብመንግስቲ ዝወነነለን ሃገራት ኢንተርኔት ምዕጻው ብቐሊሉ ዝፍጸም ተግባር ከምዝኾነ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይሬክተር 'ኢንተርኔት ሶሳይቲ' ዳዊት በቀለ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገልግሎት ኢንተርኔት መሊኡ እንተዘይዓጽዩ ሰባት ነቶም ብኽፊል ዝተዓጸዉ ሰጊሮም ኢንተርኔት ክጥወሙ ዝኽእሉሎም ኣማራጽታት ግን ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ኣማራጽታት ከኣ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝኾነ ሜላ 'ቪፒኤን' [ቨርቹዋል ፕራይቬት ኔትወርክ] እዩ። እዚ ሜላ ድማ እቶም ኣገልግሎት ወሃብቲ ኣብቶም ዝድለዩ ገጻት ወይ መተግበሪታት ንዝገብርዎ ገደብ ጥሒስካ ብምእታው ብሕቡእ እትጥቀመሉ እዩ።
መንግስታት ንቪፒኤን ክዓጽውዎ ክእለት እንተሃለዎም'ኳ፤ ሓቢሮምዎም ዝሰርሑ ናይ ደገ ዲፕሎማሰኛታትን ዓበይቲ ኩባንያታትን እውን ክጽለዉ ስለዝኽእሉ ግን ነዚ ክገብሩ ኣይመርጹን።
ገለ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ኣገልግሎታት ዝዓጽዉሉ ምኽንያት ከቕርቡ ከለዉ "ስኑዓት ዜናታት" ንምቁጽጻር ይብሉ።
ፍሉጣት ተንተንትን ተቓወምቲን ግን መንግስቲ ነዚ ኣማራጺ ዝወስድ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ጉጅለታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ንምቁጽጻር ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ይገልጹ።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ዋትሳፕን ፌስቡክን ብብዝሒ ከምዘነጻጸር የረድኡ።
"መንግስታት ኣብ እዋን መረጻን ብድሕሪኡን ኢንተርኔት ክዓጽዉ ዝደልዩሉ ምኽንያት ንተቓውሞታት ብምስጋእ እዩ" ይብል ዳዊት በቀለ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







