ኤርትራ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ክፍሊት ኢንተርነት ከም ዘለዋ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ካብ ዓለም ዝኸበረ ክፍሊት ኣገልግሎት ብሮድባንድ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና ኬብል ዩኬ ዝተብሃለ ትካል ምርምር ተጠቀምቲ ቴለኮም ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ብመሰረት እቲ ን206 ሃገራት ዓለም ዝዳህሰሰ መጽናዕቲ፡ ወርሓዊ ዝሓሰረ ኣገልግሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት እትህብ ሃገር እታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ሶርያ እያ።
ኣብ ሶርያ ወርሓዊ ዋጋ ኢንተርነት 6.60 ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ብማእከላይ ገምጋም 2,666.24 ዶላር (39,997.64 ናቕፋ) ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። በዚ መሰረት እቲ ኣብ መንጎ ዝሓሰረን ዝኸበረን ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ልዕሊ ናይ 400 ዕጽፊ ይኸውን።
ዩክረይን፣ ሩስያ፣ ሮማንያንን ቤላሩስን ንሶርያ ስዒበን ኣብቲ ዝርዝር ዝሓሰረ ወርሓዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ኣለዋ።
ሰለስተ ካብተን ሓሙሽተ ዝሓሰረ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ኣባል ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ኮይነን ኣለዋ።
የመን ብ2,466.67 ዶላር ወርሓዊ ክፍሊት፡ ድሕሪ ኤርትራ ዝኸበረ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለዋ ክትኸውን ከላ፡ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሞውሪታንያ ብ694.63 ዶላር ሳልሰይቲ፣ ብሩንዲ ብ283.73 ራብዐይቲ ይርከባ።
ከምኡ'ውን ኢኳቶርያል ጊኒ ብ 259.38 ዶላር ሓምሸይቲ፣ ታንዛንያ ብ 188.16 ዶላር ሻብዐይቲ፣ ሞዛምቢክ ድማ ብ 175.25 ዶላር ታሸዐይቲ ተሰሪዐን ኣለዋ።
ወርሓዊ ክፍሊት ብሮድባንድ ኢንተርነት ኢትዮጵያ 71.15 ዶላር ምዃኑ ዝገልጸ ጸብጻብ ኬብል ዩኬ ኣብ መበል 153 ኣቐሚጥዋ ኣሎ።
ኣብ መበል 119 ተቐሚጣ ዘላ ኣሜሪካ ንዓማዊል ወርሓዊ 50 ዶላር ብምኽፋል፤ ሓንቲ ካብተን ዝኸበረ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ኮይና ኣላ፤ ብመሰረት ጸብጻብ ኬብል ዩኬ።
ፓለቲካዊ ሃዋሁ፣ ድኹም ቁጠባን ህንጸት ትሕተ ቅርጽን ቀንዲ ምኽንያታት ምኽባር ናይቲ ኣገልግሎት ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ እተን ዝሓሰረ ኣገልግሎት ዘለወን ሃገራት፡ ብዙሕ ምቁርራጽን ድኹም ኣገልግሎትን ከም ዝረኣየለን ይሕብር።
ኣብቲ መስርዕ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ዘለዋ፡ ኣዝዩ ዝኸበረ ኣገልግሎት ዘለወን ሃገራት'ውን ኣብ ካልኢት ካብ 5ሜጋባይት ዘይበዝሕ ኣዝዩ ድኹም ቅልጣፈ ዘለዎ ኣገልግሎት ከም ዝህባ ኣገንዚቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







