ጃፓን፡ 'ክርስትያን መስቀል የሱስ ክርስቶስ ከረግጹ ይግደዱ ነይሮም'

ሚስዮናዊ ካህን ኣብ ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ትሚሊ ቀዳም ንጃፓም ኣትዩ። ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ነቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣቶሚክ ቦምብ ዝሞቱ ንምዝካር ናብ ከተማ ናጋሳኪ ክኸይድ እዩ።

ብኻልእ ወገን'ውን፡ ካልኦት ፍሉጣት ዘይኮኑ ጉጅለታት፡ ግን ከኣ ብሰንኪ እምነቶም ዝተሳቐዩን ዝተሰወሩን ሕብረተሰብ ክረክብ እዩ።

ግረይ ላይን

ሓደ ሰብኣይ ኣብ መስርዕ ኮይኑ ስሙ ንኽጽዋዕ ብውጥረት ይጽበ። ምስተጸወዐ ድማ ንቕድሚት ቀሪቡ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ብሩር ክረግጾ ይንገሮ። እቲ ብሩር ስእሊ የሱስ ክረስቶ እዩ ዘሎዎ።

ከምቲ ዝተኣዘዞ እንተዘይረጊጹ፡ እምነቱ ክሒዱ ኣሎ ማለት እዩ። እንተዘይኮኑ ግን፡ መቕተልቲ፡ ስቓይ ክበጽሖ ይግበር ወይ'ውን ንቑልቑል ኣፉ ይእሰር።

ዝኾነ ጥርጣረ እንተኣርእዩ፡ ህይወቱ ክስእና ይኽእል።

እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ናይ 17 ክፍለ-ዘመን ናጋሳኪ ልሙድ ባህሊ ነይሩ።

ናጋሳኪ

ከተማ ናጋሳኪ፡ ኣገዳሲት ወዳባወቲ ከተማ ኮይና፡ ኣብ 1560 ካብ ፖርቱጋል ካብ ዝመጽኡ ማሕበር የሱሳውያን ኣቢላ ምስ ሃይማኖት ክርስትና ተላልያ።

እብቲ እዋን ግዝኣት ፖርቱጋላውያን ካብቶም ዝሓየሉ ነይሩ። ኣብ ኣፍሪቃን ኤስያን ድማ ወተሃደራዊ መዓስከራት ነይርዎ።

እዞም ማሕበር የሱሳውያን፡ ነቶም መሳፍንቲ ናብ ክርስትና ከእትውዎም ጀሚሮም። ገሊኦም መሳፍንቲ ድማ ናብ ክርስትና ምእታው 'ኣብ ንግዲ ክሕግዘና እዩ' ብምባል ኣትዮም።

ኣብ ትሕቲ መሳፍንቲ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ስራሕተኛታት ናብ ክርስትና ክኣተው ተገዲዶም ወይ ተጸሊዮም። ኣብ 17 ክፍለ-ዘመን ድማ፡ ናጋሳኪ "ሮማ ናይ ጃፓን" ኮይና።

ኣብቲ እዋን፡ ከባቢ 500 ሽሕ ሰባት ከም ክርስትያን ይፍለጡ ነይሮም።

ፖርቱጋላውያን ኣብ ናጋሳኪ ክዋትው ንከለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ግዜ ግን፡ መራሕቲ ፖለቲካ ጃፓን፡ እቲ ዝዓቢ ዝነበረ ሃይማኖት ስግኣት ክፈጥረሎም ጀሚሩ። ኺጭፍልቕዎ ከኣ ወሲኖም።

እቶም መራሕቲ፡ ንሃይማኖት ክርስትና ካብ ሱሩ ክምሕውዎን፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ስግኣት ይፈጥሩ ኣለው ዝበልዎ ወጻእተኛታት ስጉምቲ ክወስዱን ጀሚሮም።

ኣብ መፋርቕ 16 ክፍለዘመን፡ ኣስታት 26 ሚስዮናውያን ኣብ መስቀል ተሰቂሎም ተቐቲሎም። እዚ ድማ መበገሲ እቲ ኩሉ ክመጽእ ዝነበሮ ስቃይን ሞትን ክርስትያን እዩ ነይሩ።

ኣብ 1614 ዓ.ም፡ ኣብ መላእ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ክርስትና እገዳ ተኣዊጁ። ናይ ወጻኢ ሃገር ሚስዮናውያን ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጠሪዞም። ዝኣበዩ ድማ ይእሰሩ ወይ ይቕተሉ።

ዘይውዳእ ስቃይ

ኣብ ከባቢ 1620፡ ሰበ-ስልጣን ጃፓን፡ ነቲ ሃይማኖት ንምጥፋእ እኹል ዘይምዃኑ ኣረጋጊጾም። ነቲ ሃይማኖት ካብ ልቢ እቲ ህዝቢ ንምጥፋእ፡ ኣብ ኣደባባይ ዝግበር መቕጻዕቲ ከተኣታተው ወሲኖም።

እቲ ፍታሕ ዝበልዎ ድማ፡ ንምስሊ የሱስ ክርስቶስን ማርያምን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺእካ ብእግርካ ምርጋጽ እዩ ነይሩ። ኣብ ነጋሳኪ ዝነበር ነፍሲ-ወከፍ ሰብ፡ ነዚ ተግባር ከዘውትር ተኣዚዙ።

ብዙሕ ከይጸነሐ ድማ፡ ዓመታዊ ልምዲ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሓዲሽ ዓመት እቲ ህዝቢ ከምኡ ክገብር ጀሚሩ።

ኩሉ ሰብ፡ ሓለፍነቶም ብዘየገድስ፡ ሕሙማት ወላ ይኹኑ፡ ምስሊ የሱስ ክርስቶስን ማርያምን ኣምጺኦም፡ "ብእግሮም ረጊጾም ክሕምሽሽዎ ግዴትኦም ነይሩ" ይብል ፕሮፈሰር ማርቲን።

"እዚ ብጥንቃቐ ዝተሓስቡሉ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን እቶም ክርስትያን ኣብ ምስሊ ተመርኲሶም እዮም ዝጽልዩ ነይሮም" ድማ ይብል።

እቶም ክርስትያን፡ ነቲ ምስሊ ክረግጹ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምስ ግዜ፡ እቶም ክርስትያን፡ ነቲ ምስሊ ክረግጹ ጀሚሮም። ንዝኣቡዩ ድማ ኣሳቂዮም ይቐትልዎም ነይሮም።

"ሓሓንሳብ፡ ነቶም ዝኣበዩ ክርስትያን፡ ኣብ ልዕሊ ቀልቀል ዝመልኦ ጉድጓድ ይሰቕልዎም ነይሮም" ይብል ተመራመሪ ታሪኽ ፓራሞር።

የሱሳውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናይዚ ኩሉ ዕላማ ድማ፡ ንምቕታል ዝዓለመ ዘይኮነ "መንፈሶም ንምስባር" እዩ ነይሩ።

"ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ነቶም ክርስትያን ከሳቕይዎም እንከለው፡ ሓኪም ይከታሎም ነይሩ። እቲ ሓኪም፡ ክሞቱ ምስ ቀረቡ ዘድሊ ሕከምናዊ ረድኤት ሂቡ ናብ ጥዕና ይመልሶም፡ እንደገና ድማ የሳቕይዎም" ይብል።

በቲ ስቃይ፤ ኣስታት 2000 'እምነትና ኣይንክሕድን' ብምባል ብመስዋእትነት ሓሊፎም።

ኣብ 1622 የሱሳውያን ርእሶም ክስየፉ እንከለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልኦት ከኣ እምነቶም ዝከሓዱ መሲሎም፡ ብሕቡእ እምነቶም ከዘውትሩ ጀሚሮም።

ሃል ከምዝገለጾ፡ "እቶም ክርስትያን ኣምላኽ ይቕረ ግበረልና እናበሉ ገዝኦም ይምለሱ ነይሮም" ይብል።

ገሊኦም ድማ "ነቲ ዝተጠቕሙሉ ጫማ ኣንዲዶም ምስ ሓማኹሽትን ማይን ሐዊሶም ከም ንስሓ ይሰትይዎ ነይሮም" ክብል ይዛረብ።

ተሓቢኦም ሃይማኖቶም ከዘውትሩ ጀሚሮም። ንሊዕሊ 200 ሚእቲ ዓመት ድማ ምስ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሚስዮናውያን ርክብ ኣይነበሮምን።

መዓስ ክመሓየሽ ጀሚሩ?

ሓወልቲ 26 ሰማዕታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፈለ-ዘመን፡ ሃገረ ጃፓን ዶባታ ከምብሓድሽ ክትከፍት ጀሚራ። ኣብ 1858 ነቲ ተግባር ኣብ ናጋሳኪ ሰሪዞሞ።

ኣብ 1879፡ ድሕሪ ክልተ ክፍለ-ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ተጸኒዑ ዝነበረ እገዳ'ውን ተላዒሉ።

"ጃፓን ዶቦታ ምስ ከፈተት፡ ከባቢ 20 ሽሕ ክርስትያን ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ወጺኦም" ይብል ሙሊን።

እዚ ማለት ድማ ይብል ንሱ፡ እቶም ጃፓናውያን መራሕቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ውጽኢታዊ ከምዝነበረን፡ ካብ 50 ሽሕ ናብ 20 ሽሕ ከውርዶ ከምዝኸኣለን ይዛረብ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ኣብ ናጋሳኪ እንከሎ፡ ንዝኽሪ እቶም 25 ብሰማዕትነት ዝሞቱ ሰባት ኣብ ዝተሃነጸ ሓወልቲ ክበጽሕ እዩ። ሎሚ ካብ 126 ሚልዮን ህዝቢ ጃፓን፤ ከባቢ 1% ሚእታዊት ጥራሕ ክርስትያን እዮም።

መስል ዋንነት ስእሊ ዝተሓለወ እዩ