ደቡብ ኮርያ፡ ጸጉረን ብምሕጻር 'ፌሚኒስት' ተባሂላ ንዝተጸረፈት ኣትሌት ድጋፈን ዝገልጻ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኮርያዊት ቀስተኛ ኣን ሳን ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሰለስተ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ ናብ ዓዳ ክትምለስ እንከላ፡ ናእዳን ነቐፌታን ጎፍ ንጎፍ ተቐቢሎምዋ።
እቲ ነቐፌታ እሞ ከም ውሑጅ ጃሕ ጃሕ ኢሉ ዝፈሰሰ ነበረ።
ንምንታይ? ኣብ ክንዲ ዝተዓወተት? ሽም ሃገራ ኣብ ኦሎምፒክ ስለ ዘጸውዐት? . . . ወዘተ ብዝብሉ ሕቶታት ትናወጹ ትኾኑ።
ኣን ሳን ግን ካልእ ኣበር የብላን፤ ጸጉራ እያ ኣሕጺራ።
ሜዳሊያታት ወርቂ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ሒዛ መሬት ዓዳ ክትረግጽ እንከላ ካብ ዝተቐበላ ጣቕዒት እቲ ጸርፊ ይዛይድ።
ሕጂ'ውን እንታይ ዓይነት? ምባልኩም ኣይተርፍን፤ 'ፌሚኒስት' እዩ እምበር።
'ፌሚኒስት' ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝበዝሕ ግዜ ንጓል ኣንስተይቲ ከም መድሃልትን ንወዲ ተባዕታይ ጽልኢ ኣለዋ ብዝብል ኣቀራርባን እዩ ዝዝውተር።
ሓደ ወዲ ተባዕታይ "ወርቂ ሜዳሊያ ምርካባ ጽቡቕ እዩ፤ ግን ድማ ጸጉራ ሓጺር ስለ ዝኾነ ፌሚኒስት እያ ትመስል። እንተኾይና ከኣ ንዓኣ ዝነበረኒ ድጋፍ ጠጠው የብሎ ኣለኹ። ኩለን ፌሚኒስታት ክሞታ ኣለወን" ኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ጽሒፉ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ነዚ ግጉይ መድሃልቲ ደቂ ተባዕትዮ ሃገረን ዒሊ ኣይሃባሉን።
እኳ ድኣ ንዓኣ ናብ ምክልኻል ኣትየን፤ ኣሽሓት ከኣ ጸጉረን ሓጺር ገይረን ስእሊ ተሳኢለን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክጥቅዓ ጀሚረን።
እዚ ድማ ብዝኾነ መዐቀኒ ትሕቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘይገብረን ሞጊተን።
ኣብታ ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣንጻር ጽልኣት ጓል ኣንስተይትን ኣድልዎን ብዙሕ ተቓሊሰን'የን።
#MeToo ካብ ዝብል ጎስጓስ ማሕበራዊ ሚዲያ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዝነበረ እገዳ ምልዓል ዝበጽሕ ሓያል ቃልሲ ሓሊፈን።
ሃን ጂያንግ፡ ነቲ ሕጂ ብትዊተር ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ሓጺር ጸጉሪ እትመርሖ ዘላ ዕንቊ'ያ።
እዚ #women_shortcut_campaign ብዝብል ሃሽታግ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዩ።
"ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ዓለም'ውን ዓብላልነት ወዲ ተባዕታይ ኣሎ፤ ኣብዚ ብዙሓት ጽልኣት ዝተሓወሶም ርኢይቶታት ይዕዘብ እየ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
መብዛሕትኦም ኣንጻር ፌሚኒስታት ዝኾኑ መናእሰይ እዮም፤ ሓልሓሊፉ ግን ዓበይቲ ሰብኡትን ገለ ደቂ ኣንስትዮን'ውን ነዚ ኣተሓሳስባ ኣይቕበሉዎን።
"ከምዚ ዓይነት ዕስለ መጥቃዕቲ . . . ወዲ ተባዕታይ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣካላት እታ ጓል ኣንስተይቲ ተቖጻጻሪ ምዃኑ መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ። ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ኣንስታያዊ መንነተን ክሓብኣ ኣለወን'ውን ዝብል መልእኽቲ'ዩ ዘሕልፍ። ደቂ ኣንስትዮ ሓጺር ጸጉረን ከርእያ ጎስጓስ ምጅማርና ነዚኦም ክፈትሕ እዩ ኢለ ይግምት" ትብል ሃን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓሰርታት ኣሽሓት ስእልታት ሓጺር ጸጉረን ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ክወጽኡ ጀሚሮን።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ እቲ ነዊሕ ዝነበረ ጸጉረን ምስቲ ዝሓጸረ ጸጉረን ዘርኢ ምስሊ መሳ ንመሳ ገይረን ኣብ ትዊተር ይቀባበልኦ።
ገሊአን፡ ሓጺር ጸጉሪ ኣን ሳን ጸጉረን ክቆርጽኦ ከም ዘበገሰን ይገልጻ።
ግን፡ ስለ ምንታይ'ዩ ሓጺር ጸጉሪ ምስ ፌሚኒዝም ተኣሳሲሩ? ዝብል ረዚን ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ'ዩ።
ሃዎን ጃንግ፡ ደራሲት ምንቅስቓስ #MeToo ደቡብ ኮርያ ዝጥምት መጽሓፍ እያ።
ክልቲኡ ድሕሪ'ቲ ብ2018 ዝነበረ ምንቅስቓስ "Cut the Corset" ተባሂሉ ዝፍለጥ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ መልክዕ ወይ ጽባቐ ምስ ነዊሕ ጸጉሪ፣ ቑመት . . . ዝተኣሳሰር ግምት ዝህብ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ንምቅላስ ጸጉረን ብምሓጽር፣ መመላኽዒ ብዘይምጥቃም ዝገብርኦ ዝነበራ ተቓውሞ ዝጣመር ምዃኑ ትዛረብ።
"ካብ ሽዑ ንድሓር፡ ሓጺር ጸጉሪ ኣብ ሞንጎ መናእሰይ ፈሚኒስታት ዝዝውተር ፖለቲካዊ መርገጺ ኮይኑ። እዚ ኣንስታያዊ ኣካይዳ ግን ካብቶም 'ኣብዚሕኽንኦ' ዝብሉ ደቂ ተባዕትዮ ዓብዪ ተቓውሞ ኣስዒቡ" ብምባል ተረድእ።
እዚ ጸጉርኻ ብምሕጻር ዝግለጽ ጎስጓስ፡ ካልእ ኣንጻር 'ፌሚኒስታት' ዝቐንዐ ግጉይ ጎስጓስ ምስ መጽአ ተጎሃሂሩ።
እዚ ምትፍፋን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝጥቀማላ ቅርጺ ኣጻብዕቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ንመጠን ብልዕቶም ንምብጫው እዩ ዝብል ክትዕ'ዩ ኣበጊሱዎ።
ምስሊ እዛ ዓባይ ዓባይቶን ኣመላኻቲት ኣጻብዕትን ብምቅርራብ ዝተፈጥረት 'ኣርማ ሜጋሊያ'፡ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣኽረርቲ ዝኾና ፌሚኒስታት ብሰፊሑ ዝጥቀማላ ስለ ዝኾነት ኣንጻር ደቂ ተባዕትዮ'የን ተባሂለን ይግመታ።

ምንጪ ስእሊ, SCREENSHOT FROM INSTAGRAM
እንተኾነ "እቶም ምልክታት ገለ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝኾነ መግለጺ ፌሚኒዝም እዩ ዝብሉዎ ስለ ዘተኣሳስሩዎ እዩ ጸገም ዝፍጠር" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ፕሮፌሰር መጽናዕታት ስርዓተ ጾታ ዶክተር ጁዲ ሃን።
እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርኣይ ዕስለነት፡ [መብዛሕትኡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ'ዩ ዝርኣይ] ዕውትነት ደቂ ኣንስትዮ ናትና ብልጫ ብምዕፍጣጥ ዝመጽአ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝወጠሮ'ዩ።
"ኣብቲ ዓብላልነት ወዲ ተባዕታይ ዝስትብሃሎ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኩሉ ጭቆንኦም ካብ ጓል ኣንስተይቲ ዝመጽአ'ዩ ይብሉ። ንኣብነት ኣብ ፈተና በሊጸን ብምርካበን ወንበርና ይሰርቅኦ ኣለዋ ይብሉ" ትብል ሃን።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታውን ስራሕ ንምርካብን ሓያል ንሕንሕ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ተጓኒና ይብሉ።
ንኣብነት፡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ን18 ኣዋርሕ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኸዱ ይግባእ። እዚ ንድሕሪት ከም ዝጎቶም ከኣ ይዛረቡ።
ልዕሊ 10 ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዩኒቨርሲቲታት ከኣ ኣለዋ። ኣብዚአን ዋላ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ክወዳደር ኣይኽእልን።
ይኹን'ምበር፡ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ካብቲ ወዲ ተባዕታይ ዝረኽቦ መሃያ እቲ ዝተሓተ እየን ዝኽፈላ [63 ሚኢታዊት ጥራሕ]። እዚ ኣብ ሞንጎ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ ዝለዓለ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ እዩ።
"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ዝመጽአ ለውጢ ኣሎ፤ ደቂ ኣንስትዮ ዝደልይኦ ክመርጻን ክኽተላን ዝገብር ናጽነት ንክህሉ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ንምፍጣር ጻዕሪ ተገይሩ'ዩ" ትብል ጀንግ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







