ፊንላንድ ብደቂኣንስትዮ ብዝምራሕ ልፍንትን ብጓልአነስተይትን ክትመሓደር'ያ

ሳና ማሪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳና ማሪን፡ ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ቐዳመይቲ ሚኒስትር

ጓል 34 ዓመት ሳና ማሪን፡ ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትኸውን'ያ።

ንሳ፡ መራሒት እቲ ብውህደት ተመስሪቱ ዘሎ መንግስቲ ፊንላንድ'ውን እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣንቲ ሪኔ ስርሑ ምስ ገደፈ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ንሚኒስተር መጓዓዝያ ዝነበረት ሳና ማሪን መዚዙ።

ሳና ማሪን፡ ኣብዚ ሰሙን ቃለ መሓላ ክትፍጽም ትጽቢት ይግበር። ብሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዝምራሕ ውሁድ ሰልፊ ፊንላንድ እውን ክትመርሕ እያ።

ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ፡ እተን ሰለስተ ትሕቲ 35 ዓመት እየን።

እቲ ጸጋማዊ ልፍንቲ ብጓል 32 ዓመት ሊ ኣንደርሰን እንክምራሕ፡ ሓምላይ ሊግ ብጓል 34 ዓመት ማሪኣ ኦሂሳሎ፣ ማእኸላይ ሰልፊ ብካትሪ ኩሊሙኒ [ጓል 32 ዓመት]፣ ከምኡ ድማ ሰልፊ ህዝቢ ስዊድን ብጓል 55 ዓመት ኣና ማጃ ሄንሪክሶን ዝምርሑ'ዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ማሪን ንዕድሚኣ ዝምልከት ሕቶ ቐሪቡላ ከይመለሰት ሓሊፋቶ'ያ።

"ብዛዕባ ዕድመይ ወይ'ውን ጾታይ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ እኳ ድኣ ናብ ፖለቲካ ዝኣተኹሉ ምኽንያትን ምርጫ ዝተዓወትናሎም ነገራትን'የ ዝሓስብ" ኢላ።

ንጉስ ስዑዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣል ሳውድ ዕድሚኡ 34 ዓመት'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬይን ኦሌስኪ ሆናቻርኩ ድማ ወዲ 35 ዓመት እዩ።

ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ አን ሕጂ 35 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብ 2011 ናብ ስልጣን እንክመጽእ ግን፡ 30 ዓመት ዘይመልአ መንእሰይ ነይሩ።

Age of G20 leaders. Men = Blue; Women = Yellow. Finland is represented in the G20 by the European Commission, whose president is currently Ursula von der Leyen..

ድሕረ ባይታ ማሪን

ማሪን፡ ናይ 22 ኣዋርሕ ቆልዓ ኣለዋ።

ብመሰረት ማዕኸናት ዜና ፊንላንድ YLE፡ ሳና ማሪን ኣዲኣ ንበይና ዘዕበየታ ኮይና፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ፈላመይቲ ኣባል ስድርኣ'ውን እያ።

ጓል 27 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ሓላፊት ባይቶ እትነብረሉ ከተማ ብምኳን ኣብ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ቀልጢፋ ዝዓበየት እያ።

ኣብ 2015 ድማ ኣባል ባይቶ ኮይና ተመሪጻ።

ሳና ማሪን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሳና ማሪን፡ ናይ 22 ኣዋርሕ ውላድ እንትህልዋ፡ ሚኒስትር ኮምዩኒኬሽንን መጓዓዝያን ኮይና ክተገልግል ጸኒሓ

ኣብ ጥሪ 2019፡ ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ዝነበረ ሪኔ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ሕክምና ዕረፍቲ ከም ዝጸንሕ ምስ ገለጸ ናቱ ሓላፍነት ዝተረከበት ሳኔ፡ እቲ ሰልፊ ከካይዶ ዝጸንሐ ጎስጓስ መረጻ ዕውት ብዝኾነ መገዲ መሪሓቶ።

ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚራ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ነይራ።

ሳና ማሪን፡ ኣብ ሃገራት ስካንዲቪያ ሳልሰይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትኸውን'ያ። ፊንላንድ ድማ፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮፓ ክትኸውን'ያ።

እዚ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ለውጢታት ከም ዘይገብር ተሰማሚዑ'ዩ ናብ መሪሕነት ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ዓብላሊ ኮይኑ'ዩ ወጺኡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ኣንቲ ሪኔ፡ ደሞዝ ኣማኢት ሰራሕተኛታት ኣብያተ ፖስታ ክንኪ ከም ዝገብር ምስ ገለጸ ድሕሪ ዝሰዓበ ተቓውሞ'ዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

ኣባላት እቲ ውሁድ ሰልፊ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ እምነት ስኢኖም ምንባሮም ገሊጾም።

ሕጂ ነቲ ምርጫ ብጸቢብ ኣፈላላይ ዝሰዓረት ሳና ግን፡ ኩሉ ነገር ከምቲ ዝነበሮ ኣይክቕጽልን ኢላ።

"ዳግም እምነት ንምህናጽ ብዙሕ ስራሕ ክጽበየና'ዩ። እዚ ንመንግስቲ ቀሊል ኣይኮነን" ክትብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።