ሎዛ አበራ፡ "ናተይ ወለዶ ታሪኽ ክሰርሕ’ዩ"

ሎዛ አበራ፡ ኣብ ደደቢት ኮእና ዋንቻ ዝወሰደትሉ ግዘ 2010 ዓ.ም.

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Loza Abera

ሸውዓተ ቖልዑት ንዘፍረዩ ወለዳ፡ ሓምሸይቲ ውላድ'ያ። ኣብ ከንባታ ከተማ ዱራሜ'ያ ተወሊዳ።

ካብ ቁልዕነታ'ያ ምስ ኩዕሶ ፍቕሪ ዝሓደራ። ምስቶም ኣብቲ ዝዓበየትሉ ቁሸት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ መሓዙታን ኣሕዋታን እናተዳፍአት፡ ኩዕሶ ምስ መረብ ምርኻብ ጀሚራ።

ናይ ኩዕሶ እግሪ ጉዕዝኣ፡ ኣብ ዝዓበየትሉ ከባቢ ካብ ዝርከብ ኩዕሶ እግሪ ሌሊሶ ክሳብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ፡ ከምኡ'ውን ስዊድን ከብጽሓ'ዩ ኢሉ ዝገመተ ሰብ እንዘይነበረ፡ ልባ ግን ይፈልጦ ነይሩ።

ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ክሽነ እምበር፡ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ድላያ ክትገብር ኣብ ውሽጢ ዘይፈቅድ ሕብረተሰብ እንተዓበየት'ውን፡ ሕልማ ካብ ምፍጻም ግን ኣይተቖጠበትን።

"ምስ ደቂ ተባዕትዮ ምጽዋት ከቢዱኒ ኣይፈልጥን። ብሕልፊ ንሳቶም ኣነ ኣብ ዘለኹዎ ጉጅለ ንክጻወቱ ይብኣሱ ነይሮም" ትብል ሎዛ ኣበራ።

ሎዛ፡ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ኾይና ዝጀመረትሉ ጸወታ፡ ንዞባ ከንባታ ወኪላ ዝተጻወተትሉ'ዩ። ብድሕሪ'ዚ ጉዕዞኣ ካብ ዞባ ናብ ክልል ኮይኑ። ክልል ደቡብ ወኪላ፡ ኣብ ውድድራት መላእ ኢትዮጵያ ክትሳተፍ በቕዐት። እቲ ናይ ንመጀመርታ ግዜ ዝተሳተፈትሉ ውድድር ድማ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተኻየደ ድማ ነበረ።

ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሃዋሳ ዝነበረ ዮሴፍ ገብረወልድ፡ እዩ ንሎዛ ነታ ጋንታ ንክትጻወት ዝሓጸያ። ቅልጡፍ ጉዕዞ ሎዛ ድማ ናብ ፕሪሚየር ለግ ኢትዮጵያ ዓብዩ።

ዋላ'ኳ ሎዛ ኣብቲ ንጋንታ ሃዋሳ ተሰሊፋ ዝተሳተፈቶ ጸወታ ዋንጫ ኣይተልዕል፡ ኣብኡ ዘሕለፈቶ ክልተ ዓመት ግን ጎብለል ኾኸብ ኣመዝጋቢት ሸቶ እታ ጋንታ'ያ ነይራ።

ሀዋሳ ድማ፡ ንክልተ ዓመት ኣብቲ ፕሪሚየር ሊግ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ። ቐጻሊ ጉዕዝኣ ካብ ሃዋሳ ናብ ጋንታ ደደቢት ወሲዱዋ'ዩ።

ጸኒሑ፡ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ደደቢት እንተፈረሰ'ውን፡ ከም ጋንታ ግን ብሉጽ ብቕዓት ናይ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ጉጅለ'ዩ ነይሩ።

"ኣብ ደደቢት፡ ክሳብ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንኣርባዕተ ዓመታት ጸኒሐ'የ። ኣብዞም ተኸታተልቲ ዓመታት፡ ኮኾብ ኣመዝጋቢት ሸቶ ነይረ። ንሰለስተ ዓመታት ድማ ሻምፒዮና ፕሪሚየርሊግ ደቂ ኣንስትዮ ነይርና። ሕጂ ግን ደደቢት ፈሪሱ'ዩ፤ በቲ ዝተፈጠረ ነገር ድማ ሓዚንና ኢና" ትብል።

ጉዕዞ ናብ ስዊድን

ሎዛ፡ ደደቢት ቅድሚ ምፍራሱ'ያ ንፈተነ ናብ ስዊድን ከይዳ። "ደደቢት ነይረ። ፕሪሚየር ሊግ ክዛዘም ክልተ ጸወታ ምስ ተረፎ ኣነ ናብ ስዊድን ከይደ" ትብል።

"ሓደ ላርስ ዝበሃል ስዊድናዊ'ዩ'፡ በዓልቲ ቤቱ ኢትዮጵያዊት ስለ ዝኾነት ይመጽእ ነይሩ። ብዛዕባይ ምስ ነገሩዎ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ እናተጻወትኩ ርኢዩኒ። ድሕሪኡ፡ ኣነን ቱቱን [ሓለቓ ብሄራዊ ጋንታ ነበር ቱቱ በላይ] ናብ ስዊድን ከይድና ናይ ፈተነ ልምምድ ክንገብር ዕድል ፈጢሩልና።

ኣብ ስዊድን ዝርከቡ ክለባት [ሮዘንጋርድን ፒቲያ አይ ኤፍን] ተጸምቢርና ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸኒሕና። ቐጺሉ፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስዊድን ናይ ክልተ ውርሒፍቓድ ሂቡና። ዝፈረምናሉ ጋንታ ግን ኣይነበረን" ኢላ።

ድሕሪኡኸ?

ኣብ ስዊድን ዝነበራ ልምምድ ዛዚማ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ። "ንሳተን፡ ሙሉእ ጸወታ 90 ደቒቕ ዓቕመን ተመሳሳሊ'ዩ። ንሕና ግን ጸገምና ዓቕሚ ኣይኮነን፤ ፊትነስ'ዩ [ኣካላዊ ብቕዓት]" ብምባል ብዛዕባ ዝሓደራ መንፈሳዊ ቅንኣት ትዛረብ።

ሎዛ፡ ናብ ስዊድን ቅድሚ ምኻዳ፡ ንተመሳሳሊ ልምምድ ናብ ቱርካዊት ጋንታ ኣንታልያስፖርት ተጓዒዛ ነይራ'ያ። እዚ ጋንታ ቱርኪ ዘቕረበላ ኽፍሊት ግን፡ ከም ኣበሃህላ ሎዛ፡ 'ካብ ኢትዮጵያ'ውን ዝነኣሰ' እዩ ነይሩ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

ሉሲ

ሎዛ ኣበራ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ዝተጸምበረትሉ ኣጋጣሚኸ ከመይ ነይሩ?

"እዋኑ፡ ብሄራዊ ጋንታ ደቂ አንስትዮ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ዝሓለፈሉ ግዘ'ዩ ነይሩ። 'ተስፋ ሉሲ' ተባሂሉ 70 ዝበጽሑ ሰገናት (ኮተቴ)፡ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ክንስልጥን ተጸዊዕና። ካብዚ ኣነ ዝርከበሉ 8 ቆልዑት ንሃገራዊ ጋንታ ተሓሪና" ትብል።

ሎዛ ንሃገራዊ ጋንታ ምስ ተመረጸት ዕድመኺ ንኡሽቶ'ዩ ተባሂላ ካብታ ጋንታ ጎዲላ ነይራ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ኣሰልጣኒ ስዩም ናብቲ ጋንታ ክትጽምበር ገይሩ።

ሎዛ አበራ ኣብ ልምምድ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Loza Abera

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ዓለም 23 ሸቶታት ብምቑጻር፡ ኣብ ሉሲ እቲ ዝዓበየ ሸቶ ናይ ምቑጻር ደረጃ ተቖጻጺራቶ ትርከብ።

ሎዛ፡ ሽሕ'ኳ ኣብቲ ሃገራዊት ጋንታ ኮይና ዋንጫ ኣይተልዕል፣ ሜዳሊያ ኣይትርከብ እምበር፡ ምስ ትሕቲ 20 ዓመት ዝነበራ ጻንሒት ፈጺማ ኣይትዝንግዖን።

ኣብ ጸወታ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ሉሲ ንዋንጫ ዓለም ሰለስተ መጻረዪ ምስ ሓለፈት ክትቕጽል እንተዘይክኣለት'ውን፡ ሎዛ ንነብሰይ ዝፈተሽኹሉ ዘይርስዖ ውድድር'ዩ ትብል።

ንምኻኑ፡ ማሊያ ኢትዮጵያ ተኸዲንካ ብደረጃ ዓለም ምጽዋት እንታይ ዓይነት ስምዒት ይፈጥር?

"ብጣዕሚ ባህ ዝብል ስምዒት'ዩ ዝፈጥረልካ። ሕልመይ፡ ሃገር ወኪልኻ ምጽዋት'ዩ ነይሩ። ብቓላት ክገልጾ ዘይኽእል ስምዒት'ዩ ዝተሰምዐኒ። ......ሸቶ ክተቑጽር ከለኻ ክኣሞ ዝያዳ" ትብል ሎዛ ኣበራ።

ሎዛ፡ ናይተይ ወለዶ፡ ኣብዚ ሃገራዊ ጋንታ ታሪኽ ክሰርሕ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ። "ዕላማይ፡ ንሃገረይ ወኪለ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ምጽዋት፣ ሻምፒዮን ሴካፋ ምኻን'ዩ። ከም ሃገር ኣብ እንጻወተሎም መድረኻት ድማ፡ ናተይ ትውልዲ ዓብዪ ዓወት ከም ዘምጽእ ሙሉእ ተስፋ ኣለኒ"።

ክፍሊት

ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝሓሸ እቶት ዘርክብ ሞያ'ዩ። ናይ ደቂ ኣነስትዮኸ?

"ክፍሊትና ፈጺሙ ኣይራኸብን፤ ሰማይን መተሬትን'ዩ። ሕጂ፡ እግዝሄር ይመስገን፡ ክፍሊትና ካብ ቀደም ዝሓሸ'ዩ። ምስ ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር ከሎ ግን፡ ፈጺሙ ዝራኸብ ኣይኮነን" ብምባል፡ እናነከየ ከይኸይድ'ውን ስግኣት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2