ጂና ሃስፐል፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ዳይሬክተር ሲኣይኤ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ኣብ 2001 ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ 9/11 ብዝተትሓሓዘ ኣብ ታይላንድ "ጸሊም ከባቢ" ተባሂሉ ዝምራሕ ጉጅለ ስለላ ትመርሕ ዝነበረት ጂና ሃስፐል ፈላመይቲ ሓለቓ ሲኣይኤ ክትኸዉን ሰኔት ኣሜሪካ ኣጽዲቑ።
እቲ ሰኔት 54 ን45 ብዝኾነ ድምጺ ጂና ሃስፐል ዳይሬክተር እቲ ትካል ክትኸዉን ወሲኑ ኣሎ።
ሓላፊ ትካል ስለላ ኣሜሪካ ዝነበረ ማይክ ፖፔዮ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኮይኑ ተሸይሙ ካብ ሓላፍነቱ ለጊሱ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ጂና ሃስፐል ብሕጹይነት እንተቕርባ፡ ኣፓል ፓርቲ ሪፐብሊካን ጆን ማኬይን ጂና ነቲ ትካል ክትመርሕ ብቕዕቲ ኣይኾነትን ዝብል ተቓዉሞ ከምዝነበሮ ዝዝከር'ዩ።
ጂና ነቲ ትካል ክትመርሕ 6 ኣባላት ዲሞክራት ድምጺ እንትህቡ ክልተ ኣባላት ሪፐብሊካን ድማ ድምጺ ተቓዉሞ ሂቦም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







