ደቂኣንስትዮ ዝመርሕኦ መንግስቲ ፊንላንድ

ሳና ማሪን

ኣዝዩ ብብዙሕ መጠን ዝተዘርግሐ ቀዳማይ ስእሊ ሳና ማሪን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝተሰኣለቶ ኮይኑ፡ ሓዳሽን ብዕድመ ዝነኣሰትን ቀዳመይቲ ሚንስትር ፊንላንድ ኮይና ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣትሉ ቀዳማይ መዓልቲ’ዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን እታ ጓል 34 ዓመት ዝነበረት ሳና ብብሩህ ፍሽኽታ ደሚቓ ኣብ ሞንጎ ንስምረት መንግስታ ክመርሓ ዝተመዘዛ ፖለቲከኛታት ደው ኢላ እቲ ስእሊ የርኢ።

ኩለን ደቂ ኣንስትዮ እየን ነይረን። እቲ ስእሊ (ፎቶ) ኣብ ዝተስኣላሉ እዋን ድማ ዕድሚኣ ልዕሊ 34 ዓመት ዝነበረት ሓንቲ መራሒት ስምረት ሓሙሽተተ - ሰልፍታት እያ።

ሽዑ ምስ ኣባላት ካቢኔኣ ደው ዝበለት ሳና ኣብቲ ቦታ ንዝተረኸቡ ኣዝዮም ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ሰኣልትን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንሳ ንመናእሰይ ወለዶ ከምእትውክል ብምሕባር ንዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣመስጊና።

ማዕኸናት ዜና ዓለም ነቲ ኣብ ፊንላንድ ዝተፈጠረ ለውጢ ፖለቲካ ዝተፈላለዩ ርእሰ -ዜናታት ብምሃብ ከቃልሓ ተስሚዐን። ገለ ካብቶም ርእሰ ዜናታት፡

“ባይቶ ፊንላንድ፡ መርኣያ ማዕርነ ጾታ”

“መሪሕነት ደቂኣንስትዮ፡ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገበረሉ” ዝብሉ ይርከብዎም።

ሳና ማሪን

ብርግጽ ፊንላንድ ንደቂኣንስትዮ ናብ ፖለቲካዊ ተሳትፎን መሪሕነትን ክመጽኣ ዕድል ብምፍጣር ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር’ያ።

ኣብ 1906 ደቂኣንስትዮ መሰላት ምሃብ ድምጽን ተመራጽነትን ብምሃብ ብቐዳምነት ትስራዕ። ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ግን ክሳብ ድሕሪ ምዝዛም ቀዳመይ ኲናት ዓለም’ውን ከፈጽምኦ ኣይከኣለን ነይረን።

ብድሕሪ 1906 ከኣ 19 ደቂኣንስትዮ ኣባል ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን። ኣብ ፊንላንድ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደነት ታርጃ ሃሎነን ትበሃል ኮይና ብ2000 ተመሪጻ። ብድሕሪኣ ድማ ብ2003 ኣነሊ ዣቴንማኪ ፈላሚት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትኸውን በቒዓ።

ሳና፡ ኣብ መዛዘሚ 2019 ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣኒት ሪነ ብምትካእ’ያ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ተሸይማ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ድማ ብዕድመ ዝነኣሰት መራሒት ክትኸውን ኪኢላ።

ሳና ማሪን ሓንቲ ካብ ሞንጎ’ተን ብቢቢሲ ዝተሓረያ ናይ 2020 ብሉጻት ኣነቓቓሕትን ጸለውትን ደቂኣንስትዮ ኮይና’ላ።

ዓለማዊ ለበዳን ብሳና ዝምራሕ መንግስትን

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ለበዳ ስግኣት ዓለም ከምዝኾነ ወግዓዊ ገይሩ። እቲ ቫይረስ ናብ ፊንላንድ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ግን እቲ ብሳና ማሪን ዝምራሕ ካቢነ ድልው’ዩ ነይሩ።

እቲ ብቕልጡፍ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ኮይኑ፡ ዜጋታት ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ መምርሒ ምስተወሃቦም ኩሉ ነዚ ቅቡል ብምግባር ካብ ምንቅስቓስ ተገዲቡ።

እቶም ቀሊል ምልክታተ ዝረኣዮም ሰባት ምርመራ ክገብሩ እናተባባዕኻ፡ ሰብሞያ፣ ዶካትርን ክሊኒካትን ድማ ውጥናት ንምሕንጻጽ ብቀጻሊ ናይ ኦንላይን ኣኼባታት የካይዱ ነይሮም።

ሚኒስተር ትምህርቲ
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ትምህርቲ

ሳና ማሪንን ካልኦት ኣብ ላዕለዋይ መዝነት ካቢኔኣ ዝርከባ ሰብመዚን ሰሙናዊ ምዕባለታት እቲ ቫይረስ ዝምልከት መግለጺ እናሃባ፡ ካብ ዜጋታታን ሚድያታትን ንዝቐርቡ ሕቶታት መብርሂ እናሃባ መጺኤን’የን።

ልክዕ ከምቲ መራሕቲ ታይዋን፣ ጀርመንን ኒውዚላንድን ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዘመዝገብኦ ዕውት ውጽኢት ንሳ’ውን ናእዳ ቀሪቡላ እዩ። እዚ ኩነታት ድማ ኣንጻር እቲ ለበዳ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ደቂኣንስትዮ ዝሓሻ’ዶ ይኾና? ዝብል ሕቶ ንኽለዓል ምኽንያት ክኸውን ኪአሉ።

ሳና ግን “ብደቂተባዕትዮ ዝምርሓ ሃገራት ኮይነን ዕውት ውጽኢት ዘመዝገባ ሃገራት’ውን ኣለዋ” ክትብል ንቢቢሲ ትዛረብ። “ስለዝኾነ እዚ ጉዳይ ምስ ጾታ ዝተሓሓዝ ኣይመስለንን። ኣብተን ውጽኢት ዘመዝገባ ሃገራት ትኹረት እንተንገብር ዝግባኣና ይመስለኒ” ክትብል’ውን ገሊጻ።

ኣብታ 5.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ፊንላንድ ልዕሊ 370 ሰባት ጥራይ ክሞቱ ከለዉ፡ እቲ መጠን ከኣ ካብ ሞንጎ 1 ሚልዮን ሰባት 60 ሞት ማለት’ዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ዘጋጠሞ ሞት ምስዚ ክነጻጸር ከሎ ብልዕሊ 10 ዕጽፊ ይበልጽ።

ካብ ሰብ ሞያ ዝወሃብ መምርሒታት ምትግባር ከም ሓደ ምኽንያት እተቐምጥ እታ ቀዳመይቲ ሚንስትር “ኣብ እምነት ዝምርኮስ ማሕበረሰብ ኣለና። ህዝቢ ንመንግስቲ ይኣምኖ’ዩ። ኣብቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እምነት ኣለዎ” ትብል።

ሳና ማሪን መን’ያ?

ሳና ማሪን

ምንጪ ስእሊ, Pirkalla High School

“ልክዕ ከም ካልኦት ፊንላንዳውያን ስድራይ ብዘሕዝን ኣጋጣምታት ህይወት ዝሓለፉ እዮም” ክትብል ኣብ ውልቃዊ ብሎጋ ብ2016 ጽሒፋ ነይራ።

ሳና ማሪን ፕሪካላ ኣብ እትበሃል ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ፊንላንድ እትርከብ ንኢሽተይ ከተማ’ያ ምስ ኣዲኣ ዓብያ።

ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ዘሕለፋ ኮይነን ብፍላይ ሰታይ ዝነበረ ኣቡኣ ምስ ኣዲኣ ምስተፋትሑ ካብ መንግስቲ ብዝቐርበላ ሓገዛትን ንሳ ዝተፈላለዩ ነኣሽቱ ሸቐጣት እናሸጠት ብእትረኽቦ ኣታዊ ይመሓደራ ነይረን።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ካብ ዝመሃርዋ ሓደ ዝኾኑ ፓሲ፡ “ማእኸላይ ውጽኢት ዝነበራ ተምሃሪት” ክብሉ ይገልጽዋ። ናብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክትጽምበር ድልየታት ዝሓደራ ኣብ 20ታት ዓመት ዕድሚኣ ከምዝኾነ እትገልጽ ሳና፡ ውልቃዊ ህይወታ ጥራሕ ምምሕያሽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዙርያኣ ናይ ዝርከቡ ካልኦት ሰባት’ውን ከምዝከኣል ብምእማና ናብኡ ከምዝተደፋፍአት ትዛረብ።

ንሳ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ስድራ ማዕረ ሓላፍነት ክህሉ፣ ዘቤታዊ ጥቕዓታት ክንክዩ፣ ኣብ ሞንጎ ጾታት ዘሎ ኣፈላላይ ክፍሊት ክጽብብ፣ ካብ ድኻታትን ስደተኛታትን ድስራ ዝመጽኡ ህጻናት ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ምኽኣሎም ካብ ሞንጎ ዝተረኣዩ ለውጥታት’ዮም።

ምስ ጉዳያት ስርዓተ ጾታ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ተፈጻምነት ኣብ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሕግታት ምምሕያሻት ንኽግበሩ’ውን ትገብር ከምዘላ ይግለጽ።

ነቐፌታ ኣብ ጉዳይ ጸለምቲ!

ሳና ማሪንስ ኣብ እትመርሖ መንግስቲ ካብ ዝቐርቡ ነቐፌታታት እቲ ሓደ ጉዳይ መሰላት ጸለምቲ እዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ተቓውሞታት ‘ብላክ ላይቭ ማተርስ’ ገለ ጸለምቲ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ማዕርነት ብዝተሓሓዝ ዝበጽሖም በደላት ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣምጺኦምዎ’ዮም።

ኣብ 2019 ብቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ካብቶም ኣፍሪቃዊ መቦቆል ዘለዎም ዜጋታት ፊንላንድ እቶም 63 ሚአታዊት ብቐጻሊ ዓሌታዊ ምግፋዕ ይበፍሖም። እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝለዓለ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ሓንቲ ጸላም ኣባል’ያ ዘላ።

ጓል 35 ዓመት መራሒት ፊንላንድ ግሪን ሊግ ማሪያ ኦሂሳሎ፡ ነቲ ዝቐርብ ነቐፌታ ቅቡል ብምግባር መንግስቲ ማዕረ ተሳትፎ ንኽህሉ ክሰርሕ ከምዝግባእ ትዛረብ።

“ድሕረባይታና ነቲ ዘለናሉ ኩነታት ጽልዋ ኣሕዲሩሉ’ዩ” እትብል ቀዳመይቲ ሚንስትር ሳና ማሪን ብወገና፡ እቲ ሓላፍነት ንበይና ዝግደፍ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ኩሉ ዜጋ እታ ሃገር ሓላፍነት ከምዘለዎ’ያ ትሕብር።

ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝተወጠነ ውጥን ግን ነዚ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኮነ ብቑጽሪ ውሑዳት ዝኾኑ ዓሌታት ተረባሕቲ ተረባሕቲ ከምዝገብር ሓቢራላ።

“ኩላህና እቲ ፕሮግራም ብኸመይ ናብ ተግባር ክሽረፍ ከምዘለዎ ክነትኩር ኣለና። ከም መጠን ቀዳመይቲ ሚንስትር ልኡኽቶይ ንሱ’ዩ” ትብል።