ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም ናይ ለተሰንበት ግደይ ክብረወሰን ኣፅዲቑ

ምንጪ ስእሊ, World Athletics facebook page
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ክልተ መዓልቲ ኣፈላላይ ውሽጢ ብልዕሊ 15 ካሊእት ተመሓይሹ፡ ኣብ ኢድ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ዝኣተወ ክብረ ወሰን ፀዲቑ።
ላዕለዋይ ኣካል ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ውድድር ኦሎምፒክ ቶኪዮ ምስተጀመረ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ብኢትዮጵያዊት ኣልማዝ ኣያና ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን 10 ሽሕ ሜትር፡ ብኽልተ ኣትሌታት ብተኸታታሊ ከምዝተሰበረ ኣፅዲቑ።
ክብረ ወሰን እቲ ውድድር፡ ፈለማ ብኢትዮጵያዊት፡ ዜግነት ኔዘርላንዳዊት ዝኾነት ሲፋን ሓሰን፡ ኣብ ሄንግሎ ኣብ ወርሒ ሰነ 29/2013 ዓ. ም 29:06.82 ብምጉያይ ብ10 ካሊእት ብምምሕያሽ ነቲ ክብረ ወሰን ዓቲራ ኔራ።
እንተኾነ ናይ ሲፋን ክብረወሰን፡ ልዕሊ ክልተ መዓልታት ከይፀንሐ፡ ኣብ ሄንግሎ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ 29:01.03 ብምጉያይ፡ ብሓሙሽተ ካሊእት ብምምሕያሽ ነቲ ክብረወሰን ተቖፃፂራ።
ናይ ክልቲአን ተኸታታሊ ክብረወሰን ከየፅደቐ ዝፀንሐ ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም ድማ፡ ሕዚ ርሕቐት እቲ ክብረወሰን ኮይኑ ምፅዳቑ ኣብ ድሕረ ገፁ ወግዓዊ ጌሩ ኣሎ።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 14:06.62 ሰዓት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ዓለም 5 ሽሕ ሜትር ዝሰበረት እንክትኾን፡ ኣብ ቀፃሊ ነዚ ሰዓት ካብዚ ንላዕሊ ንምምሕያሽ ከምትፍትን ገሊፃ ኔራ።
ኣትሌት ለተሰንበትን ሲፋንን ኣብቲ ኣብ ጃፓን ይካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ዝሳተፋ እንትኾና፡ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሜዳልያ ወርቂ ኦሎምፒክ ንምዕታርን ነቲ ክብረወሰን ንንምሕያሽን ክነሓነሓ እየን።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ክትወዳደር እያ፤ ሲፋን ድማ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ፣ 1500 ሜትርን 5ሽሕ ሜትርን ክትወዳደር እያ።
ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ካብ ክብረወሰን ለተሰንበትን ሲፋንን ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኣትሌቲክስ ንዝነበረ ክብረወሰን ናይ ዘመሓየሹ ኬሊ ሆጅኪንሰንን፣ ግራንት ሆሎዌይን ን ካርስቲን ዋርሆልምን ክብረወሰን ኣፅዲቑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







