ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ሎሚዘበን ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኣትሌታታ ብኮቪድ-19 ከይልከፉ ንምክልኻል፡ ነዚ ውሳነ ከምዝወሰነት እያ ወግዓዊ ጌራ ዘላ።
ሰሜን ኮርያ፡ ዛጊት ኣብ ሃገራ ዋላ ሓደ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከምዘይተለኸፈ እያ ትገልፅ፤ ሰብሞያ ግና እዚ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘየለ እዮም ዝገልፁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ዶባዊ ልዝብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተቛረፀሉ: ደቡብ ኮርያ፡ ፀዋታታት ኦሎምፒክ ቶክዮ ምስ ሰሜን ኮርያ እትቀራረበሉ ፅቡቕ ዕድል ከምዝኾን ኣተስፍያ ኔራ፤ ውሳነ ሰሜን ኮርያ ግና ንተስፋ ደቡብ ኮርያ ዘምከነ ኮይኑ ኣሎ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ውድድራት ዊንተር ኦሎምፒክ ድሕሪ ምርኻበን ናብ ታሪኻዊ ልዝባት ኣምሪሐን ኔረን።
እዚ ውሳነ፡ ፒዮንግያንግ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ግጥማት ኦሎምፒክ ቶክዮ እዚ ዓመት፡ ንርእሳ ዘግለለት ፈላመይቲ ሃገር ክትኸውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።
ተስፋታት መኺኖም
እዚ ውሳነ ኣብቲ ዝሓለፈ 25 መጋቢት ኣብ ኣኼባ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ከምዝተወሰነ፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝወፅኡ ፀብፃባት የመላኽቱ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝጅምር ንነዘ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኣንፃር እቲ ቫይረስ ተረርቲ ስጉምትታት ምውሳዳ ይፍለጥ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ዶባታ ዓፅያ፡ ፀኒሓ ከኣ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ዜጋታት ወፃኢ፡ ኣብ ርእሰ ከተምኣ ወሺባ።
ካብ መፈለምታ 2020 ጀሚሩ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ንምእታው ኮነ ንምውፃእ፡ መጓዓዝያ ባቡርን መኻይንን ምጥቃም ሓራም ኮይኑ፤ ዓለምለኻዊ በረራታት’ውን ተቛሪፆም።
ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን፡ ፀዋታታት ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኮርያታት ፅቡቓት ምዕባለታት ዘግህድ ክኾን ኣተስፍዩ ኔሩ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ሶቺ ናብ ዝተኻየደ ዊንተር ኦሎምፒክ፡ 22 ኣትሌታት፣ ሰብመዚ መንግስቲ፣ ጋዜጠኛታትን ኣፀምበልቲ ጉጅለን ምልኣኻ ይዝከር።
ኣብ 1953 ኵናት ክልቲአን ኮርያታት ምስኣብቀዐ ኣብ ስምምዕ ሰላም ብዘይምብፅሐን፡ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ክሳብ ሕዚ፡ ኣብ ኩነተ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ይርከባ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







