ሰሜን ኮርያ፡ ፈተነ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, KCNA
ሰሜን ኮርያ፡ ክልተ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይላት ፈተነ ከም ዘካየደት ተሓቢሩ።
እቲ ዘወንጨፈቶ ናይ ሓጺር ርሕቀት ሚሳይል፡ ካብ ፓነጎን ዝበሃል ተበጊሱ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ጃፓን ከም ዝዓለበ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።
ኣብዚ ወርሒ፡ ሰሜን ኮርያ ከም ኣካል ናይ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተፈላለዩ ሚሳይላት ናብ ባሕሪ ጃፓን ወንጪፋ ምንባራ ይዝከር።
ሓለቃ ስታፍ ሚንስትሪ ምክልካል ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላው ገሊጹ።
ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፡ ዓለም ምስ ኮሮናቫይረስ እናተቃለሰት፡ ፕዮንግያንግ ዝወሰደቶ ስጉምቲ "ዘይግቡእን ዘይሓላፍነታውን" እዩ ኢላ።
ኣሜሪካን ቻይናን፡ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነዚ ናይ ሚሳይል መደባታ መዕለቢ ንምርካብ ናብ ናይ ስምምዕ ጣውላ ክትምለስ ጸዊዐን ኣለዋ።
ሓይሊ ባሕሪ ጃፓን፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብ 50 ኪሎ ሜትሮ ብራኸ፡ 410 ኪሜ ርሕቐት ምስ ተጉዓዙ ናብ ባሕሪ ጃፓን ወይ ከኣ ምብራቓዊ ባሕሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ከም ዝወደቑ ገሊጾም።
ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ከም ዘየለው ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክኢላታት ግን፡ ኣብ ልዕዚ እዚ መግለጺ ጥርጣረታት ከም ዘለዎም ይገልጹ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣሜሪካ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝኣተወ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ።
ሰሜን ኮርያ፡ ወጻእተኛታትን ዲፕሎማሰኛታት ዝርከብዎም፡ ከባቢ 380 ሰባት ን 30 መዓልቲ ወሺባቶም ከም ዝነበረት ይግለጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



