ሰሜን ኮርያ፡ ቦትኡ ናብ ዘይተነጸረ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ውሽጢ ጥራሕ ን5ይ ግዘ ክበሃል ዝኽእል፡ ክልተ ሚሳኤል ናብ ባሕሪ ኣወንጪፋ።
ወተሃደራት ደቡብ ኮርያ፡ ሓጺር ርሕቐት ዝጉዓዙ ባላስቲክ ሚሳኤል ምኻኖም ገሊጾም።
እዚ ፍጻመ ሓቅነቱ እንተድኣ ተረጋጊጹ፡ ንድንጋገ 11 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጻባእ ክኸውን'ዩ።
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሰሜን ኮርያዊ መዘንኡ ኪም ጆንግ-ኡን "ደስ ዝብል ደብዳበ" ተቐቢሉ ምስ በለ'ያ ሰሜን ኮርያ ሚሳኤል ኣወንጪፋ ዘላ።
"ካልእ ኣኼባ ዝህልወና ይመስለኒ። በዓል ሰለስተ ገጽ ጽቡቕ ደብዳበ'ዩ ጽሒፉለይ" ክብል ጠቒሱ።
እንተኾነ ሰሜን ኮርያ፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ብዘካየድኦ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ሕጉስቲ ኣይነበረትን ኢሉ።
ምምሕዳር ሰሜን ኮርያ፡ ክልቲኤን ሃገራት ዘካይድኦ ዝተዋደደ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝበጽሐቶ ስምምዕ ዝጥሕስ'ዩ ክትብል ቁጥዕኣ ገሊጻ'ያ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







