'መስሓቕ ኢንተርኔት' ድሕሪ ምዃና ንነብሳ ክትቀትል ዝፈተነት መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Personal photo
እዋኑ 2012 ሓደ ምሽት ነይሩ፤ ዲቮራ ሽዓ ምሸት ጽብቕብቕ ዝበለት ኮይኑ ተሰሚዕዋ።
ኣብ ሓደ ናይ ቤተሰብ እንግዶት እንከላ፡ ናይ ዘመዳ መነጸር ገይራ ስእሊ ተስኣለት።
ሽዑ፡ ጓል 15 ዓመት ዝነበረት ዲቦራ ነታ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዓታ። እዛ ስእሊ ብዙሕ መዘዝ ሒዛትላ ክትመጽእ ግን ኣይተጸበየትን።
መጀመርያ፡ ናይ ፌስቡክ መሓዙታ ከምቲ ልሙድ ፍትወቶም ገለጹላ። ድሕሪ መዓልታት ግን፡ ዘይትፈልጦም ሰባት ንስእላ ይጥቅዕዎ ከምዘለዉ ተዓዘበት።
"ዲቫ"
ሽዑ፡ ሰባት ኣብ ኢንተርኔት 'መስሓቕ' ከምዝገበርዋ ፈሊጣ።
እናባጨዉ፡ ብሽም እቲ ገይራ ዝተስኣለቶ መነጽር "ኦክሌ ዲቫ" እናበሉ እዮም ንስእላ ዝጥቅዕዎ ነይሮም።
ከም መግለጺ 'ክፍእቲ ጓል' እዮም ንናታ ስእሊ ዝዝርግሕዎ ዝነበሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ስእሊ ብዙሓት ምስ ዘርግሕዎ፡ ዲቮራ ካብቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ገዝኣ ንደገ ክትወጽእ ኣይደለየትን።
"ዝሓመቕኩን ዝተዋረድኩን፡ ትሕቲ ካልኦት ኣዋልድ ዝኾንኩን ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ዲቮራ።
"ሰባት ኣብ ስእለይ ርእይቶ ክህቡ ከለዉ፡ ብዛዕባ መልክዐይ ብዙሕ ነገራት ጽሒፎም፤ እዚ ከኣ ኣሕዚኑኒ" ትብል።
ኣዝያ ሰለዝሓዘነትን ዝተጨነቐትን፡ ትምህርቲ ገዲፋቶ፡ ንነብሳ ክትቀትል ድማ ፈተነት።
"ዝኾነ ነገር ክገብር ዓቕሚ ስኢነ። እናበኸኹ ነታ ስእሊ ብምስኣለይ ንነብሰይ ጥራይ ይወቕሳ ነይረ"።
ሕዚ፡ ጓል 22 ዓመት ኮይና ወዲ ሰለስተ ዓመት ቆልዓ ኣለዋ። ቅድሚ ሰሙናት፡ እቲ ስእላ እንደገና ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ክዝርጋሕ ከምዝጀመረ ፈሊጣ።
ኣብዚ ግዜ ግን፡ ክትሕባእ ኣይመረጸትን። ነቲ ስእላ ዝዝርግሑ ሰባት ብሕጊ ከምእትሓቶም ኣብ ፌስቡካ ጽሒፋ።
እታ ስእሊ
ዲቮራ ነታ ስእሊ ክትጥቀዓ ከላ፡ ጽብቕቲ ከምዝኾነት እያ ትሓስብ ዝነበረት። ግን ከኣ፡ ሓደ ብዙሕ ዘይትቐርቦ ግን ከኣ እትፈልጦ ሰብ ብመልክዓ ቀሊዱ ነታ ስእሊ ኣብ ናቱ ፌስቡክ ዘርጊሕዋ።
ነቲ ዝጠቀዖ ጸኒሑ'ኳ እንተኣለዮ፡ ድሮ ግን ብዙሓት ሰባት ዘርጊሖምዎ ነይሮም።
ኣብ መገድን ቤት ትምህርታን ሰባት ከለልይዋን ከባጭዉላን ጀሚሮም።
ድሕሪ'ዚ ዲቦራ ንነብሳ ካብ ሰባት ክትንጽል ከምዝጀመረት ኣዲኣ ትዛረብ።
"ብዙሕ እያ ተሳቕያ"

ምንጪ ስእሊ, Family Album
ዲቮራ ኣብ ገዛ ዝረኸበቶም ኣፍውስ ሓዋዊሳ ንነብሳ ክትቀትል ፈቲና። ከምዕድል ኮይኑ፡ ኣይቀተላን።
"ኣብቲ እዋን ኣብ ገዛ ዝኾነ ዓይነት ስሚ እንተዝህሉ፡ ምወሰድክዎ ነይረ" ትብል።
ሓድሽ ህይወት
ኣብ 2014፡ እቲ 'መስሓቕ ሰብ' ዝገበራ ስእሊ ቀስ ብቐስ ክዘሓሓል ጀመረ።
ዲቮራ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ፡ ኣብ 2016 ትምህርታ ወዲኣ።
ርእሰ ተኣማንነታ ከኣ ወሲኹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ 'መስሓቕ' ስእሊ ዳግም ክዝርጋሕ ጀሚሩ
ኣብ መፈለምታ ናይዚ ወርሒ፡ ዲቦራ ሰባት መሊሶም ንስእላ ክጥቀምሉ ጀሚሮም ከምዘለዉ ተዓዚባ። ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ሰባት ምስ ጸዓዱ እናነጻጸሩ እዮም ከባጭዉላ ጀሚሮም።
"ኩሉሻብ ነተን ጸዓዱ ከም ጽቡቓት፡ ንዓይ ከኣ ከም ክፍእቲ ገይሮም የቕርቡኒ" ትብል።
"ንሓንቲ ጸላም ከም ጽብቕቲ ገይሮም ከቕርብዋ'ውን ምኸኣሉ፡ ከምኡ ግን ኣይገብሩን እዮም"።
ዲቮራ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝዘርግሕዎ ናታ ስእሊ ክኣልዩዎ ኣዛሪባቶም እያ። ነቶም ዘይኣለይዎ ከኣ፡ ክትከሶም ምዃና ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, PA
ቢቢሲ ብዛዕባ ናይ ዲቮራ ጉዳይ ንፌስቡክ ኣዘራሪቡ።
እቲ ኩባንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሰባት ምጥቃዕን ኣብ ልዕሊኦም ግህሰት ምፍጻምን ኣንጻር ናይ ፌስቡክ ሕግታት እዩ። ሰባት፡ ግቡእ ኣይኮነን ዝብልዎም ትሕዝቶታት ክጥቁምዎ ፌስቡክ ይጽውዕ።
እንተኾነ፡ ዲቮራ ካብ 2012 ጀሚራ እኳ ከምኡ እንተገበረት፡ ፍታሕ ከምዘይረኸበት እያ ትገልጽ።
"እቶም ስእልታት ዝእለዩ፡ ነቲ ዝጠቀዖ ሰብ ብቐጥታ ከዛርብ እንከለኹ ጥራይ እዩ" ትብል።
ኢንስታግራም፡ ግህሰትን መጥቃዕትን ዝከላኸለሉ ሜላ ከምዘለዎ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ጥቆማ ክበጽሖ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







