ሰሜን ኮርያ፡ ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤል ሰሪሐ ፈቲነ ትብል

ሰሜን ኮርያ እቲ ሚሳኤል እናተወንጨፈ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሓ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ እቲ ሚሳኤል እናተወንጨፈ ዘርኢ ስእሊ ዘርጊሓ ኣላ

ሰሜን ኮርያ እቲ ብሓሙስ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል፡ ሓዲሽ ዓይነት ተመራሒ ሚሳኤል ምዃኑ ነቲ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።

እታ ሃገር ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓማት እያ ንመጀመርታ ግዜ ብሓሙስ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኸኣ ሰሜን ኮርያ ንመጀመርታ ግዜ እያ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ።

ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል፤ ኣመሪካ፣ ጃፖንን ደቡብ ኮርያን ክኹንንኦ እንከለዋ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብወገኑ ሃገሩ ንተግበራት ሰሜን ኮርያ ተመጣጣኒ መልሲ ከምእትህበሉ ገሊጹ ኣሎ።

ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፈተነ ናያ ባላስቲክ ሚሳኤል ከይተካይድ ብሕቡራት ሃገራት ከምዝተኣገደት ዝዝከር እዩ።

ሰሜን ኮርያ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ ክልቲኡ እቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ ሚሳኤል 600 ኪሎ ሜተር ብምጉዓዝ ዕላምኡ ከምዝሃረመ ክትገልጽ እንከላ፡ ጃፓን ኣብ ዘውጽአቶ ሓበሬታ ግን እቲ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ዝዓለበ ባላስቲክ ሚሳኤል ናይ ሰሜን ኮርያ፡ 430 ኬሎሜተር ጥራይ ከምዝተጓዓዘ እያ ገሊጻ።

ላዕለዎት ጀነራላት ሰሜን ኮርያ ድሕሪ እቲ 'ዕዉት ፈተነ' ሓጎሶም እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ላዕለዎት ጀነራላት ሰሜን ኮርያ ድሕሪ እቲ 'ዕዉት ፈተነ' ሓጎሶም እናገለጹ

ነቲ ፈተነ ሚሳኤል ብመሪሕነት ዘካየደ ሪ ፕዮንግ ቾል ኣብቲ ሰሜን ኮርያ ዘውጽኣቶ መግለጺ "እዚ ምምዕባል ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤልን ዕዉት ፈተነን፡ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገርና ዘበርኽን ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ስግኣታት ዘወግድን'ዩ" ምባሉ ተሓቢሩ።

ኣብ'ቲ ፈተነ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ከምዘይተረኸበ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ፕዮንግዮንግ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ሚሳኤል ክሳብ 2.5 ቶን ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ኸኣ ኒኩለር ክሽከም ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢ'ዩ።

ሰሜን ኮርያ ነዚ ፈተነ ዘካየደትሉ ምኽንያት ብንጹር ንምፍላጡ ዘሸግር እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ጆ ባይደን ጸቕጢ ንምፍጣር ክኸውን ከምዝኽእል ጋዜጤኛ ቢቢሲ ላውራ ቢከር ትሕብር።

ሰሜን ኮርያ ካብ ትውንኖ ዓይነት ሚሳኤላት
መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ካብ ትውንኖ ዓይነት ሚሳኤላት

ሰሜን ኮርያ ነቲ ካብ ማልዥያ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ዝተወሃበ ሙን ቾል ምዮንግ ዝተብሃለ ዜጋኣ ዘለዋ ቁጠዓ ንምግላጽን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዘንበሮ ሓዲሽ እገዳ ንምቅዋምን ኢላ'ውን ነዚ ፈተነ ሓዲሽ ዓይነት ሚሳኤል ተካይዶ ትህሉ'ያ ዝብል ጥርጣረታት'ውን ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ እቲ ፈተነ ሚሳኤል ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ"ግድን መልሲ ክውሃበሉ እዩ፡ ንሶም ነገራት ምብእኣስ ምርጨኦም እንተኾይኑ ንሕና'ውን ንተግባሮም መልሲ ክንህበሉ ኢና" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "እንተኾነ ኣነ ሕጂ'ውን ዲፕሎማስያዊ ፍታሓት ንምምጻእ ይዳሎ ኣለኹ፡ እዚ ግን ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ኒኵለራዊ ኣጽዋራት ንኸተምክኖ እዩ ክኸውን" ኢሉ።

ሰሜን ኮርያ፡ ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዝተኮሰት እኳ ግሉጽ እንተኾነ፡ እንታይ ዓይነት ባላስቲክ ሚሳኤል እያ ፈተነ ኣካይዳ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።