ለተሰንበት ግደይ ኣብ 10 ሽሕ ርሕቀት ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ነቲ ብኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ዝተመዝገበ ክብረወሰን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣማሓይሻቶ።
ለተሰንበት ነቲ ርሕቐት ብልዕሊ ሓሙሽተ ሰከንድ ከምዘማሓየሸቶ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ኔዘርላንድ ሄንግሎ ዝተኻየደ ናይ ትማሊ ውድድር ነቲ 10 ሽሕ ሜትር ርሕቐት ኣብ 29 ደቒቓ 01 ሰከንድን 03 ማይክሮ ሰከንድን ዛዚማቶ’ላ።
ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኔዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ነቲ ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ብ2016 ኣብ ኦሎምፒክ ዝተትሓዘ ክብረወሰን ብ10 ሰከንድ ኣማሓይሻቶ ነይራ።
“ክብረወሰን ንምምሕያሽ ክጎይይ ተጸብየ ነይረ” ኢላ ጓል 23 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ።
ወሲኻ ድማ “ንክብረወሰን ዓለም ዳግም ካብ 29 ደቒቓ ከመሓይሾ ድልየት ኣለኒ” ክትብል ተዛሪባ።
ለተሰንበት ናይ 5 ሽሕ ሜትር ርሕቐት’ውን ክብረወሰን ከምዝሓዘቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ክልቲኡ ርሕቐት ክብረወሰን ብምውናን ነቲ ካብ 1986-1993 ብኢንግሪድ ክሪስቲያንሰን ዝተታሕዘ ታሪኽ ደጊማቶ’ላ።
ዓወታት ኣትሌት ለተሰንበት
- ብ2015 ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ ብመናእሰይ ብሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ተወዳዲራ ወርቂ ኣምጺኣ። ኣብ 17 ዓመታ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣትሌት ኮይና
- 2016፡ ኣብ ሄንግሎ ብ5ሽሕ ሜተር ተቐዳዲማ ብ14፡58፡44 ውድድራ ብምዝዛም ተዓዊታ
- 2017፡ ኣብ ካምፓላ ብትሕቲ 20 ውድድር ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ጉያ መሮር ተዓዊታ ወርቂ ኣምጺኣ
- 2018፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ5ሽሕ ሜተር ብምስታፍ ብ14፡30፡29 ብምእታው ተዓዊታ
- 2019፡ ብውድድር ጉያ መሮር ብኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፋ። ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮን ሺፕ ኣትሌቲክስ ድማ፡ ብ10 ሽሕ ሜተር ካልአይቲ ወጺኣ
- ኣብዚ ዓመት ብ5ሽሕ ሜትር፡ ብዳያመንድ ሊግ ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ እያ፡ ሲፈን ሀሰን ትቕድማ
- ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር ኣባጽሕ ሳልሳይ ሜዳሊስት'ያ
- ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ 15 ኪሎ ሜትሮ፡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
- እቲ ቅድድም ንኽትዛዝም 44 ደቂቕን 21 ካልኢትን ዝወሰደላ ኮይኑ፡ እቲ ክብረወሰን ብኬንያዊት ተቐዳዳሚት ጆይሲሊን ጄፕኮስጌይ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ
ለተሰንበት መን'ያ?
ጓል 22 ዓመት ኣትለት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ እያ ተወሊዳ ዓብያ።
ብንእሽቶኣ እንከላ ፍቅሪ ስፖርት ከምዝነበራን ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንከላ ድማ ኣብ ዝተለለዩ ስፖርታዊ ንጥፈታት ትሳተፍ ከምዝነበረትን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝበረቶ ቃለ-ምሕተት ተዛሪባ ነይራ።
ብፍላይ ድማ ኣብ 2003 ወረዳ ሰሓርቲ፡ ሳምረ ወኪላ ምስ ተሳተፈት እቲ ስፖርት ሰሓቢ ምዃኑን እናፈተወቶ ከምዝመጸትን ሓቢራ።
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ብውድድር ጉያ በረኻ ወይ መሮር እያ ትፍለጥ።
ዝዓበየትሉ ወረዳ [ሰሓርቲ ሳምረ] ወኪላ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰገናት ውድድር ክልተ ሽሕ ሜትሮ ክትዕወት ከላ፡ ነዚ ሕጂ ከትሃንጾ ዝከኣለት ዓቕሚ ኣትሌቲክስ እተዕብየሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩላ።
ብ2015 ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ ብመናእሰይ ብሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ተወዳዲራ ወርቂ ዓቲራ። ኣብ 17 ዓመታ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣትሌት ኮይና ተመዝጊባ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







