ለተሰንበት ኣብ ሽልማት ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም ምስ ናይ መወዳእታ ሕጹያት ተረቚሓ

ለተሰንበት ኣብ ሽልማት ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም ምስ ናይ መወዳእታ ሕጹያት ተረቚሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዘዳልዎ ዓመታዊ ሽልማት ብሉጻት ኣትሌታት፡ ለተሰንበት ጊደይን ኬንያዊት ፔረስ ጀፕቺርቺርን ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓሙሸተ ናይ መወዳእታ ሕጹያት በጺሐን።

ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣትየን ካብ ዝነበራ እተን ሓሙሽተ ናብ ናይ መወዳእታ ሕጹያት ከምዝተሰጋገራ ኣትሌቲክስ ዓለም ትማሊ ኣፍሊጡ።

ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት'ውን ኣብተን ክሳብ ትማሊ ዝነበራ 10 ብሉጻት ተኻቲተን'ኳ እንተጸንሐ ናብተን ሓሙሽተ ግን ክሰግራ ኣይከኣላን።

ኢትዮጵያዊት ኣባበል የሻነህን ኬንያውያን ዶ ፌዝን ሄለን ኦቢሪን ካብ ሞንጎ'ተን ትማሊ ካብቲ ውድድር ዝተሰነያ ኮይነን ኣለዋ።

እተን ካልኦት ክልተ ኣትሌታት ድማ ኔዘርላንዳዊት ፌምኬ ቦልን እንግሊዛዊት ላውራ ሙርን እየን።

ናይዚ ዓመት ስነስርዓት ሽልማት ብሉጻት ኣትሌታት ብኢንተርኔት (ቨርቹዋል) ኣብ 5 ታሕሳስ ዝካየድ ኮይኑ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ከምዝፍኖ ተፈሊጡ'ሎ።

ሓሙሽተ ሕጹያት ደቂኣንስትዮ መነመን'የን?

  • ለተሰንበት ግደይ- ኢትዮጵያ

እዛ ኣትሌት ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ብ14፡06፡62 ዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረወን ዓለም ኣመዝጊባ'ያ።

ጓል 22 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ነቲ ጥሩነሽ ዲባባ ብ14፡11፡15 ኣብ ዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብረወሰን'ያ ኣመሓይሻቶ።

ኣብ ሞንኮ'ውን ኣብ ውድድር ዲያመንድ ሊግ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ።

  • ሲፋን ሐሰን - ኔዘርላንድስ

ንሆላንድ እትውክል ትውልደ ኢትዮጳያዊት ሲፋን ን18,930 ሜትሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ብምጉያይ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባላ።

ን10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ከኣ ኣብ ውሽጢ 29፡36፡67 ብምውዳእ ክብረወሰን ኣውሮጳ ሒዛ ትርከብ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም ድማ ብራብዓይ ደረጃ እትስራዕ ዝቐልጠፈት ኣትሌት እያ።

  • ፔረስ ጀፕቺርቺራ- ኬንያ

ተዓዋቲት ውድድር ፍርቂ ማራቶን ዓለም ኮይና፡ ኣብቲ ውድድር ድማ ክልተ ግዜ ክብረወሰን ኣመሓይሻ።

ፈለማ ነቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ 01፡05፡34 ብምእታው ክብረወሰን ኣመዝጊባ። ንኻልኣይ ጊዜ'ውን ኣብ 01፡ 05፡ 16 ዛዚመቶ።

  • ዩሊማር ሮጃስ- ቬንዙዌላ

ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛን ኣብ ደገን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ነዊሕ ዝላ ዓወታት ዝዓተረት'ያ።

ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ነዊሕ ዝላ 15 ነጥቢ 43 ሜትሮ ብምዝላላ ክብረወሰን ዓለም ኣብ ኢዳ ይርከብ።

  • ኢሌኔ ቶምፕሰን - ጃማይካ

ኣብ ሸውዓተ ናይ 100 ሜትሮ ርሕቐት ውድድራት ክትዕወት ኪኢላ። ነቲ ርሕቐት ድማ ኣብ ውሽጢ 10.85 ሰከንድ ዛዚማቶ።

ካብዘን ሓሙሽተ ሕጹያት ተዓዋቲት ንምፍላይ ሰለስተ መስርሓት ምሃብ ድምጺ ክህልዉ እዮም። ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለምን ኣባላት ኣትሌቲክስ ዓለምን ብኢመይል ድምጺ ክህቡ እዮም። ኣድነቕቲ ድማ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ምርጭኦም ከፍልጡ እዮም።

ካብ ሓፈሻዊ ድምጺ እቲ 50 ሚኢታዊት በቲ ቤት ምኽሪ ይተሓዝ። ኣባላት ኣትሌቲክስ ዓለምን ኣድነቕትን ድማ ነሓድሕዶም 25 ድምጺ ይህልዎም።