ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ድሕሪ ዘመዝገበቶ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም እንታይ ኢላ?

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ

ብሮቡዕ ኣብ ስጳኛ ቫሌኒሺያ አብ ዝተኻየደ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ እግሪ ብደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ተመዝጊቡ።

ነዚ ድማ ጓል 22 ዓመት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ነቲ ንዝሓለፉ 12 ዓመታት ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዳርጋ ብሓሙሽተ ደቓይቕ ክተመሓይሾ ክኢላ።

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ብ2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ14፡11፡15 ብምእታው ዝሓዘቶ፡ ኣብቲ ኣብ ስፔን ዝተኻየደ ውድድር ዝተዓወተት ለተሰንበት ግደይ ብ14፡06፡62 ኣትያ ተኣዊታትሉ።

እታ ኣትሌት ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝነበራ ሓጺር ጻንሒት፡ "እቲ ውድድር ደስ ብሃሊ ነይሩ፤ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ድላይካ ንክትንቀሳቐስ ዝኸብድ ስለ ዝኾነ ርግጸኛ ኮይነ'ኳ እንተዘይኣተኹ ክብረወሰን ክሰብር ኣለኒ ኢለ ግን ኣትየ። መወዳእትኡ ከኣ ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ" ኢላ።

ነቲ ውድድር ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ልቢ ኢላ ከም ዝተዳለወትሉን፡ ንኣፈጻጽምኡ'ውን ከም ዝጽዓረትሉን ብምግላጽ ሕጉስቲ ምዃና ሓቢራ።

"ኣሰልጣንየይ ሓደ ዙርያ ኣብ ክንደይ ደቒቓን ካልኢትን ክኸዶ ከም ዘለኒ ብግቡእ ስለ ዝዓለመኒ ንዕኡ ሒዘ እየ ዝኸይድ ነይረ። እቲ ውድድር ሙሉእ ድማ እናተፈለጠኒ ይኸዶ ነይረ" ኢላ።

እዚ ዓወት ናይ ሓጺር እዋን ኣይኮነን ዝበለት ኣትሌት ለተሰንበት፡ ካብ 2006 ጀሚሩ ክትዳለወሉ ከም ዝጸንሐት ተዛሪባ።

ዋላ'ኳ እቲ ኣበጋግሳ ንሓዳሽ ኣትሌት ከቢድ እንተነበረ፡ ነዚ ብደረጃ ዓለም ዝረኸበቶ ሓድሽ ክብረወሰን ክትጽምብል ከም ዘኽኣላ እያ ትገልጽ።

"ኣብ ቀጻሊ ድማ፡ ኣብ ካልኦት ውድድራት ክብረወሰን ብምምዝጋብ፣ ኣብ ኦሎምፒክን ሻምፒዮና ዓለምን ድማ ብተደጋጋሚ ንሃገርካ ወርቂ ምምጻእ'ዩ ዕላማይ ክኸውን" ክትብል ኣውጊዓ።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብ7 መስከረም 2020 ኣብ ቫሌንሺያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ሓድሽ ክብረወሰን ኣለም ኣመዝጊባ

ኣሰልጣኒያ ሃይለ እያሱ ብወገኑ፡ በቲ ዝተረኽበ ዓወት ኣዝዩ ሕቡን ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ንዝበለጸ ስራሕ ምልዕዓል ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ።

"እዚ ንብዙሕ ዓመታት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ዓለም እዩ። ብኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ስለ ዝነበረ ግን ዳርጋ ካብ የማናይ ኢድ ናብ ጸጋማይ ኢድ እዩ ከይዱ ኢለ እየ ዝቖጽሮ። ኣብዚ፡ ክብረወሰን ንምሓዝ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመታት መደብ ሒዝና ዝተጉዓዝናሉ ዓብዪ ስራሕ ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዪ ውጽኢት እዩ" ኢሉ።

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ውድድራት ሓሙሽተ ሽሕ ሜተር፣ ዓሰርተ ሽሕ ሜተርን 21 ኪሎሜተር ማራቶንን ክብረወሰን ክትሰብር ኣለዋ ዝብል ትልሚ ሒዙ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ'ውን ሓቢሩ።

"ትማሊ ክብረወሰን ክንሰብር ኢና ኢልና ኢና ኣቲና፤ ድሕሪ ሐዚ 10 ሽሕ ሜተር ክብረወሰን ክንሰብር ኢና። እዚ ፈላማይ ዓወትና ግን ኣብ ኦሎምፒክ'ውን ደጋጊምና ንክንስዕር፡ ብትኽክል ንጉዓዝ ከም ዘለና ዘርኢ ስለዝኾነ ፍሉይ ምትብባዕ ፈጢሩልና እዩ" ይብል።

ኣብ ቐጻሊ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ብዝሓሸ ብቕዓትን ምድላውን ንክሳተፉ ዕድል ክረኽቡ ከም ዘተስፉ ኣሰልጣኒ ሃይለ እያሱ ይገልጽ።

"ኣብ ቀጻሊ ናይ ኣስፋልት ውድድራት 21 ኪሎሜትር፣ ዲያመንድ ሊግ ክንወዳደር ኢና ኢለ ይግምት። ብፍሉይ እንዳለወሉን ሚኢቲ ሚኢታዊት ምድላው እንገብረሉን ግን ቶክዮ ኦሎምፒክ'ዩ" ኢሉ።

line

ዓወታት ኣትሌት ለተሰንበት

  • ብ2015 ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ ብመናእሰይ ብሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ተወዳዲራ ወርቂ ኣምጺኣ። ኣብ 17 ዓመታ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋቲት እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣትሌት ኮይና
  • 2016፡ ኣብ ሄንግሎ ብ5ሽሕ ሜተር ተቐዳዲማ ብ14፡58፡44 ውድድራ ብምዝዛም ተዓዊታ
  • 2017፡ ኣብ ካምፓላ ብትሕቲ 20 ውድድር ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ጉያ መሮር ተዓዊታ ወርቂ ኣምጺኣ
  • 2018፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብ5ሽሕ ሜተር ብምስታፍ ብ14፡30፡29 ብምእታው ተዓዊታ
  • 2019፡ ብውድድር ጉያ መሮር ብኣባጽሕ ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፋ። ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮን ሺፕ ኣትሌቲክስ ድማ፡ ብ10 ሽሕ ሜተር ካልአይቲ ወጺኣ
  • ኣብዚ ዓመት ብ5ሽሕ ሜትር፡ ብዳያመንድ ሊግ ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ እያ፡ ሲፈን ሀሰን ትቕድማ
  • ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር ኣባጽሕ ሳልሳይ ሜዳሊስት'ያ
  • ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ 15 ኪሎ ሜትሮ፡ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
  • እቲ ቅድድም ንኽትዛዝም 44 ደቂቕን 21 ካልኢትን ዝወሰደላ ኮይኑ፡ እቲ ክብረወሰን ብኬንያዊት ተቐዳዳሚት ጆይሲሊን ጄፕኮስጌይ እዩ ተታሒዙ ጸኒሑ
line