ማራቶን ለንደን፡ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ንወናኒ ክብረወሰን ኪፕቾጌ ብምስዓር ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወናኒ ክብረወሰን ውድድር ማራቶን ኬንያዊ ኣትሌት ኤልዩድ ኪፕቾጌ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዝተኸየደ ማራቶን ለንደን ብኢትዯጵያዊ ሹራ ቂጣታ ተሳዒሩ።
ኣርባዕተ ጊዜ ተዓዋቲ ለንደን ማራቶን ዝነበረ ኪፕቾጌ ኣብቲ ናይ ሎመዓልቲ ውድድር'ውን ብቐዳማይነት ክዛዝም ትጽቢት'ኳ እንተተገበረሉ ሻምናይ ወጺኡ'ሎ።
ኣብቲ ውድድር ኪፕቹምባ ዝተበሃለ ካልእ ኬንያዊ ንሹራ ስዒቡ ካልኣይ ከምዝወጽአ ተፈሊጡ።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሲሳይ ለማ፣ ሞስነት ገረመው፣ ሙሌ ዋሲሁንን ታምራት ቶላን ድማ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሻድሻይ ንዘሎ ደረጃታት ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
ብደቂኣንስትዮ ድማ ወናኒት ክብረወሰን ዓለም ውድድር ማራቶን ዝኾነት ኬንያዊት ብሪጊድ ኮሲጌ ኣብ ማራቶን ለንደን ተዓዊታ። በዚ ድማ ነቲ ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብተወሰን ክትዕቅብ ኪኢላ።
ጓል 26 ዓመት ኮሲጌ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ያ ነቲ ብኣትሌት ፓውላ ራድክሊፍ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ዘመሓየሸቶ።
ንሳ ነቲ ናይ ሎመዓልቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓት 18 ደቒቓን 58 ሰከንድን ብምውዳእ ዝተዓወተት ኮይና፤ 30 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ሽልማት ወሲዳ'ላ።
"እቲ ኩነታት ኣየር ጽቡቕ ብዘይምንባሩ ብኸቢድ ተፈቲንና ኢና" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪባ። "ክሳብ እታ ዝወዳእኹላ ህሞት ተፈቲነ እየ" ክትብል'ውን ወሲኻ ገሊጻ።
ኣትሌታት ብምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እኹል ምድላው ከምዘይገበሩ ዘዘኻኸረት እታ ኣትሌት "ኣብ ዝቕጽል ዓመት ግን ንዝሓሸ ውጽኢት ክዳሎ እየ" ኢላ።
ወትሩ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየድ ዝነበረ ማራቶን ለንደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ውሑዳት ፍሉጣት ኣትሌታት ጥራይ ኣብ ዝተሳተፉሉ'ዩ ንሎሚ ክካየድ ተወሲኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







