"እዚ ጅማሮ'ዩ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣበርቲዐ ክሰርሕ እየ" ኣትሌት ለተሰምበት ግደይ

ለተሰንበት ግደይ

ኣብ ኳታር ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 17 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ቅድድም 10 ሽሕ ሜትሮ፡ ለተሰንበት ግደይ ንኢትዮጵያ ብሩር ኣምጺኣ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ውድድር ናይ መጀመርያ ብሩራ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ቅድድም ብለተሰንበት ኣቢላ ረኺባ'ላ።

ድሕሪ እቲ ውድድር፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዘዛረባ ለተሰንበት "እቲ ቅድድም ጽቡቕ ነይሩ" ኢላ።

"ኣብ ደገ እዩ ሃሩር እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ስቴድየም ዝሑል እዩ፡ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር እዩ ነይሩ" ድማ ትብል።

ኣብቲ ወድድር፡ ብትውልዲ ኢትዮጵያዊት ዝኾነት ንኔዘርላንድ እትወዳደር ሲፋን ሓሰን እያ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ለተሰንበት ብዛዕባ ሲፋን ክትዛረብ እንከላ "ብብቕዓታ እያ ቀዲማትኒ" ዝበለት ኮይና፡ ንሳ ኣብ ከምዚ ዝበለ ውድድር ንመዳልያ ክትቀዳደም እንከላ ሓዱሻ ብምዃኑ "ኣብ ቀጻሊ ዘመሓይሾ እዩ" ኢላ።

"እዚ ጅማሮ እዩ፤ ኣብ ቀጻሊ ኣበርቲዐ ክሰርሕ እየ። ካብዚ ዝበለጸ ውጽኢት ከምጽእ እየ" ክትብል ተዛሪባ።

ኣብ ትግራይ ናይ እትርከብ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትራንስ ኣባል ዝኾነት ለተሰንበት፡ ኣብ 30 ደቒቕ፡ 21 ካልኢትን 23 ማይክሮ ሰከንድን እያ ውድድራ ዛዚማ።

ካልእቲ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሰንበሬ ተፈሪ ድማ ሻድሸይቲ ኮይና ውድድራ ወዲኣ።

ኣብቲ ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ ስታድየም ከሊፋ፡ ንተቐዳደምቲ ሃገሮም ዝድግፉ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዝነበሩ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ገሊጹ።