ታውፊቕ ማክሎፊ ዕድመ 33
ታውፊቕ ኣብ 800 ከምኡ'ውን 1500 ሜትሮ ዝወዳደር እየ።
ኣብ 2012 ኣብ ኦሎምፒክ ሎንዶን ኣብ 1500 ሜትሮ ወርቂ መደላያ ተሸሊሙ፡ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ'ወን ነሓስ መዳልያ ተሸሊሙ።

ቶኪዮ ኦሎምፒክ ኣብ 2020 ክካየድ እዩ መደብ ነይሩ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ 2021 ተሰጋጊሩ።
እቲ ውድድር ጽባሕ 23 ሓምለ 2021 ክጅመር'ዩ። ኣብዚ ዓለምለኻዊ ውድድር ክንሪኦም ንኽእል ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ዳህሲስናዮም ኣለና።
እዞም ኣትሌታት ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ስፖርት ዝወዳደሩ ኮይኖም ገለ ዓይነት ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ከይተለመደ ዝጸነሐን ሓድሽን እዩ።
ገለ ኣትሌታት ኸኣ ንመጀመርታ'ዮም ኣብዚ ዓቢ ውድድር ክሳተፉ።
እዞም ኣትሌታት ንዝተፈላላየ ዞባታት ኣፍሪቃ ዝውክሉ ኮይኖም እዞም ኣትሌታት ኣብ ኦሎምፒክ ዘለዎም ተሞክሮ፣ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝገብዎ ዓወታትን ፍሉይነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ኢና መሪጽናዮም።


ታውፊቕ ኣብ 800 ከምኡ'ውን 1500 ሜትሮ ዝወዳደር እየ።
ኣብ 2012 ኣብ ኦሎምፒክ ሎንዶን ኣብ 1500 ሜትሮ ወርቂ መደላያ ተሸሊሙ፡ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ'ወን ነሓስ መዳልያ ተሸሊሙ።

ዋሊድ ቢዳኒ ኣልጀርያዊ ኮይኑ ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኦሎምፒክ ተሳቲፉ ነይሩ፡ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኸኣ ካልኣይ ብምውጻእ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ

ኣዘናይደ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ ኢድ ኣንጎላ እያ።
ካብ 2008 ጀሚራ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ኦሎምፒክ ተሳቲፋ።

ኒጀል ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኣብ 800 ሜትሮ ብሩር መዳልያ ተዓዊቱ ነይሩ
ንሳልሳይ ግዚኡ'ዩ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ዘሎ

ወዲ ቡርኪናፋሶ ፋብሪስ ዛንጎ፡ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ኣትለቲክስ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ እዩ ነይሩ።

ፍራንሲን ኒዮንሳባ ብሩንዳዊት ኣትሌት ኮይና ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016 ከምኡ'ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ብሩር መዳልያ ዝተሸለለመተ እያ

ሲሰ ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ ንኣይቮሪኮስት ናይ መጀመርታ መዳልያ ዘግዘመ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብኽብሪ ኣውሂብዎ ይርከብ።
ሲሲ ናይ መጀመርታ ብታኩንዶ ወርቁ መዳልያ ዝተሸለመ ኣፍሪቃ'ውን እዩ።

ማርየ ጆሰ ኣብ 100 ከምኡ'ውን 200 ሜትሮ እትጎዩ ኣይቮርያዊት እያ
ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ኣብ 100 ሜትሮ ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ፡ ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016'ውን ኣብ 100 ከምኡ'ውን 200 ሜትሮ ራብዓይቲ ወጺኣ።

ሃይዲ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓይነት ስፖርት ትወዳደር ኣትሌት ኮይና ቀንዲ ድማ ኣብ ምሕንባስን ምግላብ ፈረስን ትወዳደር
ንካልኣይ ግዜኣ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ

ግብጻዊ ኣዝሚ መሀልባ ኣብ ኦሎምፒክ ንሳልሳይ ግዜኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ።
ኣብ ግንቦት 2021 ኣብ ኣይኤስኤስኤፍ ብጨመተ ቶኵሲ ተዓዋቲ ወርቀ መዳልያ ኮይኑ።

ጅያና ፋሩክ ኣብ ኦሎምፒክ ንመጀመርታኣ እያ ትሳተፍ ዘላ።
ኣብ 2016 ከምኡ'ውን ኣብ 2018 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ብካራተ ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ።

ወዲ 27 ዓመት መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ ናይ መጀመርትኡ ኮይኑ ኣብ 2019 ዙር ቱርኪ ናይ ወልቁ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሳይ ወጺኡ ነይሩ።
መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ኣብ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ወርቂ ተሸሊሙ ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር ኸኣ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዙሙ።

ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ ናይ መጀመርትኡ እዩ፡ ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2018 ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ሞሳና ደበሳይ ቀዳመይቲ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ ኤርትራዊት እያ፡ ኦሎምፒክ'ውን ንመጀርታኣ እያ ተሳተፍ ዘላ፡ ኣብ 2019 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ወጺኣ ኣብ 2018 ቻምፕዮን ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳመይቲ ወጺኣ ነይራ።
ሓፍቱ ንፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መኽሰብ ደበሳይ እያ።

ለተንሰንብት ናይ 5000 ከምኡ'ውን 10000 ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ እያ።
ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና።

ሰለሞን በረጋ ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ኣብ 5000 ሜትሮ ተሻላሚ ብሩር መዳልያ ኮይኑ
ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርትኡ'ዩ።

ያሚፍ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ክሳተፍ እዚ ናይ መጀመርትኡ እዩ
ያሚፍ ኣብ 2018 ኣብ ዓለማዊ ውድድር ኣብ 3000 ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ።
ኣብ 2019'ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ኮይኑ።

ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ።

ሹራ ኪታታ ኣብ ማራቶን ዝወፈዳደር ኢትዮጵያዊ እዩ
ኣብ 2020 ኣብ ማራቶን ሎንዶን ንኬንያዊ ኢሉድ ኪፕቾገ ብምስዓር ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ ።

ጉዳፍ ጸጋይ ኣብ ለካቲት 2021 ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ኣብ 1500 ሜትሮ ናይ ውሽጢ ገዛ ውድድር ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ።
ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ተሸላሚት ነሓስ መዳልያ ኮይና።

ጂና ባስ ኣብ 2019 ኣብ ራባት ኣብ ዘተኻየደ ኣፍሪካን ጌም ኣብ 200 ሜትሮ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ኮይና።
ኣብ ኦሎምፒክ ንኻልኣይ ግዚኣ እያ ትሳተፍ ዘላ

ጁልየስ የጎ ኣብ 2016 ኦሎምፒክ ርዮ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ።
ሚስተር ዩ ትዩብ ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ'ዩ ምኽንያቱ ኣብ ስፖርት ዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ዩትዩብ እናርኣየ'ዩ ኣመሓይሽዎ።

ብሪጊድ ኣብ 2018 ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ንማራቶን ቺካጎ ክትዕወተሉ እንከላ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን ኣብ 2020 ኸኣ ንማራቶን ሎንዶን ተዓዊታትሉ።
ብሪጊድ ኣብ 2019 ማራቶን ቺካጎ ንውድድራ 2:14:04 ብምዝዛም ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ እየ ኣብ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ ኸኣ እዚ ናይ መጀመርታኣ እዩ።

ኢሉድ ኪፕቾገ ፕሮፈሽናል ናይ ማራቶን ጎያዪ እዩ።
ኢሉድ ኪፕቾገ ኣብ 2019 ንማራቶን በርሊን ንውድድሩ ብ2:01:39 ንምዝዛም ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ እዩ።
ኣብ ርዮ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ

ፔትሪስ ኣብ መሰናኽል ዘለዎ ጉያ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ እያ
ፔትሪስ ኣብ 2019 ቻምፕዮን ዓለም ኣብ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ዘለዎ ጉያ ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ።

ፈይዝ ኣብ 2016 ኦሎምፒክ ርዮ ኣብ 1500 ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ
ኣብ 2019 ኣብ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ኮይና።

ከዲጃ ሞሮካዊት ተቀዳዳሪት መኸተ ጉስጢ'ያ፡ ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016 ተሳቲፋ ነይራ እያ እንተኸነ ኣብ ናይ 65-75 ኪሎ ግራም ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ኣብ ካልኣይ ውድድር ርብዒ ፍጻመ ተሳዒራ።
ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን መኸተ ጉስጡ ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ

ራባ ዓራፊ ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ዳይመንድ ሊግ ኣብ ናይ 1500 ሜትሮ ጉያ ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ
ኣብ ኦሎምፒክ ንኻልኣይ ግዜኣ እያ ትሳተፍ ዘላ።

ራምዚ ቦውኪሃም ፕሮፈሽናል ኣትሌት እዩ
ኣብ ኦሎምፒክ ንመጀመርትኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ፡ ሞሮኮ'ውን 'ብሰርፊንግ' ንመጀመርታ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ።

ሰውፍያነ ኣብ 2017 ዓለምለካዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ኣብ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኮይኑ።
ኣብ ኦሎምፒክ ንመጀመርትኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ

ማርያ ማቾቫ ንመጀመርታ ግዜ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ።

ደይሰ ንመጀመርታኣ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ
ኣብ 2019 ብምቅዛፍ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ወጺኣ

ደኒሰ ንመጀመርታኣ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ
ምስ ጓል ጋንታኣ ማርያ ብምኳን ኣብ 2019 ኣብ ክላስ 470 ረጋታ ብምቅዛፍ ተዓዊታ ነይራ

ማይከ ደይኪማን ንናሚብያ ወኪላ ንመጀመርታኣ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ።

ቤትሪስ ኣብ 400 ሜትሮ ትጎይ ኮይና፡ ካብ ዓለም ኣብ ትሕቲ 20 ዓመቶም ሳልሰይቲ ዝቐልጠፈት ስፖርትኛ እያ
እንተኾነ ብሰንኪ ልዑል መጠነ 'ቴስቶስትሮን' ኣብ 400 ሜትሮ ኣይክትወዳደርን እያ ኣብ ካልእ ዓይነት ስፖርት እያ ክተወዳደር።

ክሪስቲን ንናይ ትሕቲ 20 ዓመት ናይ 400 ሜትሮ ውድድር ኣብ 2021 ክብረ ወሰን ዝሰበረት እያ
እንተኾነ ብሰንኪ ልዑል መጠነ 'ቴስቶስትሮን' ኣብ 400 ሜትሮ ኣይክትወዳደርን እያ ኣብ ካልእ ዓይነት ስፖርት እያ ክተወዳደር።

ኣሚናቶ ሓጺር ርሕቐት ኣብ 2019 ቻምፕዮና ዓለም ተሳቲፉ ነይሩ

ብለሲንግ ኣብ ዝላን ኣብ ጉያን እትሳተፍ ናይጀርያዊት ኣትሌት እያ
ን100 ሜትሮ ብ10 ካልኢትን 75 ንኡስ ካልኢትን ውድድራ ብምዝዛም ዝበለጸ ሰዓት ኣመዝጎባ ኣላ።
እዚ ሰዓት እዚ ኣብ ናይጀርያን ኣብ ኣፍሪቃን ዝበለጸ ግዜ እዩ።

ኢሊዛቤት ኣብ ውሽጢ 16 ዓመታት ንናይጀርያ ወኪላ ብታኩንዶ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ

ዲቫይነ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ተሳቲፉ ነይሩ'ዩ፡ ሕጂ ኸኣ ንኻልኣይ ግዚኡ'ዩ ዝሳተፍ ዘሎ
ዲቫይነ ካብ ናይጀርያውያን ናይ ሓጺር ርሕቀት ጎየይቲ እቲ ዝመለጸ ግዜ ኣመዝጊቡ ዘሎ እዩ።

ቶቢ ኣሙሳን ኣብ 100 ሜትሪ መሰናኽል ኣብ 2018 ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኮመንዌልዝ ወርቂ መዳልያ ክትረክብ ክኢላ እያ።
ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻደ ኦሎምፒክ ሳልሰይቲ ብምኳን እያ ውድድራ ዛዚማ።

ኢሰ ብሩመ ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 7 ሜትሮ ናይ መሬት ዝዘለላ እየን።
ኢሰ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻደ ኦሎምፒክ'ውን ተሳቲፋ ነይራ እያ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓሙሸይቲ ብምኳን ውድድራ ዛዚማ።
ኣብ 2019 ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ነሓስ መዳልያ ተሸሊማ።

ቹከወቡካ ኣብ 2018 ኣብ ዘተኻየደ ውድድር ሃገራት ኮመንዌልዝ ብዳርባ ዓረር ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ።
ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ'ውን ሻሙናይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዙሙ

ኢሾሪተዝ ኣብ ራባት ኣብዝተኻየድ 'ኣፍሪካን ጌምስ' ኣብ 100 ሜትሮ ነሓስ መዳልያ ዝተሸለመ እዩ።

ኢስተር ኣብ 2019 ኣብ ኬፕ ቨርደ ኣብ ዘካየደቶ ውድድር ነሓስ መዳልያ ክትሽለም ክኢላ እያ።
ኣብ ኦሎምፒክ ክትሳተፍ ናይ መጀመርትኣ ኮይኑ፡ ኣብ ናይጀርያ ዓብያ ብምቅዛፍ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ ናይ መጀመርታ ኣትሌት እያ።

ኣዮሚደ ኣብ 'ስላሎም' ዝብሃል ዓይነት ምቅዛፍ ንናይጀርያ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ ናይ መጀመርታ ኣትሌት ኮይና፡ ንሳ'ውን ንመጀመርታኣ እያ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ።
ኣዮሚደ ኣብ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 'ኣፍሪካን ጌምስ' ኣብ 200 ሜትሮን፤ 500 ሜትሮን ኣብ ዘካየደቶ ዝተፈላላየ ውድድር 4 ወርቂ መዳልያ ተሸሊማ እያ።

ሩኒ ጆቪንደን ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ክሳተፍ እዩ
ሩኒ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ ተሳቲፉ ነይሩ ሕጂ ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ዘሎ

ዋይደ ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016 ኣብ 400 ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ ዝነበረ ኣትሌት እዩ።
ንናይ 400 ሜትሮ ብ40 ካልኢትን 03 ንኡስ ካልኢትን ብምዝዛም ብኣመሪካዊ ማይክል ጆንሰን ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ እዩ።

ቻድ ኣብ 2012 ኣብ ሎንዶን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ወርቂ መዳልያ ክሽለም እንከሎ ኣብ 2016 ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኸኣ ክልተ ብሩር መዳልያ ተሸሊሙ

ኣካኒ ኣብ 2018 ውድድር ኮመንዌልዝ ኣብ 100 ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ እዩ።
ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ኸኣ ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ

ኣብ ኦሎምፒክ ንመጀመርታኣ እያ ትሳተፍ ዘላ።
ካይቲን ኣብ 2018 ኣብ 'ኣፍሪካን ጂምናስቲክ' ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ኣብ 'ዎርልድ ጂምናስቲክ' ዝተዓወተት ኣትሌት እያ።
ኣብ ኦሎምፒክ ንመጀመርታኣ እያ ትሳተፍ ዘላ።

ኢሪን እታ እንኮ ብምሕኳር ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ትሳተፍ ዘላ እያ [ምሕኳር'ውን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኣብ ኦሎምፒክ ዝኣተዉ ሓሙሽተ ዓይነታት ስፖርት'ዩ]።
ኣብ 2020 ኣብ ኣይኤፍኤስሲ ኣፍሪቃ ተዓዊታ

ሄንሪ ኣብ 2018 ኣብ ውድድራት ኮመንዌልዝ ብትራይቶን ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ።
ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016 እውን ነሓስ መዳልያ ተሸሊሙ ነይሩ።

ቦይፖሎ እታ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ ዝነኣሰት ኣፍሪቃዊት ኣትሌት ኮይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንገዳ ንመጀመርታ ግዜ እያ ብስኬት ቦርድ ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተፍ ዘላ።

ጋንታ ራግቢ ሰቨንዝ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሊዝቦክስ ተባሂላ'ውን ትጽዋዕ'ያ፡ ኣብ 2016 ኦሎምፒክ ርዮ ነሓስ መዳልያ ዝተሸለመት ጋንታ እያ።
ኣብ 1997 ውን ኣብ ዋንጫ ዓለም ራግቢ ሰቨንዝ ካልኣይ ኮይና ተሸሊማ ነይራ

ኦሳማ ኣብ ኦሎምፒክ በይጂንግ 2008 ኣብ 1500 ሜትሮ ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኦሎምፒክ ሎንዶን 2012 ኣብ 10 ኪሎሜተር ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ እዩ።

ማርዋ ኣብ ኦሎምፒክ ርዩ 2016 ነሓስ መዳልያ ዝተሸለመት ቱኒዝያዊት እያ፡ ብዘይካ እዚ እታ እንኮ ኣብ ነጻ ቅልስ [ረስቲሊንግ] ኣብ ኦሎምፒክ መዳልያ ዝተሸለመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ኢነስ ኣብ ኦሎምፒክ ርዮ 2016 ብፈንሲን ነሓስ መዳልያ ዝተሸለመት ኣትሌት እያ።

ጃኮብ 3000 ሜትሪ ዝወዳደር ኡጋንዳዊ ኮይኑ ኣብ 2020 ኣይኤኤኤፍ ዳይሞንዶ ሊግ ዝተሳተፈ ኣትሌት እዩ።
ጃኮብ ምስ ናይ ኦሎምፒክ ርዮ ንካልኣይ ግዚኡ'ዩ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳቴፍ ዘሎ።፥

ሮላንድ ኣብ ኦሎምፒክ ርዮ 2016፡ ኣብ 1500 ሜትሮ ተወዳዲሩ ዝነበረ ኣትሌት እዩ።
ኣብ 2019 ኣብ ዳይመንድ ሊግ ኣብ ሎንደንን ፓሪስን ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ።

ጆሽዋ ኣብ 2019 ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ወርቂ መዳልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኣብ 2020 ኣብ ሞናኮ ኣብ ዝገበሮ ውድድር ኸኣ ኣብ 5 ሽሕ ሜትሪ ሓዲሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።

ፐ ኣብ ርዮ ኦሎምፒክ 2016 ኣብ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ተወዳዲራ ነይራ
ኣብ 2019 ኣብ ዓለምለኻዊ ቻምፕዮን ኣትለቲክስ ኣብ 3000 ሜትሮ መሰናኽል ሓሙሸይቲ ኮይና ውድድራ ዛዚማ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ዛምብያ ኮፐር ኵይን ተባሂላ እያ ትጽዋዕ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክስ ትሳተፍ ኣላ።

ስኮት ንመጀመርታ ግዜ እዩ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ዘሎ፡ ኣብ 2019 ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኮልፍ ራብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ ሰክዔት ደቂ ተባዕትዩ ናይጀርያ ዶ ታይገር ተባሂላ እያ ትጽዋዕ፡ እታ እንኮ ብኵዕሶ ሰክዔት ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተደፍ ዘላ ኣፍሪቃዊት ጋንታ'ያ።
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ ሰክዔት ደቂ ተባዕትዩ ናይጀርያ ዲ ታይገር ተባሂላ እያ ትጽዋዕ፡ እታ እንኮ ብኵዕሶ ሰክዔት ኣብ ኦሎምፒክ ትሳተደፍ ዘላ ኣፍሪቃዊት ጋንታ'ያ።
እዛ ሃገራዊት ጋንታ እዚኣ ኣብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥማት ንሃገራውያን ጋንታታት ኣውስትራልያን ኣመሪካን ክትስዕረን ክኢላ እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ ኢድ ደቂ ኣንስትዮ ዛምብያ ዘ ፒርልስ ተባሂላ እያ ትጽዋዕ፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ እዚኣ ኣብ 2021 ፓምፕዮን ኵዕሶ ኢድ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ እያ።
ኣዛ ሃገራዊት ጋንታ እዚኣ ኣብ ርዩ ኦሎፒክ 2016 ሻሙነይቲ ኮይና እያ ውድድራ ዛዚማ።

ኣዳለውቲ
ኤዲተር - ንኬች ኦግባና፣ ፕሪንሰስ ኦቡማረን ሙቶኒ ሙችራን።
ንድፊ - ኦላኒ ኣደምቢፐን ሚልሰንት ዋችራን
ንድፊ ዌብሳይት - ፔሪቱ ቢሪር
ተወሳኺ ደገፋት - ሳሊ ሞራለስን ሰለስቲን ካሮኒን
ስእሊ
ጌቲ ኢሜጅስ፣ ዓለምለኻዊ ፌደረሽን ኩዕሶ ስክዔት፣ ኤኤፍፒ፣ ናይጀርያ ኒውስ፣ ናይጀርያ ሮዊንግ ኤንድ ሰይሊንግ ፈደሬሽን፣
ዳንኤል ክሪስቲን፣ ፊና ዎርለድ ቻምፕዮን፣ መኽሰብ ደበሳይ፣ ሰይሊንግ ክለብ ሞዛምቢክ፣ ጅያና ፋሩክ፣ ኢፒኤ፣ ፕረስ ፎኮስ ኒውስ፣
ፒክስ፣ ኤረወትረየት ቪያ ተዊት፣ ብሩስ ቭያን ኦሎምፒክ፣ ክላእምብ ዜድኤ፣ ዲዳብሊው ቭያ ክለብ ኦፍ ሞዛምቢክ።