ሻምበል ኣበበ ቢቂላ፡ ኣብ ሮማ ብትሕቲ ሓወልቲ ኣኽሱም ብጕያ ዝሓለፈሉ ህሞት

ሻምበል ኣበበ በቂላ ኣብ 11 መስከረም 1960 ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ቀዳማይ ወጺኡ መስመር ሕንጻጽ እናረገጸ

ምንጪ ስእሊ, Keystone-France

መግለጺ ስእሊ, ሻምበል ኣበበ በቂላ ኣብ 11 መስከረም 1960 ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ቀዳማይ ወጺኡ መስመር ሕንጻጽ እናረገጸ

ሎሚ፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ፡ ኣበበ ቢቂላ ኣብ 41 ዕድሜኡ ብሞት ዝተፈልየና መዓልቲ ምዃና ብምዝካር ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ንምሉእ ኣፍሪቃ ኣብ ዓውዲ ውድድር-ጕያ ማዕጾ ዜርሓወ ኣትሌት ብምንባሩ ብክብሪ ክዝከር ዝግብኦ ሰብ'ዩ። እዚ ብ 1973 ዝሓለፈ ጅግና መቓብሩ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ-ክርስትያን - ኣዲስ ኣበባ - ይርከብ።

ብ 1960 መበል 17 ውድድር ኦሊምፒክ: 83 ሃገራት ዝተወከላሉ፡ 5,338 ተወዳደርቲ ዝተኻፈልሉ፡ ኣብ ከተማ ሮማ (ዓዲ ጣልያን) ኢዩ ተኻዪዱ።

ካስዩስ ክለይ ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ (ድሓር ስሙ ናብ መሓመድ ዓሊ ዝለወጠ) ብውድድር ጕስጢ ወርቂ መዳልያ ዝተዓወተሉ እዋን ነበረ።

እወ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ንመጠረስታ እዋን ኣብ ኣህጕራዊ ውድድር ዝተኻፈለትሉ እዋን ነበረ - ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብምኽንያት ስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ኵሉ ኣህጕራዊ ውድድር ተኣጊዳ ከም ዝነበረት ዝዝከር'ዩ።

ይዅን'ምበር እቲ ናይ ሽዑ ውድድር ኦሊምፕያ ብደቡብ ኣፍሪቃ ኣይኰነን ዝዝከር። እንታይ ድኣ ኣበበ ቢቂላ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጐያዪ ብዘይ ሳእኒ ኣብ ጕያ-ማራቶን ቀዳማይ ስለ ዝወጸን ክብረ-ወሰን ማራቶን ከኣ ስለ ዝሰበረን'ዩ ዝዝከር።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣይኰነንዶ ኣበበ ቢቂላ ኢትዮጵያ ኣበይ ከም እትርከብ ዝፈልጡ ወጻእተኛታት ቍጽሮም ብዙሕ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል።

እንተዀነ ግን እቲ ውድድር ኣብ ዓዲ ጣልያን ስለ ዝተኻየደ፡ እሞ ኸኣ ኢጣልያ ንኢትይጵያ ንሒደት ዓመታት ገዚኣታ ስለ ዝነበረት፡ ኣበበ ቢቂላ ምስ ሰዓረ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት ዓለም ብውግእ ዓድዋ (1896) ዀነ በቲ ድሒሩ ዝሰዓበ መግዛእቲ (1936-1941) ብቕጽበት ክትዝከር ከኣለት።

ሚድያታት ዓለም በቲ ዘይተጸበይኦ ዉጽኢት ማራቶን ደንጽይወን መዛረቢ ረኸባ፣ ኣበበ ቢቂላ ስዒሩ እናበላ ኸኣ ኣብ ናይ ማዕከናት ዜናታተን ደጋጊመን ኣቃልሓ።

"ሙሶሊኒ ንኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወትሃደራት፡ መዳፍዓት ኰነ ጋዝ-ስሚ ተጠቒሙ ክወርር ሓደ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ግን ኣብ ሮማ ከይዱ ንኢጣልያ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላኣ ዓለም ሰዓረ" ክብሉ ጋዜጣታት ዓለም ኣድናቖቶም ገለጹ።

ንታሪኽ ኣበበ ቢቂላ ዘይፈልጥ ሰብ ከም ጽውጽዋይ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን፣ ይዅን'ምበር፡ እቲ ታሪኽ'ቲ ሓደ ካብ'ቶም ንኢትዮጵያ ኣብ ካርታ-ዓለም ተዀሊዑ ከም ዝቕመጥ ዝገበረ ፍጻሜ ነበረ።

ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝነብር ዜጋ'ውን ኣብ መዝገበ-ቃላቱ 'ማራቶን' ዚብል ቃል ዘይነበሮ ኣበበ ቢቂላ ስለ ዝሰዓረ ኣፉ መሊኡ ነቲ ቃል ክጥቀመሉን ክኾርዓሉን ክኣለ።

ኣብታ ህሞት'ቲኣ . . .

ውድድር ኦሊምፒክ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣዝዮም ሒደት ኢትዮጵያውያን ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ትምህርቲ ቲዮሎጂያ ንክመሃሩ (ትምህርቲ ቅሽነት) ናብ ቫቲካን (ማእከል ሮማ) ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ተላኢኾም ዝነበሩ ተምሃሮ ነበሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ሮማ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ (ነፍሰን ይምሓር) ብስራሕ ካብ ኣስመራ ንሮማ ብ 1960 ዝተጓዕዛ ነበራ። ኣብቲ እዋን'ቲ ዳርጋ ጸለምቲ ኣብ ሮማ ኣይነበሩን ክበሃል ይከኣል።

እዘን ወ/ሮ ሳራ ሰለባ ዝስመን ኣደ "ጸሊም ገጽ ከይርኣኹ እነብር ነበርኩ፣ ኣስመራ፡ እታ ዝተወልድኩላን ዝዓበኹላን ቦታ፡ ኵሉ ጊዜ ካብ ሓሳበይ ኣይትፍለን ነበረት፣ ሓድሓደ እዋን እቶም ብሩኻት ተምሃሮ-ቫቲካን ከም ዝጽምወኒ ተረዲኡዎም ተኣኪቦም ይበጽሑኒ ነበሩ" ኢለን ዘዕለላኡ እዋን ከም ዝነበረ ወደን ይምስክረለን።

ወ/ሮ ሳራ እቲ ኣበበ በቂላ ዝጐየየሉ ምሸት ኣብ ሮማ ዀይነን ኣብ ተሌቪዥን ይርእያ ነበራ። እተን ምስአን ዝነበራ ፈረንጂ ኸኣ ተኣኪበን "ወዲ ዓድኺ ስዒሩ" ኢለን ዓው-ዓው ክብላ ወ/ሮ ሳራ ግን ኣብ ክንዲ ዝሕጐሳ ብኽያት ንብኽያት ኮና። እተን ፈረንጂ ሰንቢደን "እንታይ ኴንኪ? ድሓን ድኺ?" ኢለን ደንገጻ።

"እዞም ርጉማት ጫማ ከይዕድጉሉ ... ምስኪናይ ኣበበ" ኢለን ብጓሂ መለሳ ይበሃል።

ወ/ሮ ሳራ ሰለባ

ምንጪ ስእሊ, ወ/ሮ ሳራ ሰለባ

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ ሳራ ሰለባ

ኣበበ ቂላ ብንእሽትኡ

ኣበበ ቢቂላ፡ እቲ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ጐያዪ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ዘይትርሕቕ (ኣብ ከባቢ ደብረ-ብርሃን እትርከብ) ጃቶ ዝተባህለት ቁሸት'ዩ ብ1932 ተወሊዱ፣ ኣብቲ ከባቢ ጓሳ ኾይኑ'ዩ ኸኣ ዓብዩ።

እቶም ኣበበ ዘመዝገቦም ዓወታት ንናይ መጻኢ ትውልዲ ኣሰር-ሃልሃልታ ኰይኑዎም'ዩ - በዓል ማሞ ወልዴ፡ ምሩጽ ይፍጠር፡ ሃይለ ገብረስላሴ፡ ጥሩነሽ ዲባባ፡ ደራርቱ ቱሉ፡ ቀነኒሳ በቀለ ...ወዘተ. ኣሰሩ ተኸቲሎም ዓወታት ብምምዝጋብ ሓበን ሃገሮም ክኾኑ በቂዖም'ዮም።

እኔሄዉ ኸኣ ሕጂ በዓል ለተሰንበት ግደይ፡ ሹራ ቂጣታ ነቲ ሰንሰለታዊ ዉርሻ ሒዞም ኣሰር ሻምበል ኣበበ ኣብ ምስዓብ ይርከቡ።

ኣበበ ቆልዓ ኸሎ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ'ያ ነበረት። ኣበበ ድማ ከም ሰቡ እንዳ ሃለቃ እንዳተማህረ፡ ብትርፊ ጊዜኡ ድማ ከብቲ [ማል] ክጓሲ ይውዕል ነበረ። ምስ ጎበዘ ኸኣ ንኣዲስ ኣበባ ገዓዘ።

ጽጌ ኣበበ፡ ጓሉ ንሻምበል ኣበበ፡ ከም ዘዘንተወቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ዓመት ብዘይ ስራሕ ዕግሽገሽ ድሕሪ ምባል ኣብ ክብር-ዘበኛ ክጽንበር ዕድል ረኸበ። ክብር ዘበኛ ንሓለዋ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝዓለመ ክፍሊ ውትህድርና ነበረ። ክብር ዘበኛ ኸኣ ንህይወት ኣበበ ቢቂላ ክልውጦ ከኣለ።

ኣብ 23 ጥቅምቲ 1964 ኣብ ቶኢክዮ ኣብ ዝተካየደ ኦሎምፒክ ኣበበ ቢቂላ ቀዳማእ ወጺኡ ወርቂ መዳልያ ኣብ ዝተሸለመሉ ምስ ብርጣንያዊኡ ባሲል ሄትልይ (ጸጋማይ) ከምኡ እውን ምስ ጃፓናዊ ኮኩቺ ቱባርያ (የማናይ)

ምንጪ ስእሊ, Keystone

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 23 ጥቅምቲ 1964 ኣብ ቶኢክዮ ኣብ ዝተካየደ ኦሎምፒክ ኣበበ ቢቂላ ቀዳማእ ወጺኡ ወርቂ መዳልያ ኣብ ዝተሸለመሉ ምስ ብርጣንያዊኡ ባሲል ሄትልይ (ጸጋማይ) ከምኡ እውን ምስ ጃፓናዊ ኮኩቺ ቱባርያ (የማናይ)

ሻምበል ኣበበን ኣሰልጣኒ ኦኒ ኒስካነንን

ሽወደናዊ ኦኒ ኒስካነን (1910- 1984) ኣሰልጣኒ ስፖርት ኣባል ክብር-ዘበኛ ነበረ። ንሱ'ዩ ንኣበበ በቂላን ንኣበበ ዋክጂራን ብክእለት ጕያኦም ኣለልዩ ኣብ ኦሊምፕያድ ንክሳተፉ ንሮማ ሒዙዎም ዝኸደ።

እወ፡ ዘይዝከር ኰይኑ'ምበር ኣበበ ዋክጂራ ዝተባህለ - ብዕድሚኡ ካብ ኣበበ ቢቂላ ብዓስርተ ዓመት ዝዓቢ - ኣብቲ ዉድድር ተሳቲፉ ከም ዝነበረ፡ ሻብዓይ ድማ ከም ዝወጸአ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ'ኳ ይዅን ዛንትኡ ዘይተነግረሉ ጐያዪ ነበረ። ኣበበ ዋክጂራ ከም ኣበበ ቢቂላ ብዘይ ጫማ'ዩ ጐይዩ። እወ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ግን ብዙሕ ዝዝክሮ ሰብ ኣይረኸበን።

ኣበበ ኣብ ጕያ ዓለም ድሒሩ'ዩ ኣትዩ፣ ኣብ 24 ዕድሜኡ። ኦኒ ኒስካነን ንኣበበ እንተዘየተባብዖ ነይሩ ኣትሌት ኣይምኾነን ዝብል ግምት ኣሎ። ርግጽ'ዩ ኣበበ ስፖርት ይፈቱ ነይሩ - ኵዕሶ እግሪ፡ ኵዕሶ ሰኪዔት ዘኣመሰሉ። ኣብ ጕያ ግን ብዙሕ ኣቕልቦ ኣይነበሮን።

ኣስልጣኒ ኣበበ ቢቂላ ሽወደናዊ ኦኒ ኒስካነን

ምንጪ ስእሊ, ኣስልጣኒ ኣበበ ቢቂላ ሽወደናዊ ኦኒ ኒስካነን

መግለጺ ስእሊ, ኣስልጣኒ ኣበበ ቢቂላ ሽወደናዊ ኦኒ ኒስካነን

ኦኒ ኒስካነን'ዩ ንኣበበ ኣብ ውድድር ጕያ ክፈታትን ዝደፍኦ። ኣበበ ተፈጥሮኣዊ ክእለት ከም ዝነበሮ ብኣሳጕምኡን ፍጥነቱን ብርታዐኡን ርእሰ-ተኣማምነቱን ይዕዘቦ ነበረ። ኣብ ዉድድራት ክቡር-ዘበኛ ንክቀዳደም ኣእትዩ እንተፈተኖ ድማ ብቐሊሉ ጽቡቕ ዉጽኢት የምጽእ ነበረ።

እቲ ዝተረፈ ንታሪኽ ንገድፎ። ኣበበ ንመወዳደርቱ ክብር-ዘበኛ ጥራይ ዘይኰነስ ንተወዳደርቲ ዓለም ስዓረ፣ ንኢትዮጵያ ኸኣ ዓቢ ፍናን ኣበርከተ።

ንምንታይ ብዘይ ሳእኒ?

ብዛዕባ ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍትን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዓንቀጻትን ሒደት ዶኩመንታዊ ፊልምታትን ቀሪቦም'ዮም፣ ጽጌ ኣበበ፡ ጓሉ ንኣበበ'ውን ብዛዕባ ዛንታ ኣቦኣ ጽሒፋ'ያ።

ኦኒ ኒስካነን ንበዓል ኣበበ ንሮማ ሒዙ ምስ ተጐዕዘ መዓልታዊ ልምምድ-ጕያ የጕይዮም ነበረ - ብጫማን ብዘይ ጫማን። ሽዑ ኒስካነን ሓደ ነገር ክዕዘብ ከኣለ። ክልቲኦም ኣትሌታት ብዘይ ጫማ ክጐዩ ኸሎዉ ፍጥነቶምን ስጕሚ-ጕያኦምን ይሰልጥ ከም ዝነበረ ኣስተውዓለ።

ሽዑ ይስዓሩ'ምበር ከም ድልየቶም ክጐዩ ከም ዘፍቀደሎም ባዕሉ እቲ ኣሰልጣኒ መዝጊቡዎ'ዩ። "ኣበበ ጫማ ለቢሱ ክጐዪ" ይብል እቲ ኣሰልጣኒ፡ "ኣብ ዉሽጢ ሓደ ደቒቕ ብ5-6 ስጕሚ ይዝሕል ነበረ" ኢሉ መስኪሩ'ዩ።

ብዙሓት ካብ'ቶም ድሒሮም ዝተጻሕፉ ዛንታታት ግን ሓቅነት ኣይነበሮምን። ጥዑይ ጫማ ኣይተገዝኣሎምን፡ ጫማ ጸቢቡዎም ... ዘኣመሰሉ ዛንታታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ምንባሮም ኣሰልጣኒ ኦኒ ኒስካነን ይምስክር።

ብዘይ ጫማ ጐይዩ ብምስዓሩ ግን እታ ህሞት'ቲኣ ኣብ ተዘክሮታት ተዓዘብቲ ተወቒራ ተረፈት። ክሳብ ሕጂ ድማ ይዝረበሉ'ዩ።

ተራ ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ጕያ ማራቶን

ኦኒ ኒስካነን ከም ዘዘንተዎ፡ ንክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ እኹል ሓበሬታ ብምስናቕ'ዩ ኣበጊሱዎም። ብዓል መን ስሉጣት ጐየይቲ ከም ዝነበሩ፡ ቍጽሪ ማልያኦም ብምሃብ ንክጥንቀቑሎም መኸሮም። ሓደ ካብኦም ሞሮካዊ ጐያያይ ራዲ ቢን ዓብደልሰላም ነበረ።

ብኣጋጣሚ ራዲ እቲ ዝተዋህቦ ቍጽሪ ክረኽቦ ስለ ዘይከኣለ ካልእ ቍጽሪ-ማልያ ተዋህቦ። በዓል ኣበበ ግን ቍጽሩ ከም ዝተለወጠ ኣይተሓበሮምን። ኣበበ ንዅሎም ክንጥንቀቐሎምዝግብኦ ተቐዳደምቲ ንድሕሪት ገዲፉ ኣብ ዝተዓዝረሉ ህሞት ራዲ ግን እግረ-እግሩ ይጐዪ ነበረ። ሞሮኮ ሰለስተ ተወዳደርቲ ኣሰሊፋ ስለ ዝነበረት ኣበበ ኸኣ ሓደ ካብኦም ይኸውን ኢሉ ንራዲ ኣይተገደሰሉን - እወ፡ ክሳብ ኣብ ሓወልቲ ኣኽሱም ተተኺሊሉ ዝነበረ ቦታ ዝበጽሑ።

ዝዝከር'ዩ ሓወልቲ ኣኽሱም ብ1937 ብወትሃደራት ጣልያን ተሰሪቑ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝተወስደ ሓወልቲ ነበረ። እቲ ሓወልቲ ብ 300 ዓም ብጊዜ ምድረ-ነገስት ኣኽሱም - ቅድምን ድሕርን ትውልዲ ክርስቶስ ዝነበረ ግዝኣት - ከም ዝተሰርሐ ተመራመርቲ ታሪኽ ይገልጹ። እቲ ሓወልቲ ድሕሪ ነዊሕ ክትዕን ብዙሕ ጻዕርን ብ2005 ንኣኽሱም ከም ዝምለስ ተገብረ።

ሓደ ካብ'ቶም ንኣበበ ብኣሰልጣኒኡ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ትእዛዛት ኣብ ሓወልቲ ኣኽሱም ምስበጽሐ ንክውንጨፍ ነበረ። በታ ትእዛዝ መሰረት ኣበበ ኣብቲ ሓወልቲ ኣኽሱም ተተኺሉሉ ዝነበራ ፒያዛ ምስ በጽሐ - ሓደ-ክልተ ኪሎሜትር ምስ ተረፎ - ንራዲ ራሕሪሑ ንበይኑ ተዓዝረ። ንወዝቢ ኣበበ እንተ ዝዝንጋዕ ነይሩ ራዲ ቀዲምዎ ምኸደ። ሓወልቲ ኣኽሱም ስርሓ ሰሪሓ ማለት'ዩ።

ኣሰልጣኒኡ ከም ዝበሎ፡ "ኣበበ እቲ ምስኡ ንኣርብዓ ኪ.ሜ. ዝጐየየ ሞሮካዊ መን ምንባሩ እንተ ዝፈልጥ ነይሩ ኣቐዲሙ ገዲፉዎ ምተወንጨፈ - እቲ ዘመዝገቦ ክብሪ-ወሰን ከኣ (2:21) ኣዝዩ መመሓየሾ ነይሩ።"

 ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምሉኣ ኣፍሪቃ ድሕሪ ሻምበል ኣበበ በቂላ ብዙሓት ጐየይቲ ፈረዩ፣ ጌና ኸኣ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጕያ ብኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ክሳብ ሕጂ ተዓብሊሉ ይርከብ።

ሻምበል ኣበበ ብ 1964 ኣብ ቶክዮ ዝተኻየደ ውድድር ብዝሓሸ ክብረ-ወሰን ሰዓረ (2፡12)። ሓደ ወርሒ ቅድሚ ውድድር ቶክዮ ኣበበ ናይ በንቲሺተ መጥባሕቲ ተገይሩሉ ክነሱ ብዜደንቕ ኣገባብ ሓውዩ፡ ብድድ ኢሉ ኣብቲ ውድድር ተኻፊሉ ኣሸነፈ።

ብድሕሪኡ ብ 1968፡ ኣብ 36 ዕድሚኡ፡ ክወዳደር ፈቲኑ ግን ነቲ ጕያ ብኣካላዊ ማህሰይቲ ክውድኦ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኡ ማሞ ወልዴ ሰዓረ።

እቲ ዜሕዝን ፍጻሜ ግን ኣበበ ኣብ 41 ዕድሜኡ ብምሕላፉ'ዩ። ብሓደጋ መኪና (ብ 1969) ፍርቂ ነብሱ ምስ ለመሰ ብ1973 ካብ'ዛ ዓለም ተፈልየ። ስሙ ግን ያታዊ ዀይኑ ተረፈ።