ለንደን ማራቶን፡ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ንኪፕቾጌ ዝስዓረሉ ቀሊል ሚስጢር

ኣብ ለንደን ማራቶን 2020 ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለንደን ማራቶን 2020 ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ

ውድድር ማራቶን ኣብ ትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምዝዛም ዝፍለጥ ኬኒያዊ ኣትሌት ኡሉድ ኪፕቾጌ፡ ኣብ ለንደን ማራቶን ንዘጋጠሞ ስዕረት እቲ ምኽንያት እንታይ ይኸውን?

ሓያል ልምምድን ክእልትን ቀደሙ'ውን እቲ ውድድር ዝጠልቦም'ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ለንደን ማራቶን 2020 ዝተዓወተ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ግን ካልእ ሚስጢር ነይሩዎ፤ ጽቡቕ ቑርሲ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ራብዐይቲ'ያ ወጺኣ፤ ኬኒያዊ ኪፕቾጌ ድማ ነቲ ውድድር ተዓዊቱሉ።

ሽዑ፡ ፍራምረ ጥራሕ በሊዑ ኣብ ጥራይ ከብዱ ዝጎየየ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ 35 ኪሎ ሜትሮ ምስ ጎየየ፡ "ከብደይ ምስ ሑቖይ ክለግብ ተሰሚዑኒ፤ (ኣዝየ ጠምየ ነይረ)" ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ዓመት ግን ነዚ ስሕተት ንምድጋም ድልዊ ስለ ዘይነበረ፡ ናብቲ ውድድር ቅድሚ ምእታው ጥርቅም ኣቢሉ ከብዱ መሊኡ።

ምስ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ድማ "ኩሉ ነገር በሊዐ" ክብል ተዛሪቡ።

"መረቕ፣ ሕብስቲ፣ እንቋቑሖን ርጉኦን በሊዐ - ኮታ ኩሉ ሓይሊ ክህበኒ ዝኽእል ነገር ተመጊበ። ኮይኑ ክኣ እኹል ሓይሊ ስለ ዝረኸብኩ ነቲ ውድድር ተዓዊተሉ" ኢሉ።

እዚ ስዕረት፡ ነቲ ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንማራቶን ብሒቱዎ ዝጸንሐ ኬኒያዊ ኣትሌት ጽቡቕ ኣይነበረን።

ኣዒንቲ ዓለም ኣብቲ ንጉስ ክብረወሰን ዓለምን ሻምፒዮን ኦሎምፒክን ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ኬኒያዊ ኣትሌት ሸኺለን፡ ንሓምሻይ ግዜ ጎይታ ለንደን ማራቶን ክኸውን ይጽበያ ነይረን።

እንተኾነ ኪፕቾጌ ሻምናይ ኮይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት፡ ናይ እዝኒ ጸገም ከም ዝሃሰዮ ተዛሪቡ።

ኢሉድ ኪፕቾጌ ኣብ ውድድር ለንደን ማራቶን 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢሉድ ኪፕቾጌ ኣብ ውድድር ለንደን ማራቶን 2020

ኩነታት ኣየር ዓዲ ኢንግሊዝ ዛሕልን ራሕስን ዝተሓወሶ ብምንባሩ፡ ንጎየይቲ ነዊሕ ርሕቀት ኣጸጋሚ እዩ። ሹራ ግን እቲ ኩነታት ኣየር ከም ዝሓገዞ ይኣምን።

"ኣብ ኢትዮጵያ ከቢድ ዝናብ እናሃረመ ልምምድ ይገብር ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብኡ ከኣ ክዘንብ ምስርኣኹዎ ደስ ኢሉኒ" ኢሉ።

ሹራ፡ ድሕሪ 2013 ንፈለማ እዋን ኣብ ለንደን ማራቶን ዝተዓወተ ፈላሚ ወዲ ተባዕታይ ኣትሌት እዩ።

"ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ መጽአ'ውን ኣብ ገዛ ኮፍ ኣይበልኩን፤ ምስ ኣሰልጣንዬ ንነብሰይ ከዳልዋ ጸኒሐ እየ። ስለዚ ንኢሉድ ስቕ ኢለ ኣይኮንኩን ስዒረዮ' ደኺመ'የ" ይብል።

ኣብቲ ውድድር ንክሳተፍን ዓወት ከመዝግብን ልዑል ተስፋ ዝነበሮ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ብምኽንያት ኣብ እግሩ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ኣይተሳተፈን።

"ኩሉ ሰብ ንኽልቲኦም እዩ ዝጽበ ነይሩ -ኪፕቾጌን ቀነኒሳን- ኣነ ግን ዋላ ሓደ ቆላሕታ ዝገበረለይ ኣይነበረን" ይብል።

ወሲኹ፡ "ድሓር ዓለም ካልእ ሻምፒዮና ክትፈልጥ ከም ዘለዋ ክገብር ኣለኒ ኢለ ምስ ውሽጠይ መኺረ። በዚ ክኣ ሙሉእ ዓርሰ እምነትን ሓይልን ሒዘ ንቕድሚት ተወጢሐ" ኢሉ።

ርእሰ ምትእምማን ዘለዎን ብዙሕ ዘይዛረብን

ኣብቲ ውድድር ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ሰባት፡ እዚ ወዲ 24 ዓመት ኣትሌት ርእሰ ምትእምማን ዘለዎን ብዙሕ ዘይዛረብን ምዃኑ ይገልጹ።

"ሕያዋይን ትኩርን'ዩ። ካልእ ፍልይ ዘብሎ ግን ዘለዎ ርእሰ ምትእምማን እዩ። ኣብቲ ውድድር ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘለዎ ሰባት ፈጺሙ ኣይጭነቕን ነይሩ፤ እዚ ከኣ ንክዕወት ሓጊዙዎ እዩ" ኢሉ ወኪሉ ሑሴን ማኬ።

ሹራ ቂጣታ ካብ 2015 ጀሚሩ ስልጠና ኣትሌቲክስ ክወስድ ጸኒሑ።

ሹራ ቂጣታ ኣብ ለንደን ማራቶን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሹራ ቂጣታ ኣብ ለንደን ማራቶን

ካብ ሓረስቶት ወለዱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወለደ ኣትሌት ሹራ፡ ነቲ ሸውዓተ ቆልዑ ዘፍረየ ስድርኡ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብር ዘኽእሎ ዓቕሚ ኣብ ምጥራይ ኣተኲሩ ክሰርሕ ጸኒሑ።

"ትምህርቲ ይፈቱ'የ፤ ዶክተር ወይ ድማ ፓይለት ክኸውን'ውን ይብህግ ነይረ። ካብ ድኻ ስድራቤት ስለ ዝመጻእኹ ግን ትምህርተይ ኣቋሪጸ ኣብ ሕርሻ ይሰርሕ ነይረ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ሓደ መዓልቲ ኮኾብ ዓለም ኮይነ ክዘውር እየ ዝብል ሓሲበ ኣይፈልጥን። ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝኣክል ክጽሕፍ ድማ ንፈለማ ግዜ'ዩ። ሳላ ኣትሌቲክስ ፈጺሙ ኣብ ሕልመይ ዘይነበረ ህይወት ይነብር ኣለኹ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።

ቀጻሊ ዕላማ እዚ ኣቦ ክልተ ቖልዑ ከኣ ቀሊል እዩ። ኢትዮጵያ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ማራቶን ብደቂ ተባዕትዮ ዝስኣነቶ ክብሪ ምምላስ።

"ደቀይ ብዝኽሪ ዝኾርዓሉ ወርቂ ሜዳሊያ ንሃገረይ ከምጽእ'የ። በዚ ሓደ መዓልቲ ኣቦና ተዓዋቲ ኦሎምፒክ ነይሩ ክብላኒ'የን" ኢሉ።