ናዋል ኤል ሳዳዊ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብትብዓት ዝተቓለሰት 'ፌሚኒስት' ጸሓፊት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"'ጨካንን ሓደገኛን ጓል ኣንስተይቲ ኢኺ' ይብሉኒ። ኣነ ግን ሓቂ እየ ዝዛረብ። ሓቂ ከኣ ጨካንን ሓደገኛን እያ" ትብል ናዋል ኤል ሳዳዊ።
ናዋል ኤል ሳዳዊ ብ21 መጋቢት 2021 ኣብ መበል 89 ዓመታ ከም ዝሞተት ማዕኸናት ዜና ግብጺ ጸብጺበን።
እዛ ፈላሚት ግብጻዊት ዶክተር፣ ኣንስታያዊትን (Feminist) ጸሓፊትን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ንንባብ ኣብ ዘብቅዓቶም መጽሓፍትን ጽሑፋትን ናይ ባዕላ ታሪኽን ኣተሓሳስባታትን ብምጽንጽብራቕ ትፍለጥ።
እቲ ፖለቲካውን ጾታዊ መሰላትን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምምሕያሽ ዝነበራ ተወፋይነትን መሪር ሓቂነትን ብዙሓት ኣተባቢዑ'ዩ።
እንተኾነ፡ እዚ ባህሪኣ ግዳይ ተነጽሎ፣ ማእሰርትን ምፍርራሕ ሞትን ገይሩዋ።
"ተቓላሳይ መንፈስ ሒዛ'ያ ተወሊዳ። ከምኣ ዝበሉ ሰባት ውሑዳት'ዮም" ክትብል መሓዝኣን ተርጓሚትን ዶክተር ኢሞና ኣሚን ብ2020 ንቢቢሲ ተዛሪባ ነይራ።

ናዋል ኤል ሳዳዊ፡ ብ1931 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ካይሮ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ገጠር ከባቢ ተወሊዳ።
ስድራ ቤት ኤል ሳዳዊ ትሸዓተ ቖልዑት ከፍሪ እንከሎ፡ ንሳ ካልአይቲ'ያ።
ጓል 13 ዓመት እንከላ ድማ ናይ መጀመርትኣ ዝኾነ ልበ ወለድ ጽሒፋ።
ወላዲኣ ትሑት እቶት ዝረክብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑ፡ ኣዲኣ ድማ ካብ ርኹባት ስድራ ዝመጽአት ምዃና ይዝረብ።
ኤል ሳዳዊ፡ ወለዳ ጓል 10 ዓመት እንከላ ከመርዑውዋ ፈቲኖም ሓንጊዳ ክትኣብዮም እንከላ፡ ኣዲኣ ኣብ ጎና ኮይና ደጊፋታ።
ኣብ ትምህርታ ትኹረት ክትገብር ወለዳ ከም ዝሓገዙዋ ዝጽሓፈት ኤል ሳዳዊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝንኣሳ ምዃነን ዝተገንዘበት ግን ድሒሩ ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ እኖ ሓጉኣ "ሓደ ወዲ ተባዕታይ ብውሑድ ዋጋ 15 ጓል ኣንስተይቲ'ዩ . . . ደቂ ኣንስትዮ መቕዘፍቲ'የን" ከም ዝበለታ ትዝክር።
"ዝኾነ ግጉይ ነገር ከም ዘሎ ተዓዚባ፤ ክትዛረበሉ ከኣ ጀሚራ። ናዋል ንድሕሪት እትብል ኣይኮነትን" ትብል ዶክተር ኣሚን።
ኤል ሳዳዊ፡ ቆልዓ ሽዱሽተ ዓመት እንከላ ግዳይ ምኽንሻብ ከም ዝኾነት ጽሒፋ እያ።
"ዘ ሂድን ፌስስ ኦፍ ኢቭ" ኣብ ዝተሰምየ መጽሓፋ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣዲኣ ዝሓለፈቶ ስቓይ ምኽንሻብ ብዝርዝር ኣስፊራቶ'ያ።
ድሕሪ እዚ ምኽንሻብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንምጽቃጥ ዝፍጸም ተግባር'ዩ ብምባል ጠጠው ንክብል እናተቓለሰት ዕድሚኣ ሕሊፋቶ።
ኣብ ግብጺ ብ2008 ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ እኳ እንተተኸልከለ፡ ኤል ሳዳዊ ግን ጠቕሊሉ ኣይጠፍአን ብምባል ቃልሳ ኣሐይላ ቀጺላትሉ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤል ሳዳዊ፡ ብ1955 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ብሕክምና ቀዳማይ ዲግሪ ክትምረቕ እንከላ፡ ብሕክምና ኣእምሮ (ሳይክያትሪ) ቀጺላ ተማሂራ።
ዳይሬክተር ጥዕና መንግስቲ ግብጺ ኮይና ክተገልግል ጀሚራ'ኳ እንተነበረት፡ ኣብ 1972 ንጓል ኣንስተይትን ጾታዊ ርክብን፣ ምኽንሻብ ጾታዊ ጭቆና ደቂ ኣንስትዮን ዝኹንን መጽሓፋ ምስ ኣሕተመት ካብ ሓላፍነት ተኣልያ።
ቅድም ኢሉ ዝመስረተቶ መጽሄት ጥዕና'ውን ኣብ 1973 ተዓጽዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኤል ሳዳዊ ስቕ ኣይበለትን፤ ምጽሓፍን ምዝራብን ኣየቋረጸትን።
ኣብ 1975 'ዉመን ኣት ፖይንት ዚሮ' (ደቂኣንስትዮ ኣብ ነጥቢ ባዶ) ዝሰመየቶ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ናይ ሓንቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሞት ዝተቐጽዐት ጓል ኣንስተይቲ ዝተደረኸ መጽሓፍ ጽሒፋ።
ቀጺላ'ውን ከም በዓልቲ ሞያ ሕክምና ዝርኣየቶም መጥቃዕታት ጾታዊ ዓመጽ፣ "ዘስካሕክሑ ቕትለታት"ን ምንዝርናን ዘካተቱ መጽሓፍቲ ጽሒፋ።
እዚ ድማ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዓረብ ግጉይ ኣረኣእያ ተስርጽ ኣላ ብዝብል ሓያል ቁጥዐ ኣልዒሉ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ወርሒ መስከረም 1981 ተኣሲራ። ኣብቲ ግዜ ኣንዋር ሳዳት ፕሬዝደንት ግብጺ ነይሩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይና'ውን፡ ናይ ዓይኒ ኩሕሊ እርሳስ ተጠቒማ ተዘክሮታታ ኣብ ቲሹ ትጽሕፍ ነይራ።
"ሰባት ዘይደፍሩዎም ነገራት'ያ ትገብር ነይራ፤ ንዓኣ ግን ውሁብ ነገር'ዩ። እዚ ማለት ግን ሕግታትን መምርሕታትን ትጥሕስ ነይራ ማለት ኣይኮነን፤ እኳ ድኣ ሓቂ እያ ትዛረብ" ብምባል ዶክተር ኣሚን ትገልጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ሳዳት ምስ ተቐትለ፡ ኤል ሳዳዊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኣ። ጽሑፋታን ካልኦት ስረሓታን ግን ብምመያ ክሓልፉ ትግደድ ነይራ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምፍርራሕ ሞት ይበጽሓን ናብ ቤት ፍርዲ ትቐርብን ስለ ዝነበረት፡ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዳ።
ኣብኡ ኮይና፡ ኣንጻር ሃይማኖት፣ ባዕዳዊ መግዛእትን ምዕራባዊ ልዕልነትን ትኹንን ነይራ።
ኣብ ሃይማኖት እስልምና ዝዝውተር ምሽፋን ገጽ ደቂ ኣንስትዮ፣ መመላኽዒ ገጽን ዕርቃንካ ምኻድን ብትሪ ትነቕፎም ጉዳያት'ዮም።
ኣብ 2018 ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዘይናብ በዳዊ፡ እቲ እተቕርቦ ነቐፌታ ኣቀራርብኡ ኣዝሕል ክተብሎ እንተኽኢላ ሓቲታታ፡ ኤል ሳዳዊ "ብፍጹም። ዓለም ኣጥቃዒት እናኾነት ትኸይድ ስለ ዘላ፡ ድሕር ዘይብልን ግልጽን ክኸውን እየ ዝደሊ። ሰባት'ውን ዘይፍትሓዊ ንዝኾኑ ነገራት ንምኹናን ድሕር ዘይብሉ ክኾኑ ኣለዎም" ክትብል መሊሳትላ።
ወሲኻ፡ "ስለ ዝሓረቕኹ'የ ዓዉ ኢለ ዝዛረብ" ኢላ።
ኤል ሳዳዊ፡ መጽሓፍታ ብልዕሊ 40 ቋንቋታት ክትርጎሙ እንከለው፡ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺባ'ያ።
"ወትሩ ሰባት ምስ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኣ ከም ዘይሰማምዑ ይፈልጥ'የ፤ ግን ጽሑፋ ዚያዳ የተባብዐኒ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ክትገብሮ ዝግብኣ ገይራ'ያ። ብፍላይ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይንኪ ስራሓታ ይትንክፉኺ'ዮም" ትብል ኢንግሊዛዊት ጸሓፊትን ኣሕታሚትን ከዲጃ ሴሳይ።
ኤል ሳዳዊ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ብርክት ዝበሉ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ረኺባ። ኣብ 2020 ድማ መጽሄት ታይምስ ሓንቲ ካብ ሞንጎ 100 ደቂ ኣንስትዮ ናይቲ ዓመት ኢሉ ሓርዩዋ። ናይ ቅድሚት መሸፈኒ (ገበር) ገጹ'ውን ንዕኣ ኣበርኪቱ።
ግን ሓደ ዝጎደለ ነገር ኣሎ።
"ናታ ሕልሚ ወይ ተስፋ ካብ ግብጺ ዝተወሰነ ኣፍልጦ ክትረክብ'ዩ ነይሩ። ካብ ዓለም ብዙሕ ክብሪ ከም ዝረኸበት ግን ድማ ካብ ሃገራ ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘይረኸበት ትዛረብ ነይራ" ብምባል ዶክተር ኣሚን ትዛረብ።
ኤል ሳዳዊ ኣብ 1996 እያ ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ኣብ 2004 ሕጽይቲ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ኮይራ ክትወዳደር እንከላ፡ ኣብ 2011 ኣንጻር ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተሳቲፋ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ምስ ደቃ ኣብ ግብጺ ትነብር ነይራ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







