ሃሪየት ታብማን፡ ምስላ ኣብ 20 ዶላር ኣሜሪካ ክሕተም ምዃኑ ዝዝረበላ ጸላም ተቓላሲት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ጉዳይ ሃሪየት ታብማን መብጽዓ ኣትዩ'ሎ። እቲ መብጽዓ፡ ነቲ ምስሊ ተቓላሲት ጸረ-ባርነት ዝነበረት ሃሪየት ታብማን ኣብ 20 ዶላር ኣመሪካ ክሕተም ተታሒዙ ዝነበረ ውጥን ክፍጸም ምግባር'ዩ።
ምስሊ ናይታ ብ1822 ኣብ ትሕቲ ባርነት ካብ ዝነበሩ ስድራ ዝተወለደት ሃሪየት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (2020) ኣብ 20 ዶላር ተሓቲሙ ክወጽእ ሓሳብ ነይሩ። እቲ ውጥን ናብ ተግባር ከይተሰጋገረ ግን እቲ ዓመት ተዛዚሙ።
ሚንስትሪ ፋይናንስ ኣሜሪካ ከምዘፍለጦ ናታ ምስሊ ንናይ ሻብዓይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ኣንድረው ጃክሰን ብምትካእ'ዩ ኣብቲ ገንዘብ ክሕተም። ጃክሰን ብባርነት ዝገዝኦም ከምዝነበርዎ ይግለጽ።
ነቲ ውጥን ናብ ተግባር ንምቕያር ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከምዝተደናጎየ ይግለጽ።
ኣብዚ እዋን ከኣ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ውጥን የነቓቕሖ'ሎ ተባሂሉ።
ሚንስትሪ ፋይናንስ ኣሜሪካ "ነቲ ጉዳይ ብቕልጡፍ ዘፈጽመሉ መገዲ ይደልይ ኣሎ" ክትብል ፕረስ ሴክረታሪ ቤተመንግስቲ ጄን ፕሳኪ ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።
ግብራዊ እንተኾይኑ ከኣ ንሃሪየት ታብማን ምስላ ኣብ ገንዘብ ኣሜሪካ ዝተሓተመ ፈላሚት ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊት ክትኸውን የብቅዓ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 100 ዓመታት ድማ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ትኸውን።
ገንዘብ ኣሜሪካ ንታሪኽን ብዝሃነትን ኣሜሪካ ከምዘንጸባርቕ ዝገለጸት ጄን "ምስሊ ሃሪየት ታብማን እውን ኣብ ሓድሽ 20 ዶላር ምስተሓተመ ነዚ ከንጸባርቕ'ዩ" ኢላ።

ኣብ ኣሜሪካ ምስላ ኣብ ገንዘብ ዝተሓተመ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ቀዳማዊት እመቤት ማርታ ዋሺንግተን ነይራ። ናታ ምስሊ ካብ 1891 ክሳብ 1896 ኣብ ሓደ ዶላር ጸኒሑ።
ብርግጽ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ መስርሕ ምምሕያሽን ምሕታምን ገንዘብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ እቲ ንምስሊ ሃሪየት ዝሓዘ ገንዘብ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ ትጽቢት ዝግበር ኣይኮነን።
ንሻብዓይ ፕረዚደንት ነበር ኣንድረው ጃክሰን ዝንእድ ትራምፕ ኣብ ምምሕያሽ እቲ ገንዘብ ተቃውሞ ኣስሚዑ ነይሩ።
ኣብ 2016 ንመረጻ ክጉስጉስ ከሎ ምስሊ ሃሪየት ታብማን ኣብ 20 ዶላር ዘይኮነስ ኣብ 2 ዶላር እንተተሓትመ ዝብል ርእይቶ ምሃቡ ይዝከር።
ሃሪየት ታብማን መን'ያ?
ብ1822 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ብባርነት ካብ ዝግዝኡ ዝነበሩ ስድራ ተወሊዳ። ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ጡጥ ሕርሻ እናሰርሐት ድማ ዓብያ።
ኣብ ትሕቲ ባርነት ኮይኖም 9 ቆልዑ ንዘፍረዩ ወለዳ ራብዐይቲ ጓሎም ነይራ። ወለዳ ቤንጃሚን ሮስን ሃሪየት ሪስን ይበሃሉ።
ገና ኣብ ዓሰርተታት ዕድመ እናሃለወት ኣብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ናይ ጡጥ ሕርሻ ንሰራሕተኛታት ዝቖጻጸር ዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛ ሓጺን ደብሪዩ ኣብ ርእሳ ስለዝወቐዓ ከቢድ ጉድኣት በጺሕዋ ነይሩ።
ኣብ 1849 ከኣ ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ሕርሻ ሃዲማ ናብ ግዝኣት ፐንሲልቫንያ ኣትያ።
ብድሕሪ ምህዳማ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ግን ስቕ ኣይበለትን። እኳደኣስ ናብ ዝነበረትሉ ሜሪላንድ እናተመላለሰት ንኻልኦት ባሮት ነጻ ክተውጽእ ትፍትን ነይራ። ንብዙሓት'ውን እናሓበአት ካብቲ ከቢድ ባርነት ዝነበሮ ከባቢ ናብተን ዝሓሸ ናጽነት ዝነበረን ሰሜናዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ክወጽኡ ሓጊዛ።
ልዕሊ 70 ባሮት ነጻ ንምውጻእ 13 ጊዜ ሕቡእ ልኡኽቶ ፈጺማ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብድሕር'ዚ ኣብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለዐ ሓድሕዳዊ ኲናት ንሕብረት ሰራዊት ['ዩኒየን ኣርሚ'] ሰላሊት ብምዃን ክትሰርሕ ጀሚራ። ቀንዲ ደጋፊት ምንቅስቓስ መሰላት ደቂኣንትዮን ተቓላሲት ምእላይ ስርዓት ባርነትን ምንባራ'ውን ታሪኽ ይሕብር።
እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ናብ ምብራቓዊ ከተማታት እንተንቀሳቓሰት ብዛዕባ ወጽዓታት ደቂኣንስትዮ ዘረባ ክተስምዕ ጀሚራ።
ሃሪየት ብ1913 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሚኣ ሞይታ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







